INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

“ከም ምሩኻት ጥይት እናተኮሱ ናብ ሰመራ ወሲዶምና”- ኣብ መዳጐኒ ዝርከቡ ስድራቤታት ተጋሩ ኣብ ሰመራ ተዳጒኖም ዝርከቡ ስድራቤታት ተጋሩ

26 ሰነ 2022

ብ9 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኣብዓላ [ሸኸት] ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ውግእ ድሕሪ ምክያዱ፡ ሓይልታት ዓፈር ‘ናብ ውሑስ ቦታ ከነግዕዘኩም ኢና’ ብምባል ዓይነ ስውራት ከይተረፈ ዝርከቡዎም ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ፈለማ ናብ ቤት ማእሰርትን መደበር ፖሊስን፡ ካብኡ ድማ ብመኪና ተጽዒኖም ናብ ሰመራ ከምእተወስዱ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማ ሸኸት [ኣብዓላ] ተወሊዱ ዝዓበየ ኣውዓሎም፡ “ድሕሪ እቲ ውግእ፡ ሓይልታት ዓፋር ምንም ንዘይፈልጥ ነባሪ፤ ‘ራድዮ ነይሩካ፤ ምስ ህወሓት ርክብ ነይሩካ፡ ምሰኦም ትሰርሕ ነይርካ’ ብዝብል ክሲ ንብዙሓት እንፈልጦም ሰባት ቀቲሎሞም” ይብል።

ንሱ ንባዕሉ፡ ካብ ሞት ድሒኑ፡ ካብቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ሰመራ ኣብ ሓደ ዓቢ ማእከል ተዳጒኖም ዘለዉ፡ ስድራቤታት ትግራይ ሓደ እዩ።

ዞባዊት ዳይሬከተር፡ መርመራን ክትትልን ክልል ዓፋር፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ወይዘሮ ሰላማዊት ግርማይ፡ ገና ዕላዊ ዘይኰነ መርመራ’ቲ ኮሚሽን ብምጥቃስ፡ “እቶም ተዳጒኖም ዘለዉ ሰባት ‘ንህይወቶም ሓደገኛ ኣብ ዝዀነ ኩነታት’ እዮም ዝርከቡ”- ኢላ። ርኽበት እቲ መርመራ፡ ብብርኪ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ክረአ ንላዕሊ ተላኢኹ ከምዘሎ ድማ ሓቢራ።

ካብ መንግስቲ ክልል ዓፋር መብርሂ ንምርካብ ዝተግበረ ፈተነ ስለዘይሰለጠ፡ ምላሽ ኣይተረኽበን።

ኣብ ኣብዓላ እንታይ እዩ ኣጓኒፉ?

ካብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ብስልኪ ዘዘራረብናዮ ኣቦ ዕሸልን ነባሪ ሸኸትን *ወልዳይ ገብረጻዲቕ፡ ከም ዝብሎ፡ ድሕሪ’ቲ ውግእ ምልሻን ዕጡቓትን ዓፋር ንሰላማውያን ሓረስቶት፡ ነጋዶን ሸቃሎን ተጋሩ እናፈለዩ ከምዘጋፍዑን ሃይማኖታዊ ዝመስል መልክዕ’ውን ከምዝነበሮን ብግምት ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝሞቱ ይዛረብ።

ኣብታ ከተማ ጥራይ፡ ልዕሊ 16 ሽሕ ትግራዋይ ከምዝነብር ዝዛረብ ወልዳይ፡ ብፍላይ ጊድሞን ዋጋርያን ኣብ ዝበሃላ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ዝርከባ ገጠራት ብብዝሒ ሓረስቶት ተጋሩ ከምዝነብሩለን ይዛረብ።

ወልዳይ ብዙሓት ኣብ ቅድሚ መቕርቦምን ኣዝማዶምን ከምዝተቐትሉ፡ ንዕኡ እውን ወዲ ሓፍቱ ከምዝተቐትሎ ይዛረብ።

ኣውዓሎም ብወገኑ፡ ድሕሪ'ቲ ብ9 ታሕሳስ ዝጀመረ ኲናት፡ ሓይልታት ትግራይ ናብታ ከተማ ቀዳም ኣትዮም ሰንበት ድሕሪ ምውጸኦም፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ከቢድ በደል ከምዝተፈጸመ ይገልጽ።

“ንብረትን ኣባይትን ተወሪሩ፤ ብዙሓት ተቐቲሎም፡ ሬሳኦም ኣብ ፈቐዶ ጽርግያ ተደርብዩ ቀንዩ” ይብል።

እንተኾነ፡ ሓይልታት ትግራይ ኮነ ምልሻታት ዓፋር በቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ግፍዕን በደልን ነንሓድሕዶም እዮም ዝካሰሱ።

ቢቢሲ ከኣ ነዚ ዝበሃል ዘሎ ፍጻመታት፡ ብነጻን ዘይሻራውን ሳልሳይ ኣካል ከረጋግጾ ኰነ ከጻርዮ ኣይከኣለን።

ቢቢሲ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ንሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ክልል ዓፋር ኮነ ሰበ ስልጣን እቲ ክልል ብዛዕባ እቲ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ኩነታት ምላሽ ንምርካብ ተደጋጋሚ ጻዕሪ እኳ እንተገበረ ኣይሰለጠን።

መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣብዓላ ኣጋጢሙ ዝተብሃለ ክስታት ‘ጃምላዊ ቅትለት’ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መብርሂ የለን።

ገለ ጸብጻበት፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ቀዲሞም ነታ ከተማ ብከቢድ ብረት ከምዝደብደብዋ፡ ብሰንኩ ብዙሕ ዕንወት ከምዝበጽሐን ሰባት ከምዝተጎድኡን፡ ንነበርቲ ዓፋር ጠቒሶም ይገልጹ።

እቶም ብስልኪ ዘዘራረብናዮም ግዳያት ብወገኖም፡ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምስ ኮነ፡ እቶም ዕጡቓት ዓፋር ነቶም ተወለድቲ ትግራይ ‘ናብ ውሑስ ቦታ ክንወስደኩም’ ኢና ብምባል ካብ ገዝኦም ብሓይሊ እናውጽኡ ናብ ዓበይቲ መካይን ሰቒሎም፡ ከም ምሩኻት እናፈራርሑን ጥይት እናተኮሱን፡ ብለይቲ ናብ ሰመራ ከምዝወሰዱዎም ይዛረቡ።

ሮይተርሰ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ መርመራዊ ጸብጻብ፡ “ኣሸሓት ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ዓብዓላ ብዕጡቓት ሓይልታት ዓፋር ተገፊፎም፡ ብመካይን ተጻዒኖም፡ ኣብ ከተማ ሰመራ ዝርከብ ኮሌጅ ሶሎዳ ተዳጒኖም” ይብል። በዝሖም ካብ 7 ሽሕ ክሳብ 12 ሽሕ ከምዝበጽሕ ኣስፊሩ ኣሎ።

ገለ ካብቶም እሱራት ጠቒሱ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ክተሓዙ እንተለዉ ከምዝተገርፉ’ውን ሮይተርስ ይገልጽ።

ኣብዝሓ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ሓረስቶት ነጋዶን ሸቃሎን ከምዝዀኑ ወልዳይ ይገልጽ።

ንሒደት መዓልታት፡ መግብን ሕክምናን እውን ኣይረኸቡን ነይሮም።

“ንሰለስተ መዓልቲ ብኸምኡ ምስ ጸናሕና፡ ዝተወሰነ ሰብ ሞይቱና፡ ካብኡ ንሳቶም’ውን ተሰናቢዶም። ብሽኩትን ማይን ምምጻእ ጀሚሮም” ይብል ኣውዓሎም።

ዓይነ ስዉራት ዝርከቡዎም ‘እሱራት’

ካብቲ መዳጎኒ ከም ገለ ኢሎም ካብ ዝወጽኡ ውሑዳት ሓደ ዝዀነ ኣውዓሎም፡ ብፍላይ ከም ብዝሒ ደምን ሽኮርያን ዝኣመሰለ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም ኣዝዮም ከምዝተሳቐዩ፡ ዝሓመመ፡ ንክወጽእ ኮነ ከይሕከም ከልኪሎም፡ ልክዕ ከም ምሩኻት ከምዝሓዝዎም የዘንቱ።

ሓላፊ ጎስጓሳት፡ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል [ICRC] ዳንኤል ሲድለር፡ ግን ብኩነታት እቶም ተወለድቲ ትግራይ ብቢቢሲ ምስ ተሓተተ፡ "ኩነታቶም ከም ኣብ ኩሉ ካልእ ‘መዓስከራት ተመዛበልቲ’ እታ ሃገር ዘሎ ዘሻቐል" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ መሃብ ተቖጢቡ።

እቶም ኣብ’ቲ መዳጎኒ መዓስከር ዝርከቡ ተጋሩ፡ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ክረኽቡ ዘይከኣሉ ሕጻውንትን ክሳብ ደቂ 90 ዝበጽሖ ኣቦታትን ኣዴታትን ሽማግለታት ይርከቡዎም።

ገለ ነፍሰጾራትን ድማ ኣብዘይ መዓልተን ዝወለዳ ዀይነን፡ ካብቲ ማእከል ቢቢሲ ዝረኸቦም ምስልታት፡ ብጥሜትን ሕማምን ዝማሰኑ ህጻውንቲ ብበዝሒ የርእዩ።

ብሕሱም ጥሜትን ጓህን፡ ዝተጓሳቐላን፡ ንኣዋርሕ ቅያር ክዳን ዘይረኸባን እነቖልዑ ኣዴታት ድማ ‘ሎሚ ጽባሕ ክወግሕ ይኸውን’ እናበላ ተስፋ ይገብራ ኣለዋ።

ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል፡ ዝበዝሓ ሽማግለ ኣዴታት ዝርከብኦም፡ ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝሞቱ ኣብቲ መዳጎኒ ዝርከቡ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ሮይተርስ ብወገኑ ኣብ ጸብጻቡ፡ ብዝሒ መወትቲ ልዕሊ 60 ከምዝዀኑ ሓቢሩ።

ኣብታ ንወልዳይ ቃለ መሓትት ዝገበርናሉ መዓልቲ [ 21 ሚያዝያ] ጥራይ ሰለስተ ዓበይቲ ሽማግለ ኣዴታት ከምዝሞታ ይዛረብ።

ሓንቲ ካብተን ኣብቲ መዳጐኒ ዝሞታ ሽማግለ ጓል 90 ዓመት ዝርከበአን ኰይነን፡ ዓሰርተ ኰይኖም ኣብ ሓደ ጸግዒ መአከቢ ጓሓፍ’ቲ ቀጽሪ፡ ፍሒሮም ከምዝቐበርዎን ይዛረብ።

ምስ ደቁን በዓልቲ ቤቱን፡ ኣብቲ መዳጐኒ ዝርከብ ወልዳይ፡ ኣብቲ ልዕሊ 50 ድግሪ ሴንትግሩድ ዝሙቐቱ ሃሩር ቦታ ተጸቓቒጦም ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምዝነብሩ ሕሱም ጽምኢ ማይ ከምዘለዎምን ይዛረብ።

ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብሓጹር ተፈላልዮም ስለዝተሓዙ ከኣ፡ ካብታ ዝተታሕዙላ ዕለት ጀሚሩ፡ ምስ ስድርኡ ከምዘይተራኸበን ናይ ዓይኒ ምድሪ ከቢድ ጸገም ከምዘሎን ይገልጽ።

ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ከባቢ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቀጽሪ ዝርከብ መይዳ ከም ሽቓቕ ይጥቀምሉ ምንባሮም ይዛረብ።

“ሓደ ሓደ ግዜ ሽቓቕ ንምጥቃም፡ ልዕሊ ሽድሽተ ሰዓታት ሰልፊ ሒዝና ንጽበ ነይርና” ይብል ኣውዓሎም።

ኣብዝሓ እቶም ንኣስታት ሸውዓተ ኣዋርሕ ምስ ደቆም ኣብ ማእከል'ቲ መዳጐኒ ዝርከቡ፡ ካብ መንጎኦም ዓይነ ስዉራት፣ ጉዱእ ኣካላትን ከምዝርከብዎም ወልዳይ ይዛረብ።

ንዅሉ ዓይነት ሕማማት ተመሳሳሊ መድሃኒት ከምዝወሃቦም፤ ሳሕቲ ግን፡ ንፖሊስ ኣስታት 500 ቅርሺ ጉቦ ከፊሎም መድሃኒት ንክገዝኡ ክወጽኡ ከምዝፍቀደሎም ይዛረብ። እቲ ኩነታት ህጹጽ ፍታሕ እንተዘይተገይርሉ ከኣ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኩናታት ከምዝርከቡ ብዝተዳኸመን ተስፋ ቐቢጸ ድምጽን ‘ርድኡና’ ይብል።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ “እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርክቡ፡ ዘለውሉ ኩነታት ንህይወት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ” ዝበሎ ዀይኑ፡ እቲ መርመራ ስለዘይተዛዘመ ግን፡ ብዛዕባ ዛጊድ ዘጋጠመ ብዝሒ ሞት ኰነ ጠቕላላ በዝሖም ፡ ርእይቶ ንምሃብ ከም እትጽገም ሰላማዊት ሓቢራ።

እንተዀነ፡ “ርግጽ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስክር ዝዀነ ተላጋቢ ሕማም ኣትዩ ከምዘሎነን ብፍላይ ድማ ንህጻናት ዘጥቅዕ ምዃኑን፡ ብሰንኩ ድማ ብዝሒ ሞት ወሲኹ ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና” ኢላ።

ካብቲ መዓስከር ዝወጽአ ኣውዓሎም ግን ኣብቲ ዳሕራይ፡ ቀረብ ምግቢ፣ ኣጠቓቕማ ዓይኒ ምድርን ማይን ዝተወሰነ ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ይምስክር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ገለ ዓለም ለኻዊ ትካላት ረድኤት ኣትዮም ሓገዝ ከምዝገበርሎም፡ ነፍስ ወከፎም 15 ኪሎ ስርናይ ረድኤት ከምዝረኸቡን ከም ኮቦርታ መሳሊ ሓገዝ ከምዝተዋህቦምን ይገልጽ።

ዳንኤል ሲድለር፡ ማሕበር ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል፡ ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፡ ነቶም ኣብ ከተማ ሰመራ ተዓቚቦም ዘለዉ 9 ሽሕ ነበርቲ ናይ ምግቢ ረድኤት ከምዝገበሩን፡ ብድሕነቶም ምስ ሓለፍቲ ክልል ዓፋር ይዘራረቡ ከምዘለው ኣብ ወርሒ ግንቦት ንቢቢሲ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ሓቢሩ። ኣብ ዕላዊ ገጽ እቲ ማሕበር’ውን ተመሳሳሊ ሓበሬታ ሰፊሩ ይርከብ።

እንተኾነ፡ እቶም ኣብቲ ማእከላት ዘለው እሱራት ድዮም ተመዛበልቲ ዝብል ነገር ግን ገና ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ወሃብቲ ረድኤት፡ “ንሕና ሓገዝ ጥራይ ኢና ንገብር፤ ካልእ ኣይምልከተናን። ሓለፍቲ መንግስታት ክንረኽበኩም ኣይደልዩን ነይሮም፤ ንክንሕግዘኩም ብኽንደይ ኣለሻ ኢና ረኺብናኩም” ከምዝበሉዎም ይሕብር ወልዳይ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ግን፡ እቶም ነበርቲ ዝርከብሉ ኩነታት ፡ ‘ከም ተመዛበልቲ ዘይኮነስ ከም ማእከል መዳጎኒ [detention like camp] ምዃኑ’ ውጽኢት መርመርኡ ከምዘመልክት፡ ንቢቢሲ ገሊጹ ኣሎ።

ብኲናት ዝባደመት ከተማ

ሸኸትን ኣብዓላን እናተባህለት እትጽዋዕ እዛ ከተማ፡ ካብ መቐለ ኣስታት 50 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ኣብ ዶብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን እያ እትርከብ። በቲ ኲናት ሕድሕድ፡ ኣዝያ ከምዝተሃሰየት ድማ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ጠቕሊሎም ለቒቖም ክሳብ ዝወጽኡ፡ ካብ ‘ወተሃደራት ዓፋር’ ትንኮያ ተፈጺሙና ድሕሪ ምባል፡ ተቖጻጺሮምወን ካብ ዝጸንሑ ከተማታት ዓፋር ሓንቲ እያ።

ብሰንኩ እቲ ወግእ፡ ኣሸሓት ዝተመዛበሉ ዀይኖም፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ከባቢ ሰብኣዊ መጥቃዕትን ጾታዊ ግህሰትን ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። ብወገኖም፡ ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።

*ኣውዓሎምን ወልዳይን ናይ ሕነ መጥቃዕቲ ከይበጽሖም ሓቀኛ ኣስማቶም ቀይርና ኣለና