INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ናብ ኣቦታት ትግራይ ዝፀሓፎ ደብዳበ

ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ናብ ኣቦታት ትግራይ ዝፀሓፎ ደብዳበ ሪአስ ድፍረቶም ገሪሙኒ። እዚ ሲኖዶስ እዙይ ኣብ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ብቐጥታ ኢዱ ከም ዘእተወ ዘረጋግፁ ናይ ሰነድ ድምፅን ምስልን መረዳእታታት ተኣኪቦም ኣለዉ።

እዙ ከምኣብነት ተታሓሒዙ ዘሎ ደብዳበ፤ እዙ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ዓለም ብዝዘርግሖ መርበቡ ኣቢሉ ኣብ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ክንደይ ብቐጥታ ከምዝተሳተፈ ሓደ መርኣያ እዩ። ካብዙይ ብዝኸፍአ ድማ ኣብ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ቀንዲ ተዋሳኢ ንዝኾነ ፋኖ ብገንዘብን ብሞራልን ዝሃነፀ፤ ንፅንተት ጎስጓስ የካይድ ዝነበረ እዙ ሰልስተ ትርብዒቱ ብናይ ሓደ ክልል ሰባት ዝምራሕ ሲኖዶስ እዩ::

እዙ ሓይሊ ኣብ'ዙ እዋን ናብ ህውከት ዝኣተወሉ ቀንዲ ምኽንታት ድማ፤ ብሓደ ወገን ካልኦት ህዝብታት ብቋንቋኦም ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ከይረኽቡን ብናይ ባዕሎም ኣቦታት ከይግልገሉ፤ ኣብ ገንዘብን ንብረትን እታ ቤተክርስትያን ከምቱ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘበን ዓፋጢጡ ዝወነኖ ክቕፅለሉ ካብዘለዎ ስስዐ እንትኾን፤ ብካልእ ወገን ብቀንዱ ድማ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም «ብመንግስቲ ኣብይ ተጠሊምና፣ ወያነ ህይወት ዘሪኡሎም፣ ምዕራብን ደቡብ ትግራይን ክህቦም ኢሉ» ካብ ዝብል ጠንቂ ሰላም ዝነቐለ እዩ:: ንከይዲ ሰላም ንምዕንቃፍ ድማ እዩ ብኹሉ መሓውራቶም ምስ ፋሽስት ኢሳያስ ሓቢሮም ዝተዋደደ ወፍሪ ዝገብሩ ዘለዉ::

እዙ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣይራኸብን! ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ሓልዮት እንትዝነብሮ እማ፤ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ካህናት ባህታውያን ደናግል መነኮሳት መዘምራን ዝርከቡዎም ኦርቶዶክሳውያን ተጋሩ እንትግፍዑ እንትጭፍጨፉ፤ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ትግራይ እንትዝመቱ እንትዓንዩ፣ ንዋየ ቅዱሳን እንትራኸሱ ድምፆም መስምዑ ነይሮም።

ንሳቶም ግና ኣህዛብ ስለዝኾኑ መስቀሎም ደብርዮም ከም'ዙ ብሰነድ ዘሎ ጥይት ቦንቢ የቐብሉን ክሳብ ግንባር ከይዶም ይፍክሩልናን ነይሮም:: ስለዙይ ትግራይ ዓደይ፤ ኣብ ዘለና ንሃሊ ማእኸልና ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ገይርና ኣብ ውሽጢ እዙ ኩነታት ብጥበብን ብልሓትን ንስገር!

መተሓሳሰቢ፤

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባቢኣን ኣመልኪቱ ንውሕ ዝበለ ፅሑፍ ኣቕሪቡልና ዝነበረ "ኣሕፈሮም" ኣብዙ ሰሙን ዘለዎ ምልከታ ድማ ፅባሕ ኣብዙ ገፅ እዙይ ከቕርበልና ስለዝኾነ ንኽነንብብን ንኽንመያየጠሉን ኣቐዲመ እላቦ!

Telegram: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh