INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

እቲ ቃልሲ እንትጥንክር፣ ልዕሊ እቲ ቃልሲ እናጠንከርና ንኸይድ ህዝቢ ኢና!

ናይ ኩሎም ፀላእትናን ባህርያቶምን ብምግምጋም፣ ካብ ኣብ ካልኦት ዓድታት ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለው ኩናት'ታት ብምምሃር ናፅነት ህዝብና ክረጋገፅ ዝኽእለሉ መንገዲ ብቕልፅሙን ቕልፅሙን ጥራሕ እምበር ብዲፕሎማሲ ወይድማ ሰላማዊ ቃልሲ ድሌት ህዝብና ክሳኻዕ ብፍፁም ኣይኽእልን:: ኣብ ትግራይና ዝተፈጠረ ፀገም ካብ ኣብ ዓለም ዘለው ኩናታት/ፀገማት መንገዲ ብፍሉይ ፍታሕ ክህልዎ ኣይኽእልን:: ማሕበረ ሰብ ዓለም ንህዝብታት የመን፣ ሶርያ፣ ሊብያ፣ ዒራቕ፣ ኣፍጋኒስታ ፍታሕ ክህቦም ዘይክኣለ፣ ፀገም ኢምፓየር ኢትዮጵያ ክፈትሕ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ልውህነት እዩ:: ናትና ከም ህዝቢ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮም ሃገራት ኩናት ዝፍለየሉ ብፍሉይ "ዘርኢ ናይ ምፅናት ኩናት" ምኻኑ ምግንዛብ ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ:: ንምንስትዋስ ዝኣክል:-

- ብዓሰርተ ኣሽሓት ኣሓትና ብፀላእትና ዝተደፈራሉ
- ብዓሰርተ ኣሽሓት ሰለማውያን መናእሰይና ዝተረሸንሉ
- ሓረስታይ ትግራይ እኽሉ ዝተቓፀለሉ፣ ጥሪቱ ዝተሓረደሉ
- ህዝቢ ትግራይ ከይሓርስ ከይዘርእ ዝተኸልከለሉ
- መላእ ህዝብና ድሕሪ 12 ሰዓት ከይንቀሳቐስ ዝተፈረደሉ
- ሕግን ስርዓትን ኣብ ትግራይ ዝጠፍአሉ
- ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣትው ምኽልካል ዝተጀመረሉ
- ምዕራብ፣ ደቡብን ሰሜንን ትግራይ ምቁርራስ ዝጀመረሉ
- መሰረት ልምዓታት ትግራይ ዝዓነውሉ
- ካልኦት ዘርዚርካ ዘይውድኡ ፀገማት ህዝብና ዝበፅሕሉ... ወዘተ

ብኣጠቓላሊ ኣይኮነን ንሰብ ንእንስሳታት እውን ንምንባር ዘይትጥዕመሉ ትግራይ ዝረኣናያ ድሕሪ ናይ መንግስቲ ትግራይ ካብ ከተማ መቐለ ምስጏግ እዩ:: ህወሓት ንኣዋርሕ ካብ ፓለቲካ ትግራይ ተገሊላ ኣብ በረኻ እናሃለወት ህዝብና ዝረአዮ ግፍዒ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ይኹን ዓለም ተራእዩ ኣይፈልጥን:: ብልፅግና፣ ሻዕብያ፣ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ፅልኦም ምስ ውድብ ህወሓት እንተይኮነስ ምስ ህዝቢ ትግራይ ምኻኑ ኣረጋጊፅና:: ሓደ ክንርስዖ ዘይብልና ሓቂ ድማ ኣሎ፣ ጀጋኑ ኣባላት ሓየት ሰራዊት ትግራይ ብጥንካረ መንግስትን ሴንትራል ኮማንድን ወይ ውድባት ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ብኽፍኣትን ጭካነን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ቃልሲ ዝኣተው፣ ብሓፂር እዋን ዝዓበየ፣ ፈዳይ ሕነ በዓል ፍሉይ ቅያ ሰራዊት ምኻኑ እውን ክርሳዕ የብሉን::

ሓደ ሓደ ነጥብታት:-

* መንግስቲ ትግራይ ናብ ከተምኡ መቐለ ምምላስና እቲ ሓደ ሰራዊትና፣ ህዝብናን ኩላትና ተጋሩ ከም ህዝቢ ዘሳኻዕናዮ ዓብይ ዓወት እዩ:: ሰነ 21/2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ መፃኢ ወለዶታት ትግራይ ዓባይ ታሪኻዊት ዕለት እያ:: ሰራዊትና ብኽቡር መስዋእቱ ህዝብና ብሓያል ቃልሱ ነቲ ብኣብይን ብኢሳያስን ዝተመደበሉ "ጊዚያዊ ምምሕድዳር" ዝብሃል ብዶ/ር ኣብርሃም በላይ ዝምራሕን ብወታደራዊ ድማ ብጀነራል ኣበባው ታደሰ ዝምራሕ መሓውራት ዝሕልው ዝነበረ ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ዝፈፀመ እልፍ ኣእላፍ ሰራዊት ሙሉእ ብሙእ ብምድምሳስ፣ እቲ ጊዚያዊ ምምሕድዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክሃድሙ ብምግባር ብህዝብና ዝተመረፀ ሕጋዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ መሊስና:: ሙሉእ ትግራይ ክሳብ ሓራ ዝወፅእ ክቕፅል እዩ:: ኣይግዛእን፣ እምቢ ንመሰለይ ማለት ድማ እዚ እዩ::

* ጥሜት ህዝብና ብዝምልከት መንግስትን ህዝብን ትግራይ ንዓለም ማሕበረሰብ ምቁማት ዘብዝሐሉ ኣረኣእያ ክቕየር ኣለዎ:: ብሚልዮናት ዝቑፀር ኣብ ዝተፍላለዩ ከባታት ትግራይ ዝርከብ ማለት እውን ክሰርሕ ዓቕምን ሙሉእ ጥዕናን ዘለዎ ህዝብና ኩሉ ብምውዳብ ብመምርሒ ምሁራት መሰረት እንተንኣሰ ንባዕሉ፣ ንህዝቡን ሰራዊቱን ክቕልብ ይግባእ:: ንዓለም ህዝብታት ካብ መድሓኒት፣ ናይ ህፃናት፣ ጥኑሳትን ሓራሳትን ምግብታት ንከቕርቡልና ምስራሕ ወፃኢ ህዝብና ንባዕሉ ዝበልዖ ባዕሉ ከፍርይ ኣለዎ:: ትግራይ ሓራ ንምውፃእ ህይወቱን ኣካሉን ዝኸፍል ትግራዋይ ከምዘሎ እውን ተረዲእና ህዝብና ካብ ጥሜት ብርሰት ንምድሓን ኩሉ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክፍፅመሉ ዝግባእ ኣሰራርሓታት ምቕያስ የድልየና::

* የመናውያን ካብ ናትና ዝኸፍአ ዕፅዋ ብብዙሓት ሃገራት ዓለም ካብ ዝግበረሎም 6 ዓመታት ኣሕሊፍም:: ልዕሊ 25 ሚልየን ህዝቢ ኣብ ሓያል ጥሜት ይርከብ ከምኡ ድማ ልዕሊ 200 ሽሕ ህፃናትን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ የመናውያን ብጥሜት ህይወቶም እንትስእኑ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተፈላለዩ ዓይነት “concerned” ካብ ምባል ሓሊፉ ዕፅዋ ይኹን ጥሜት፣ ሰላም ይኹን ራህዋ ህዝቢ የመን ክምልስ ኣይክኣለን:: ስለዚ ህዝብና ብሰንኪ ጥሜት ክንስእኖ እንድሕር ዘይደሊና ካብ ካልኦት ተቓለስቲ ህዝብታት ዓለም ተማሂርና ባዕልና ሰሪሕና እንተንኣሰ ባዕልና ንባዕልና ንምዕንጋል ቀትርን ለይትን ምስራሕ ብዙሓት ረብሓታት ይህበና::

* መንግስትን ህዝቢን ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ዓረብ ኢምሬትስን ብቐጥታ ዝሳተፍዎን ዘለውሉን ኩናት እዩ ዝዋጋእ ዘሎ:: ክልተ ዓበይትን ፍሉጣትን ወታደራዊ ኣማኸርቲ ትካላት ናይ ኣውሮፓ ኣማኸርቲ ምስ ዘለዎ፣ ብናይ ዓረብ ኢምሬትስ ወታደራዊ ኣማኸርቲ ዝድገፍ፣ ናይ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዓቕምን ሃፍትን ዘለዎ፣ በዓል ቱርኪ፣ ኢራን፣ ቻይና ወዘተ ካልኦት ሃገራትን ብወታደራዊ መሳርሒ ሽያጣት ዝድግፍዎ ፀላኢ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ኩናት እዩ:: ኣይኮነን ዶ ኣብዚ ዓለም ለኻዊ ኩናት፣ ኣብ ኖርማል ህይወት/ናብራ ንምሽናፍ ዝግበር ፀዓርዓር እውን ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ከምዘሎ ተገንዚብና ብፅንዓት ክንቃለስ ይግባእ::

* ቴክኖሎጂ ንዝተዓጠቐ ፀላኢ መፍትሒኡ ብዓቕምኻ ቴክኖሎጂ ምዕጣቕ እዩ:: ትግራይ ንግዚኡ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገራት ዓለም ድሮናት ንምግዛእ መሰልን ዓቕምን ብተወሳኺ ድማ ካብ ናይ ፀላኢ አዕይንቲ ሓራ ዝኾነ መዕርፎ ነፈርቲ ንከይህልዋ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ግን ብዓቕምና፣ ብመጠን ኣናእሽተይ ኮይነን ካብ ፒክኣፕ መካይንን ናይ ፅዕነት መካይንን ዝባን ዝለዓላ፣ ንኣሽሓት ኪሎ ሜትር ተጓዒዘን ጥቕዓት ክፍፅማ ዝኽእላ ድሮናት ወነንቲ ክንኸውን ኣይንኽእልን ማለት ኣይኮነን።

* ናይ መንግስቲ ትግራይ ኣይድዮሎጂ ምስ ናይ ኣሜሪካ ወይ ካሊእ ስለዘይመሳሰል ኣብዚ ዓለም ለኻዊ ኩናት መሓዙት ክንሰእን ተገዲድና ኢና ዝብል ኣተሓሳስባ እውን ካብ ልውህና ዝልዓል ይመስለና። ብርክብ መራሕቲ፣ ረብሓታትን ዕላማን እምበር ተመሳሳልነት ኣይድዮሎጂ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለም ኣብ ኩናት ንክሰምሩ (ንክትሓጋገዙ) መሰረት ክኸውን ኣይረኣናን። ንኣብነት ተቓለስቲ ሁዚ ናይ የመንን ኢራንን ምስ ኣይድዮሎጂን ዝተትሓሓዘ ዓብይ ኣፈላላይ ኣለዎም፣ ብሓባር ንምስራሕ ግን ኣይዓገቶምን:: ናይ ካልኦት እንትንርኢ እውን ፋሽስት ኣብይን ኢሳያስን ዘመሳስል ኣይድዮሎጂ የብሎምን ግን ይደጋገፉ፣ ኣሜሪካን ሳኡዲን እውን ከምኡ፣ ዓረብ ኢምሬትስን ኣብይን እውን ኣብ ኣይድዮሎጂ ዘራኽብ የብሎምን። ኣብ የመን፣ ሊብያ፣ ሶርያ፣ ኢራቅ ወዘተ ናይ ዝካየዱ ዘለው ሕብረት ሃገራት (ናይ ውግእ ሕብረት) ኣይድዮሎጂ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን::

* ኣብ መወዳእታ ትግራይን ህዝባን ህልውንኦምን ድሕንነቶምን መሊኡ ኣብ ዘይተረጋገፁሉ፣ ሙሉእቲ ትግራይ ኣብ ዘየላ "ፓለቲካ ትግራይ" ክህልው ኣይኽእልን:: ስለዚ ከም TTi ሙሉእ ሓርነት ትግራይ ክሳብ ዝረጋገፅ ዛዕባና ክኸውን ዝግብኦም ከበባታት ንምፍንፃሕ መፍትሕታት ምቕራብ፣ ጥሜት ህዝብና ከመይ ባዕልና ሰሪሕና ምዕጋት ንኽእል፣ ሰራዊትና ብቴክኖሎጂ እውን ንክዕጠቕ ምስራሕ፣ ብህዝብና ዝተመረፀ ሕጋዊ መንግስቲ ከምኡ እውን ሴንትራል ኮማንድ ንክጥንክር ምሕጋዝ መማረፂ ዘይብሎም ዛዕባታት እዮም::

ዓወት ንህዝቢ ትግራይ! ትግራይ ትስዕር!

Read More