INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

"አብ ትግራይ አጋጢሙና ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ቕልውላው ብኸምይ ይፍታሕ?

ብ Kahsay G. Tsaedu

አብ የኢትዩጵያ አጋጢሙ ዝነበረ ሕገመንግስታዊን ፖለቲካዊን ቅልውላው ሰፊሑ ብፍላይ ተወሳኪ ኢኮኖሚያዊን ሰብአውን ቅልውላዋት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን ካም ዘሎ ሓበሬታታት ይወፁ አለው።

ነዚ አብ መላእ ኢትዩጵያ ዘሎን ንዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ከም ዘሎ ኮይኑ ትግራይ ካዓ ፍልይ ብዝበለ ካብ ኩሉም ሀገራዊ ፋይናንስ ትካላት ሓዊሱ ኩሉም መሰረተ-ልምዓታት ተበቲካ አብ ሙሉእ ሰብ ስራሕ ዕፅዎ አትያ አላ። እዙይ ዕፅዎ አብ ዓድና ትግራይ አጋጢሙ ዘሎ ዕፅዎ አዚዩ ዝኸፈአ ኢኮኖሚያዊን ሰብአዊን ቀውስታት ፈጢሩ ሐዚ ሐዚ ካብ ቁፅፅር ይወፅእ ካምዘሎ ዘይስሩዕ ሓበሬታታ ይወፁ አለው። እዞም ዘይስሩዑን ዘይተማለኡን ሓበሬታታት ከም ሓቂ ወሲድና (ሓበሬታን መረዳእታን ምርካብ አፀጋሚ ስለዝኾነ) እቱ ፀገም ብግዚያዊነትን ብዘላቅነት ልምፍታሕ ምስ ኩሎም መፃኢ ዕድላት ትግራይ ዝሳነ ዝብሎ መበገሲ ሓሳበይ አዐርዩ ቅልል ብዝበለን ንኩሉ አንባባይ ብዝርዳእ ምልክዑ ዝተፀሓፈ እዩ።

( Disclaimer: Please note that: this article is for informational purposes only and is not based on research findings or proper benchmarking)

ብመጀመርያ ልቢ ክባሀል ዘለዎ ካምቲ አብ ዝሓለፈ ፅሕፍተይ ጥቅስ አቢለዩ ካምዝሓለፍኩ አብ ዓድና ትግራይ አጋጢሙ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ቀውሲ ብደረጃ ትግራይ ሀዚ ዝኮነ ናይ macro economic instruments ተጠቂምካ ክፍታሕ ዝክእል አይኮነን፣ ትግራይ ነዚ ክትፈትሐሉ ዘክእላ instrument አብ ኢዳ የብላይ! ብግዝያውነትን ብዘላቅነትን ምሕዳራዊ ስጉምትታት ተጠቂምካ ምቅላል ዘክእሉ አማራፂታት ግን አለው፣ ካልእ ዓብይ ለውጢ ከምፅእ ዝክእል ናይ "ዕቡዳት" ዝመስል ግን ሓፍ ናብ ዝበለ ዝወስዱ መፍትሕታት እውን አለው ዝበልክዎም እየ ከካፍል። ነዚ ፅሑፍ አውራ ትኹረት ካብ አብ ዓድና ዘለው ኢኮኖሚያዊ ፀገማት አብ እታ ናይ ጥረ -ገንዘብ ቀውሲ /cash crisis እየ ከተኩር። ጥረ ገንዘብ ካብ ዕዳጋን ኢድ ባንክታትን ቅድሚ ምጥፍኡ (ሱቅ ኢልና እንተጠሚትናዩ ካምኡ ምዃኑ ስለዘይተርፍ) ክውሰዱ ስለዘለዎም ጊዝያዊን ዘላቂን መፍትሕታት አውራ ዝበላ ሓንቲ ትካል ከመላኽት እየ።

እዙ ፅሑፍ ተሐሳቢ (assumptions) ዝገበሮም እዞም ዝስዕቡ እዩም።
1. አብ ትግራይ ልዕሊ 17+B Birr out of bank አሎ። 13.2 B አብ ዝሓለፉ አዋርሕ ጥራሕ ካብ ባንኪ ወፅዩ እዩ (Bank Run)፣ ግን አይተመለሰን። ሐዚ ባንክታት liquidity crisis እዩ አጋጢሙወን ዘሎ።

2. መንግስቲ ትግራይ ነቲ ፀገም ክፈትሖ ቁርፀኛ እዩ፣ አዋጅ እቶ እቶ ነዚ ልምፍፃም የክእሎ እዩ ወይ አይክልክሎይ ።

3. መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ይኹን በዘየገድስ አብ ክሊ ኩይናት ኮነ ናይ ሰላም ድርድራት ዕፅዋታት፣ ምስ ኢትዩጵያ ዝህሊ ናይ ኢኮኖሚን ፖለቲካ ገደባት ብከፊል ወይ ሙሉእ ብሙሉእ ክቅፅል እዩ። እዙይ ማለት ትግራይ De facto state ኮይና ንዝተወሰነ ዓመታት ክትፀንሕ እያ።

4. መንግስቲ ትግራይ ነቲ አብ ትግራይ ዘሎ ድምር ናይ ውሽጢ ዓዲ ምህርቲ ዝምጥን ናይ ቅርሺ ወረቀት አየሐትምይ ወይ ካብ ኢትዩጵያ ብግዚኡ አየግንይ።

5. ኩሉም ካልኦት አካላት መንግስቲን ትካላትን ተመሳሳሊ ፃዕርታት ክገብሩ እዩም። ልአብነት ቢሮ ሕርሻ አብ ትግራይ ምህርቲ ዘደንፍዕ ስራሕቲ ከም መስኖ፣ አብ ቀረባ ዝበፅሑ ምግብታት ከታአታቱ እዩ። ናይ ስልኪ፣ መብራህቲ፣ ኢንተርኔት ግዚያዊን ዘላቂን ተመሳሳሊ መፍትሒታት ክግነዩ ፃዕሪ ክግበር እዩ=> supply side solutions should get priority !

6. ceteris paribus

መፍትሒ:

ቁፅሪ ሓደ: Tigrai Financial Regulatory Agency (TFRA) Or Financial Intelligence (TFI) ብቁልጥፉ ምምስራት።

አብ ትግራይ ዝግበር ናይ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቃስ ዝቆፃፀር ትካል ( Financial regulatory => supervisory body of a bank and other financial institution with in the territory of Tigrai) ።

እዙይ ትካል አብ ትግራይ ዘሎ ናይ ፋይናንስ ምንቅስቃስን ናይ ፋይናንስ ትካላት ስራሕቲ ዝቆፃፀር De facto National Bank እዩ። መፃኢ ዕድል ትግራይ ዝኾነ ይኹን ብዘየገድሽ ካምዙይ ዝዓይነቱ ትካል ነቲ ሐዚ ዘሎ ፀገም ካብ ምቅላል ሓሊፉ ልሓዋሩ ድማ አብ ልዕሊ ትግራይ ዝእመቱ economic sabotage ይፍሊ፣ ይምክት፣ can be in charge of monetary policy፣ ትግራይ አብ ፋይናንስ ትካላት ጥሙር አህጉራዊን ሀገራዊ ናይ ምውድዳር ዓቅሚ (collective competitiveness) ዘዐቢ ፖሊሲ ዘውፅእን ዝቆፃፀርን ክኾን ይክእል እዩ። ልመፀኢ ዕድል ትግራይ እውን ሰረትን አመላኻቲ አንፈትን ኮይኑ ከገልግል ይክእል እዩ። ethical and professional leadership የድልዩ (ብነፃ ናይ ሰብ ሞያ ተቋም ኮይኑ እንተዘይተዋቂሩ ሓደገኛ እዩ። ከይሙኮር!):

እዙ ትካል እዞም ዝስዕቡ ነገራት ብግዝያውነት ብቀደም ሳዓብ ክሰርሕ ይክእል እዩ።
1. ልዝብ ምስ ሰብ ሀፍቲ:
ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ አብ ኢዶም ሒዞም ይኾኑ እዩም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ውልቀ ሰባት፣ ትካላትን አብዙይ ከባቢ ዝተወፋሩ አካላትን ምዝታይ፣ አብ ኢዶም ዘሎ ገንዘብ ብናይ ባዕሎም ሰናይ ተበግሶ ክምልሱ ተከታታሊ ልዝብ ምግባር፣ ምስ ባንክታትን ካለኦት ናይ ፋናንስ ትካላትን ብምዝርራብ ክሳብ ገዛ ገዛ እናኸድካ ገንዘብ ናብ ባንኪ ክምልሱ ምስራሕ የድሊ። ስሩሑ ብዙይ እዩ ክጅምር ዘለዎ!
ብተመሳሳሊ/ጎና ጎኒ ድማ
- Withdrawal Limits
- restricting cash withdrawal amounts per day/week / months ብግዚያውነት የውፅእ (ልወልቀ ሰብ፣ ንግዲ ትካላት በቢመልክዑ..)

2. ካብ ባንክ ወፃኢ ዘሎ ገንዘብ ዘፅንዕ ሕቡእ intelligence team የዋቅር ፣ ብሕቡእ የፅንዕ ይፈሊ። ንህዝቢ አብ ገዛ ዝቅመጥ መጠን ገንዘብ ጣራ/መጠን (limit) የቅምጥ (ንአብነት ልዕሊ 100 ሽሕ አብ ገዛ ምቅማጥ ብሕጊ ይክልክል፣ አብ ገዛ ልተገነየ ገንዘብ መጠኑ ዝኾነ ይኹን ካበይ ካምዝተገነየ ናፀጥታ አካላት ናይ ምሕታት ፣ ባዓል ዋና ድማ ናይ ምርዳእ (justify ናይ ምግባር ) ግዴታ ብሕጊ የውፅእ፣ ልዕሊ እቲ ብሕጊ ዝተገነየ ዓቀን እንትርከብ ብሓይሊ ናብ ባንኪ ክምለስ የገድድ (please note that: ይወርስ የበልኩይ! ሕጋዊ ምንጩ ዝፈለጥ ክሰብ ዝኮነ በሓይሊ ናብ ናይ ባዕሉ ባንኪ ሒሳብ ክምለስ ተገድዶ እምበር አይትወርሶን፣ ካልእ ክነቆፃፀሮ ዘይንክእል ፀገም ስለዘምፅእ፣ ምንጩ ዘይፈለጥ ዋላ ወይ ንግዚኡ ዘይተፈለጠ እንተኾይኑ እውን ብፍርድቤት ክሰብ ዝውሰን አብ ሒሳብ እቱ ውልቀሰብ ገርካ ክእገድ ምግባር እምበር ምውራስ አይግባእን!)፣ አገዲድካ ዝተመለሰ ገንዘብ ዝተገነዩ ትካል ወይ ውልቀ ሰብ ካምኡ ከይደግምን ካለኦት ክመሀርሉን ምእንተይ እቲ ውልቀ ሰብ ካብ ኩሉ ባንክታት ንዝተወሰኑ ሶሙናት ወይ አዋርሕ ገንዘብ ከየውፅእ ብሕጊ ምእጋድ (ቅፅዓት)፣ ተወሳኺ Cash tax ንአብነት ብጥረ ገንዘብ ክሳብ ሓደ ሚልዩን ልተገነዩ 7% ልዕሊኡ 10% ግብሪ ልመንግስቲ ክከፍል ከም ቅፅዓት ክትወስዶ ትክእል ኢኻ (ንአብነት አየ ዝብለኹ)። ምውራስ ናብ ምዝራፍ ስለዝሸጋገር ካለኦት ብሉፃት መፍትሒታት ምሕሳብ ይካአል እዩ።

3. አብ ላዕሊ ዝተቀመጡ ነገራት ቅድሚ ምፍፃሞም መንግስቲ እኹል ዝግጅት ምግባር፣ ምቁፅፃር፣ እንታይ ካምልገብር ንህዝቢ ምግላፅ ስዒቡ ዝመፅእ expectation and reactions ናፍቱ እንደልዩ ክኸይድ ምእንታን ብዝተፀነዐ መንገዲ ምምራሕን ምግራሕን የድሊ እዩ። Public expectation አብ ፋይናንሻል ፖሊሲ ዓብይ ትኹረት ዘድልዩ፣ ህልውና ፋይናንስ ትካካት እውን አብ public trust ዝድረኽ ሰለዝኾነን ውፅኢቱ መልምዒ ወይ መጥፍኢ ናይ ምዃን ዕድል ለለዎ ስለዝኾነ ብብቁዕ ሞያዊ ስነምግባር ክምራሕ ዘለዎ እዩ። ነዚ እውን እዩ ናይ ፍይናንስ ፖሊሲታት ብዓብይ ምሽጠርን professionalism ዝስርሑን ዝምርሑን። እቱ ፅዋታ እውን አብኡ እዩ። - controlling and managing bank panic...

ንአብነት አብ ላዕሊ ዝተቀመጠ ናይ ልዕሊ ዓቀን ገንዘብ ሕጊ ምስ አውፃእካ 1000 ዝኮን ሰራዊትና መቐለ ድሕሪ ሰሙን ገዘ ገዛ ፍተሻ ክገብር እየ ኢልካ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ እንተገርካዩ፣ አብ አውራ አውራ ውሕዳት ውልቀ ሰባት ፍተሻ ገርካ ነቲ ዝተገነየ ልዕሊ ዓቀን ገንዘብ ተጋሊፅካዩ... እዙይ አብ ሓደ ሰፍር ቅድሚ እቱ ልበልካዩ ማዓልቲ ተጅሚርካዩ፣ ዳሓር ነቲ ካብ ባንኪ ዝወፅእ ዓቀን እውን ገደብ ተገርካሉ ... እዚአ ባዕላ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ገንዘብ አብ ማዓልትታት ናብ ባንኪ ክምለስ ትሕግዝ እያ። እዙይ ዘላቂ መፍትሒ ዝኸውን ብዋናነት ቀፂሎም ዝመፁ ምላሻት (public response ) አሚትካን ገሚትካን ተከታታልቲ አብዙይ ከተራርፍ ዝሙኩሩ መሽሎኺን መሕሰቢ ጊዜ ከይረኽቡ ተደራራቢን ተከታታሊን ሕግታት አብ ርእስ ርእሱ እናውፃእኻን ናፈፀምካን ኢኻ ትከይዶ። እዙይ ነፃ ናይ ሰብ ሞያ ትካል እንተኾይኑ አይፅገሞን፣ በነቀፌታን ዓርሰ ነቀፊታን ዝሰርሕ ተኾይኑ ግን ል speculators ሲሳይ ልህዝብናን ዓድናን ድማ ናብ ዝገደደ ቀውሲ ዘአቱ እዩ ዝኸውን።
... ወዘተ

ዘላቂ መፍትሒ:
1. ንናይ ወረቀት ቅርሺ ዝትክኡ ከለኦት ዓይነታት ናይ መተዓዳደጊ መንገዲታት ከተኣታቲ ይክእል እዩ።

ንአብነት አብ ትግራይ ጥራሕን ካብ ትግራይ ወፃኢ ክሰርሑ ዝክእሉ ናይ ቁጠባ ሒሳብ (saving account )bank check ክህልዎም ብምግባር ብ Check ምትዕድዳግ፣ nonmonetary assets ምጥቃም፣ ካልእ ናይ ሒሰብ ሰርቲፊኬታት (depository check)፣bank draft ዝአመሰሉ ብፅንዓትን ብቁዕ ልምዲ ቅመራን ተመስሪቱ ዝውሰን ሓደሽቲ መተዓዳደግቲ ስልትታት ምጥቃም ዘክእል አገዳዲ ፖሊስ ምውፃእን ምፍፃምን ይካአል እዩ።

ናይ ዑቡዳት ዝመስሉ መፍትሒታት
2. ካብ ቅርሺ/Birr ወፃኢ ካልእ currency ንመተዓዳደጊ ምጥቃም ንአብነት dollar ወይ Euro ከም መተዓዳደጊ currency ልምጥቃም እዙ አብ ላዕሊ ዘሎ ትካል ከፅንዕን ከተአላልሽን ይክእል እዩ። እዙይ ብፍላይ አብ ውሽጢ ኢትዩጵያ እንተቀፂልካ አወራ hard currency ማእከል ገርካ፣ ዶላር ልደሊ ገንዘብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ ዓድና ምምፅኡ ስለዘይተርፍ አብ ናይ ኢትዩጵያ ኢኮኖሚ ምንጋዕ ብምፍጣር ምርባሕ ይካአል እዩ።

3. ናይ ባዕሉ ገንዘብ ዘሐትመሉ ዕድላት የተአላልሽ የፅንዕን ልመንግስቲ ትግራይ ከቅርብ እውን ይክእል።

4. ካብ ትግራይ ወፃኢ ሀፍቶምን ንብረቶምን ዘቀመጡ ተጋሩ ገንዘቦምን ሀፍቶምን ብቀሊሉ ናብ ዓዶም ወይ ካልኦት ሀገራት ከውፅኡ አብ ምግባር ዝተፈላለዩ መፍትሕታት ከተአታቱን ክሕግዝ ይክእል እዩ።

ናይ እዙ ፅሕፍ ዓላማ መፍትሕታት ክንሓስብን ክንምርምርን ምእንታን መበገሲ ዝኸውን ሕቶ/ምክንያት/ puzzle ምፍጣር እዩ።

ወደሓንኩም!”

ብ (Kahsay G Tsaedu)

Read More