INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

1ይ ዓመት ፍሉይ ስርሒት "ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ"

ፀላኢ ካብ 07 ሰነ 2013 ኣ.ግ ጀሚሩ ኣብ ከባቢ ጉያ ነዊ: ከባቢ ኣግበ ዝርከብ መነወ ዝተብሃለ ፍሉይ ቦታ እናገበሮ ዝነበረ መጥቃዕቲ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ዕውት ምክልኻል እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ: ጅግና ሰራዊትና ከም ሎሚ ወጋሕታ 11 ሰዓት "11 ሰነ 2013 ኣ.ግ" ብስም እቲ ጅግና ኣፍሪካዊ ጀነራል ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ዝተሰየመ ወፍሪ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከካይድ ጀሚሩ::

እዚ ፀረ መጥቃዕቲ "ወፍሪ ኣሉላ" ተባሂሉ ዝተሰየመሉ ምኽንያት:-

1. ኣብዚ ውግእ ሓየት ሰራዊት ትግራይ መጥቃዕቲ ዝጀመረሉ "መነወ" ዝተብሃለ ትውልዲ ዓዲ ስፍራ ናይዚ ተባዕ ትግራዋይ ብምኻኑ

2. ሓዱሽን ወለዶ ከም ኣያታቱን ኣቦ ሓጎታቱን ብዝልዓለ ጅግንነት ስለዝቃለስን እዩ::

ወፍሪ ኣሉላ ካብ ኣልዓሳ: ሃገረሰላም: ዓብይ ዓዲ: ኣግበ ክሳብ የጭላ ኣብ ልዕሊ 100 ኪ.ሜ ዝተዘርገሐ ሓይሊ ፀላኢ ሓየት ሰራዊት ትግራይ በርቃዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ጀሚሩ:: እዚ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብሓይሊ ብምቕፃል ክሳብ ዝባን ገበል ከባቢ ዓብይ ዓዲ በፂሑ:: ብኻሊእ ገፅ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ካብ መቐለ: ግጀትን ከባቢኡን ዝወርድ ዝነበረ ፀላኢ ኣብ ከባቢ ዓዲ ዕሽር መኪትዎ እዩ::

ኣብዚ ሰራዊትና ብዓወት ዝምርሸሉ ዝነበረ ስርሒት መበል 31ን 11ን ክፍለ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ኣዘዝቶምን ኣመራርሓኦም ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሰሱ:: እዘን ክፍለ ሰራዊት ተዓጢቐንኦ ዝነበራ መዳፍዕ: ዲሽቃን ካልኦት ማእኸላይ ብረታትን ኣብ ኢድ ሰራዊትና ምስ ኣተወ: እተን ዝተመንዓ ኣፅዋራት ድማ ተመሊሰን ንፀላኢ ኣብ ምጥቃዕ ክውዕላ ጀሚረን::

ጅግና ሰራዊትና ነቲ ካብ የጭላ ክሳብ ዳውስራ ተዘርጊሑ ዝነበረ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ብምድምሳስ በዝሒ ዘለዎም ተሽከርከርቲ: ጥይት ዝመልኡ ዲፓታት: ብዙሓት ዓበይቲ ማእኸላይን ኣናእሽተይን ሬድዩታት ርክብ ምምራኽ ተኽኣለ:: ኣብዚ ወፍሪ ዝተሳተፉ ሓይሊ ፀላኢ መበል 31: 11: 24: 21: 32: 20: 25 ክፍላተ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝተወሰኑ ክፍላተ ሰራዊት ኤርትራን ተሳቲፈን ተደምሲሰን እየን::

ሓየት ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ወፍሪ ንዓምቧኽን ፅግዕተኛን ሰራዊት ኤርትራ ሕቑኡ ብምስባር: ንሰራዊትና ደው ዘብል ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ከምዘየለ ብምግንዛብ መብዛሕቲኦም ክፍላተ ሰራዊት ኤርትራ ንሰሜንን ምዕራብን ኣንፈት ክሃድማ ጀሚረን:: ኣብዚ ወፍሪ ኮለኔል ሑሴን ዝተብሃለ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 11 ዝርከብዎ ልዕሊ 1,300 ወታደራት ዝተማረኹ እንትኾን ብዓሰርተ ኣሽሓት ዝቑፀር ወታደር ፀላእቲ ድማ ምውትን ቁስልን ክኾኑ ተገይሮም እዮም::

ኣብዚ ፍሉይ ቅያ ዝተሰርሖ ወፍሪ:-

- 14 መድፍዕ (122 ሚ.ሜ)
- 10 ሞርታር (82 ሚ.ሜ)
- 3 ሞርታር (12 ሚ.ሜ)
- 7 ዙ-23
- ልዕሊ 80 ዝተፈላለያ መኻይን
- ልዕሊ 60 ዓበይቲ: ማእኸለዎትን ኣናእሽተይን ርክብ ሬድዮታት
- ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ማእኸላይ ብረታት ሰራዊትና ክምንዝዖም ክኣለ::

ኣብዚ መስተንክራዊ ዓወት ዝተመዝገበሉ ወፍሪ ተሳትፎ ህዝቢ ትግራይ ማለት እውን ውግኣት ኣብ ምልዓል: ስንቂ ማይ ኣብ ምቕባል: ኣገዳሲ ሓበሬታታት ኣብ ምሃብ ዝልዓለ ነይሩ:: ኣብዚ መስተንክራዊ ስርሒትን ዓወትን ሓየት ሰራዊት ትግራይ ግፍዒ ሰሪሕኻ ካብ መሬት ትግራይ ምምላጥ ከምዘየለ: መሬት ትግራይ ረመፅ ከምዝኾነት ዘረጋገፀ ወፍሪ እዩ::

ዓወት ንህዝቢ ትግራይ!
ትግራይ ትስዕር!