ዘዝቐደመ እናፍረስካ ዝህነፅ ስርዓት የለን:
Read from source
ካብ ፌስቲቫል ክሳዕ ፓትራሪክ ምቕባል:
ካብ ኦሎምፒክ ክሳብ እዛ "ዕፅዋ እትኽፈተላ መዓልቲ" ምፍላጥን
አብዘለው ዛዕባታት ቁሩብ ንምትንፋስ፤ አብ ዝነበረኒ ናይ በረራ ትፅቢት ዝፀሓፍክዎ እዩ: ምንባብ ዘይፈቱ ጀሚሩ ይግደፎ: ዝኸአለ ኸንቢቱ ይንቀፎ::
መቸስ ሎሚዘበን ፖለቲካ ትግራይ መላመዲ ገይርናዮ አለና: "ማንቲለስያ ከምዓቕማ ብብርዒ ትሕጎም" እዩ እሞ ነናይዓቕምና ሰው ምባልና ነውሪ የብሉን::
ከም ተጋሩ ናይ ትግራይና፤ ከም አፍሪካዊያን ናይ አህጉርና ፤ ከም አካል ዓለም-ለኸ ሕብረተሰብውን ከም ዓለምና ክንሓስብን ምስዚኹሉ ዝኽይድ ዓቕሚ ክንሃንፅን ምዝርራብ አገዳሲ እዩ::
ህዝቢ ትግራይ ሰራሒ ታሪኽ ምዃኑ ናይ ቀደምን ናይ ቀረባን አብነታት እናልዓልና ክንማጎት ንፀንሕ እሞ ፤ ገለ ሰባትን ጉጅለታትን ድማ ነቲ ዘኹርዕ ዝበልናዮ ታሪኽ አብዘፍርስ ስራሕቲ ተፀሚዶም/ተፀሚደን እንትርኢ ትድንግፅ: ገለ አብነት ዝኾኑ ሕመቓትን መፍትሕ ዝብሎምን ቅድሚ ምብደሀይ ናይዚ ሎሚቕነ ናይ ዳያስፖራ ምንቅስቓስና ቁሩብ ተናኺፈ ክምለስ::
ብማሕበር ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ (ማተሰአ) አብ ዝተዳለወ ፌስቲቫል መኸተ ትግራይ 2022 ንምስታፍ ዕድል ገጢሙኒ ካብቲ ናይ ማተሰአ ጉባኤ ብዙሕ ዝተምሃርኩሉ መድረኽ ነይሩ : ብሓፂሩ አብ ዝሓለፉ 48 ዓመታት ብማተሰአ ዝተሰርሐ ታሪኽ ብሓፂሩ፤ አብዝሓለፉ ናይ መኸተ ዓመታት በቀጥታን ብተዛዋሪን ግደ ማተሰአ፤ አብዝሓለፈ ዓመት ድማ ብስፍሓት 16 ገፅ ፀብፃብ (ሪፖርት)ን ናይ ኦዲተራት ሪፖርትን ፤ ከምኡውን ማተሰአ ሎሚኸ ናበይ አብዝብል መፅናእታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ብዙሓት ክትዓትውን ተኻይዶም።
ንዚ ማተሰአ ዝጋጥሞ ዘሎ ግዳማዊ ፅልአትን ናይ ውሽጡ ድኽመታትን ብዘይንስሕያ ተዘራሪቡ ንማሕበሩ ንምጥንኻርን አብ ሕቶን ቃልስን ህዝቢ ትግራይ ዝምጥኖ መስዋእቲ ንምኽፋልን ንምቅላስን ውሳነታትውን አሕሊፉ አሎ::
ካብኡ ስዒቦም ዝተኻየዱ ናይ ማሕበር ልምአት ትግራይ ሰሜን አሜሪካ (TDA NA) ዋዕላ፤ ማሕበር መናእሰይ ስሜን አሜሪካን፤ ናይ ቀዳም ህዝባዊ ዋዕላን ሓዊሱ ብዙሕ እሂን ምሂን ተባሂሉ:፡ ናይ መንግስቲ ትግራይ ተወከልቲን ምሁራት ተጋሩን መፅናዕታዊ ፅሑፋት አቕሪቦም : አብ ሕድሕድ መድረኻት ብዙሓት ሓሳባት ቀሪቦም: አብ ማሕበራዊ ሚዲያን አብ ከባቢናን እንሰምዖም ሓሜታታት ከይተረፈ ብግልፂ ቀሪቦም ተመሃሂርናሎም:
አብዚ ፈስቲቫል ዘዳለው፤ ካብ መላእ ዓለም ዝተረኸቡ፤ ነዚ ፈስቲቫል ዘድመቑን ዝምህሩን ሰነ-ጥበባዊያን ፤ መድረኻት ዝመርሑን ዘምሀሩን ተሳተፍቲ፤ ነዚ መኸተ ንምዕዋት ብገንዘብ፤ ብፍልጠት፤ ብጉልበት፤ ብንብረት ዝሓገዙን ፤ ነዚ ዘቃልሑ ሚዲያታት ኹሎም ንዝኸፈልዎ ክባር ዋጋ ምስጋና ይግብኦም ፡፡
እዚ ፈስቲቫል ማተሰአ መሪሕዎ ማለት ናይ ዝተወሰኑ ውልቀሰባት ስራሕ ተይኮነስ ናይ አሻሓት ድምር ውፅኢት እዩ ፡፡ ንህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ሓቦ ዘስንቕ ፤ንመንግስቲ ትግራይን ሰራዊት ትግራይ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑን ፤ ድሕሪ ወፃኢ ዝርከብ አታዊ ድማ 100% ናብ መኸተ 3 አታዊ ዝግበር ምዃኑ ድማ እቲ አውራ መእሰሪ እዩ::
ካብዚ ዕውት መድረኽ ፈስቲቫል አብ ቀዳም ምሸት ብዘጋጠመ ናይ ፀጥታ ሽግር ካብ ቀዳም ምሸት 2 ሰዓታት ተቖሪሱና ፤ ናይ ሰንበት ሙሉእ መዓልቲውን ኸሲርና:: ነዚ ዘጋጠመ ሽግር ብማተሰአ ብዕሊ ይቕሬታ ተሓቲቱ ዝርዝር መግለፅታትን ናይ ቀፃሊ ሓሳብን ንፅበ አለና። መብዛሕቱ ተሳታፋይ እቲ አታዊ ንመኸተ ብምዃኑ ን3ቲኡ ምሸት መእተዊ ዝቖረፆ ትኬት ብዘይገለ ቅርታ አመስጊኑ ናብ በቢኸባቢኡ ተመሊሱ::
ነዛ ዘጋጠመት ኽፍተት ንቕድሚት ንኽትመሓየሽ ሓሳብ ዘቕረቡን ሓልየቶም ዘርአዩን ብዙሓት እኳ እንተኾኑ ፤ ቐዲሞም መእተዊ ትኬት ዝቖረፁ ሰባት ገንዘቦም ክምለሰሎም ዝሓተቱ ቑፅሮም ዘይነአቕ ተጋሩ አለው ንሱውን ግቡእ ሕቶ እዩ:: ገና ሙሉእ ሓበሬታ ከይረኸቡ ናብ ዘየድሊ መፀለምታ ዝአተውን እቲ ናይ ባዕሎምን ናይ አያታቶምን ማሕበር ብሓደ መዓልቲ ክፈርስ አለዎ ኢሎ ዝአወጁ ወገናትውን አለው። እቲ ዘበን ናይ ቃልስን ናይ ሕቶን ዘበን እኳ እንተኾነ ካብ ልክዑ እንትሓልፍ ድማ መተዓዛዘቢን መሰከፍን እዩ ዝኸውን:: ዘዝሃነፅናዮ ታሪኽ አቲና ብምዕራይ እምበር ብመፀለምታን ውዳበታት ብምፍራስን ክኸውን አይግበኦን ናይ ብዙሓት ውፉያት ሓደራ ምብላዕ እዩ ዝኸውን::
አብ ውሽጢ ንህወሓት አብ ደገ ንማተሰአ ተመሳሰሊ ፈተናታት በቢዓመቱ የጋጥም እዩ ፤ ሎሚ ናይ ሚዲያን ሶሻል ሚዲያን ዘበን ስለዝኾነ እምበር እቶም ዝቐርቡ ፈተናታት ተመሳሰልቲ እዮም:: ማተሰአ ዓርሱ ካብ ዝነቐፈሎም ድኽመታት ሓደ አብ አደባባይ ወፂኡ ንህዝቢ ስራሕቱ አብምግላፅ ዘለዎ ሐደ ድኽመት እኳ እንተኾነ ክንድዝድላዩ እንተጠናኸረውን ኩሉ ጠለብ ዳያስፖራ ክምልስ ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብውን ጌጋ እዩ::
ናይ ማተሰአ ናይ 48 አመታት ታሪኽውን ብግቡእ ቀሪቡ ሰባት ስለዝይተመሃሩሉ " እቲ ሓደ ብገርሁ እቲ ካሊእ ብጉርሑ" ዕግርግር የበዝሕ አሎ፤ እዚ ማተሰአ ባዕሉ ከመይ ገይሩ ተቓሊሱ ከምዝዕርዮ ወሲኑ ስለዘሎ ንቕድሚት እንሪኦ ይኸውን::
እቲ ማሕበር አብ ናይ 3 መዓልቲ ዕፅው አኼባ ድኽመተይ ኢሉ ዘልዓሎም ነግራት ስለዝኾኑ አብዚ ድኽመታት ንምሽፍፋን ተይኮነስ ሃናፃይ ዘይኮነ ንታሪኽናን መስዋእቲ አሓትናን አሕዋትናን ዘናእስ ዘመተ/ወፍሪ ግና ክእረም ዘለዎ ይመስለኒ: ብፍላይ አባል አብዘይኮንካሉ ማሕበር ውሽጣዊ ጉዳይ አቲኻ ምፍትፋትውን ዓቐን ክህልዎ ይግባእ:: ናይ ስልጡን ፖለቲካ ሓደ ምልክት ምስ ብሓሳብ ዘይስማማዕካ አብዘዝማምዕ ነገር ሓቢርካ ምስራሕ እምበር ዘዝትሃነፀ ብምፍራስ አይኮነን:፡ እንተገደደ ዝሓሸ ስራሕ ምስራሕ እዩ ዝግባእ:: ማተሰአ ነዚ ክሰምዖ ዝቐነየ ብሱልን ጥረን ክስታት አብ መድረኽ ወፂኡ መልሲ ክህበሉ ትፅብት እገብር:: ብዛእባ ፌስቲቫል እዚ ይአኽለኒ።
ናይ ኦሎምፒክ ነገርውን ብተዓወቲ ተጋሩን ተቓለስቲ ዳያስፖራ ደሚቑ ቀንዩ፤ አብ አሜሪካ ግዝአት ኦሪገን ብባንዴራ ትግራይ ዝማዕረጉ ዳያስፖራ ተጋሩ ድምፆም ነቲ ናይ ዓለም ስፖርት ማሕበረሰብ አስሚዖም/አስሚዐን: አብዚውን አብ ማሕበራዊ ሚዲያ መናቖሪ አጀንዳ አይተስአነን፤ ብፍላይ አብ "ፀላኢ አውሒድና ፈታዊ ነብዝሕ" አብዝብልን "ቆማጣ ቆማጣ ካልተባለ ገብቶ ይፈተፍታል" አብዝብሉን ቁሩብ ህልኽ መሳሊ ተራእዩ አሎ::
ቅድም ክብል ለተሰንበት ንምንታይ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ተኸደነት ዝብል መሸቁረሪ ዘረባታ፤ ፀኒሑ ድማ ደራርቶ ቱሉ ብጥበብ ንሓዛ ፤ የለን ፈሊጥናኪ ንበላ ዝብሉ ክትዓት ቀኒዮም ፤ አነ ብውልቀይ ኩሉ ፀላኢ ዋላ እንተኾነ ደረጃ ክወፆ አለዎ በሃላይ እየ: አብዛ ቀጣን ዘበን ንህዝቢ ትግራይ ዝክሓዱ ብዙሓት እዮም እንኮላይ ተጋሩ::
ህዝብና ዝቐተሉን ዘቕተሉን ኩሎም ወንጀለኛታት እዮም ፤ እቶም ስቕ ኢሎም ዝርአዩና እንነብረሎም ሃገራትውን ማለት እዩ፤ እሞስ ንዚኦም ኩሎም አብ ሓንቲ ሞግእ ክንወቕጦም ስለዘይንኽ እልን ስለዝይግባእን ፈላሊና ንርአዮም እዩ ::
ካብዚ ተበጊሰ ዋላኳ ንናይ ባዕላ ዝና እንተኾነ ትማሊ ለተሰንበት አብ መዕርፎ ነፈርቲ ከትርፍዋ እንትብሉ ብብጃማ ከይዳ ናብዚ መድረኽ ክትበፅሕ ምኽንያት ዝኾነት ደራርቱ ምንባራ ምዝካር ጥራሕ ተይኮነስ ክምቶም ካልኦት (ሃይለ ገ/ስላሴ) እንተትኸውን ነዛ ረኺብናያ ዘለና ፍርቂ ዓወት ምበቓዕና ዶ? ኢለ ብምሕታት እየ ቁሩብ ፍትሕ ክንብል አለና ዝብል ዘለኹ::
አብዝሓለፈ ቀዳም ብተጋዳሊት ፈትለወርቂ /ሞንጆሪኖ/ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ዳያስፖራን መናእሰይ ዳያስፖራ ትግራይ፤ ምስ ተጋዳላይ ጌታቸው ረዳ ዝተገበረ ናይ ሰዓታት ምይይጥውን ሓደ ዓብይ ትርጉም ዘለዎን መንግስቲ ትግራይን ዳያስፖራን ተቐራሪብካ ንምስራሕን ንምምኽኻርን ዝተጀመረ ዝተባብዕ መድረኽ እዩ ነይሩ::
ካብዘን መድረካት ኩለን ሓንቲ "ዘይተመለሰት " እትበሃል ዘላ ሕቶ " እዛ ዕፅዋ እትኽፈተሉ መዓልቲ " ዘይምፍላጥ እያ:: ትማሊ ብፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ብዝርዝር ዝቐረበ መብርሂውን ናይቲ ዝቐነየ መብርህታት መኸምበቲ እዩ : ገና ክፍሊ 2 ክቕፅልዩ: እሞ እታ መዓልቲ እንተዘይፈለጥና ሞይትና ንርከብ አለን ዝብሉ ሰባት ሎሚውን ክስታቶም አየልዐሉን ዘለዉ::
ነታ መዓልቲ ተይኮነስ ነቲ ሓፈሻዊ ዕላማ ብረብሓ ህዝቢ ትግራይ ተመዚና ካብቶም ሕማቓት መማረፅታት አየናይ ይሓይሽ ዝብል እምበር ንኹሉ ሕቶናን ባህግናን ዝምልስ አይኸውንን::
አብክሊ ዕፅዋ ኮይንኻ እንታይ ምተገብረ ንዝብል ሕቶ አብ ሶሻል ሚዲያ ካብ ግዱሳት እንሰምዖም ዝሓለፉ ጌጋታት ከይድገሙ ዝሰግኡ ወገናት ዘቕርብዎ መፍትሕታት ንዝምልከትም መራሕቲ ተወሳኺ እታዎት ይኸውን እዩ ኢለ እግምት፤ እንተ ነቶም ብዘይካና ካሊእ አይፈልጥን ዝብሉን ንናይ ትማሊ ጌጋ ዘብቅዐና አፈላላይ መሊሶም ክደግሙ ድቃስ ዝሰአኑ ተጋሩ ዘቕርብዎም አመኽንዮታት ግና ቅንዕና ዝጎደሎም ጥራሕ ተይኮነስ ንፀላኢ ስንቂ ዝኾኑውን እዮ፤ ነዚኦም ፈለጥናኩም ምባል የድሊ ይመስለኒ፡፡
ናይ ብፁእ አቦና ንሕክምና ናብ አሜሪካ ምምፃእ እውን ካሊእ መዛራረቢ ዛዕባ እዩ : ትማሊ ብመንነቶም ብተንኮላት እኒ ዳንኤል ክብረትን ክምኒ ናይ ዋሽንግተን ጳጳስ አቡነ ፋኑኤልን ዝተፍሓሰ ኽሉ ተንኮላትን ዓፈናን ብትዕግስትን ፅንዓትን ተፃዊሮም ፤ግን ድማ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ አቃሊዖም እዮም:: ተጋሩ ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢአን አቦና ብኽብሪ ንቀበል እንትብሉ ፤
ብኻሊእ መዳይ ንኽሕከሙ ብጀት ዝኸልከለትን ብጆኖሳይድ ትግራይ እትሕተትን ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ፤ ሎሚ ብውልቆም ክሕከሙ ምስወሰኑ " አቦና ክንቅበል " ኢሎም ብዘይ ሕንከት አብ ቅድሚ ማሕበረ-ካህናትን ምእመናን ተጋሩ ተገቲሮም ከምስሉ ምርአይ ዘግርም እካ እንተኾነ፤ ድሕሪ ሕዚ ዝዕሾ ትግራዋይ ከምዘይህሉ ክፈልጡ ምግባር አገዳሲ ይመስለኒ። ንቡፅእ አቦና አቡነ-ማትያስ ሙሉእ ጥዕና እናተመነኹ፤ ናብዛ ፖለቲካይ ክምለስ እሞ መእሰሪ ክገብረላ።
1. ናይዚ ኹሉ ምንቅስቃስ በዓል ዋና ዝኾነ ዳይስፖራ ትግራይ ምስጋና ይግበኦ ንሓዋሩውን አብ ጎኒ ህዝቡ ኮይኑ ብሱልን ጥረን እናመመየ ቃልሱ አጣናኺሩ ኽቅፅል ይምነ። ዕፅዋ ምኽፋት ብናህና ትእዛዝ ዝመፅእ ተይኮነስ፤ ንመንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ዝግደፍ እዩ።
2. ዕፅዋ በሰላም እንተተኸፊታ መራሕቲና ናብ አዲስ አበባ ናፊቆም እዮም እናበልካ ሽም ምጥፋእ አይምጥንን፤ ምእንተ ህዝቡ ግንባሩ ንዝህብ አመራርሓን ውድብን ምሕታትን ምምጋትን እምበር ፀላእትና ሓድነትና ክዘርጉ ኢሎም ዘውፅእዎ መደብ መፈፀምቲ ምኻን አይግባእን ፤ ሪፈረንደም ጉጉይ መማረፂ ገይርካ ምሕሳብ ይከአል ይኸውን ተሳዒርና፤ ተጠሊምና እናበልካ ህዝብን መንግስቲን ሕድሕድ ክጠራጠሩ ምግባር ግና እቲ ካልአይ መሳርሒ ፀላእቲ ምኻን እዩ፡
3. ብኹናት ጥራሕ ሰላም ይመፅእ ኢልካ ምሕሳብውን ይከአል እኸውን፤ ምሕሳብን ኽውንነትን ግን ነንበይኖም እዮም፡ እቲ ኹናት አበይ ጀሚሩ አበይ ክምዝውዳእ ብዘይካ እቶም መራሕትና መን ይፈልጣ? ራሻን ቻይናን ምስ ኢሳያስ እንታይ ሒዘን ከምዝመፃ ከመይ ንፈልጥ? ንምፍርራሕ ኢለ ተይኮነስ፤ በሰላም ዘንጊዑና ብኹናት ይቅልጥፍ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ስለዘጋጠመኒ እዩ። ኹናትውን ሰብ ይበልዕ ሎሚውን አብዕፅዋ ዘሎ ሰብና ህይወቱ ይሓልፍ አሎ፤ እሞ ካብተን ክልተ ፀገማትስ አየናይ ይሓይሽ እምበር ሓዲኡ ፍቱን መድሓኒት ምኻኑስ መረጋገፂ የለን ንምባል እዩ።
ሽሕን ምኢትን ምኽንያታት ከውስኽ ይኽእል እየ ፤ ሓጋዚ ክሳዕ ዝረክብ ንሎሚ ይአኽለኒ፤ ናይ ኹሉ ዘረባይ መእሰሪት ግና ሓድነትና ንሓልዋ፤ ሓሳብ ምቅራብን ምክሳስን/ሽም ምጥፋእን ፈላሊና ነሓዞ፤ ናይ መኸተ ስራሕና ገዲፍና ዕፅዋ አብ ምኽፋት ለውጢ አብዘየምፅእ ውራይ ግዜና አይነጥፍእ። ዝሃነፅናዮም ትካላትን ውድባትን ተኸናኺና፤ ደጊፍና፤ እናአረምና ካልኦት ምውሳኽ እምበር፤ ዘዝሃነፅናዮ እናፍረስና ካብ ዜሮ ክንጅምር አይግባእን።
|