INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ስነዳ!

Source

ሰላማት ተጋሩ!
ፀላእትና ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ገበን ዘርኢ ምፅናት ክፍፀም የለዓዕልሉ ዝነበሩ ፅሑፋት ፣ ቪድዮታትን መልእኽታትን ቀስ ብቀስ የጥፍእወን ኣለው። ብፍላይ እቶም ብደረጃ ዓለም “መልእክቲ ፅልኢት ወይ መልእክቲ ዘርኢ ምጥፋእ” ተባሂሎም ዝተፈረጁ ዳርጋ ኩለን ኣውሪዶምወን እዮም።

ሓደራ ዋላ ስልክናን ላፕቶፕናን ይምላእ ፣ ክንዲ ድላዩ ዋጋ የኽፍለና ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ መረዳእታታት ከይነጥፍኦ። ንድሕሪ ሐዚ ዝመፅእ እውን ንዓቅብ ንሰንድ።

እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና!

ኣማራፂ ሃርድ ዲስክ [ደረቕ ስነዳ]
ዋላ ስክሪን ሾት ትኹን ፣ ቪድዮ ፣ ፅሑፋት ፣ መልእኽታትን ሊንክታትን ኩሎም ክንዲ ዝተኽኣለ ኣብ ናይ በዓልትና መሰነዲ ቦታ [ላፕቶፕ ፣ ሃርድ ዲስክ ፣ ፍለሽ ወይ ካሊእ ኣማራፂ ምጥቃም ወይ ምቕማጥ]

ብድጂታላዊ መረዳእታ [ሶፍት ኮፒ]
ኣብ ጎግል ድራይቭ፣ ጎግል ኣካውንት ፣ ኢመይል ፣ ከምኡ እውን ኣብ ቴሌግራም ናይ በዓልትና [በይንትና] ኣካውንት ብምክፋት ምቅማጥ ንክእል።

እዚ ምግባር እንድሕር ዘይንኽእል ፣ ናብ ናይ ንፈልጦ ሰብ መሴጅ [መሴንጀር] ብምልኣኽ እውን ከም ስቶር ኮይኑ ክቅመጠልና ምግባር ንክእል ኢና። [እቲ ንልእኸሉ ሰብ ከየጥፍኦ ግን ሓበሬታ ምቅባል ከድልየና እዩ]

ካብዚ ወፃኢ ፣ ቀልጢፍና ንዝምልከቶ ኣካል ብፍላይ ንሚድያታት ወይ ከምኒ GSTS ዝበሉ ናይ ስነዳ ጉጅለታት ስለዘለውን ናብኦም ክነመሓላልፎ ንክእል ኢና።

እዚ ካብቲ ብሰሩዕ ናይ ስነዳ ስራሕቲ ዝሰርሑ ውልቀ ሰባትን ትካላት ወፃኢ ፣ ኩሉ ክረባረበሉ ዝግባእ ዕማም እዩ። ንኩሎም ሰነዳት ድማ ብሓደ ግዘ ምሽፋን ስለ ዘይክኣል ክንዲ ዝተክኣለ ኣብዚኣ ንንጠፍ ፣ እዚ መልእክቲ ንካልኦት ነካፍል።