INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

እዛ ምስሊ ዘሀነነትኒ፤ ክሳብ ሜዳ ትግራይ ስምዒት ኮርኲራ፤

ንበይነይ ኣይኮነን እዛ ምስሊ ዘሀነነትኒ፤ ክሳብ ሜዳ ትግራይ ስምዒት ኮርኲራ፤ ስልኪ እኳ ኣደዊላትለይ

ኣብ ዝሃለና ጠርዚ እዛ ምድሪ ንሃሉ፤ ትግራይ ዓደይ ፍሉይ ዝገብረና፤ ንትግራይ ኣመልኪቱ መንፈስና ኣተሓሳስባና ሓደ ዓይነት እዩ! ፀላእትና ካብ ዘይብሎም ክልተ ወሰንቲ ነገራት፤ እታ ቀዳመይቲ እዚኣ እያ - ኣብ መንነቶም ዝሰረተ ሓድነት ኣተሓሳስባን መንነታዊ ሃገራዊ ስምዒትን የብሎምን:: እታ ካልአይቲ ወሳኒት ዓንዲ ድማ፤ ንሕና ንሞት ዝሰዓርና ህዝቢ ኢና፤ ክሳብ መስዋእቲ ንህይወቶም ዘሀገሩ ተጋደልቲ ዝተዓደልና፤ ምእንተ ህዝቦምን ዓዶምን ምስዋእ ብፀጋ ዝተቐበሉ ሕድሪ እናበሉ ዝሓልፉ:: ኩሎም ዕስለ ፀላእትና ዘሰልፉዎም ግና፤ ንሞት ዝፈርሑ ብገንኡ ዝሸኑን ዝሃድሙን እዮም:: እዚአን እየን እተን ዓንድታት ኣፈላላይናን ምሽጥር ሰዓራይነትናን!

«...ወዲብላታ እዛ ምስሊ ናብ ስምዒት ኣእትያትኒ፤ ማዕርግ ንዛ ኣርማ ኩሎም ስውኣትን ህልዋትን ዝኾነት ባንዴራ ልዕል ኣቢሉ ሒዙ ናብኣተን እንትጎዪ፤ ጉዳፍ ኢዳ ዘርጊሓ ፀሎተ ምስጋና እናብፅሐት፤ ካብ ለተሰንበት ዝምንጭው ዝነበረ ዕምቆት ዘለዎ ፍሽኽታን ኣጠማምታን፤ እወ ደጋጊም ይሪኦ ኣለኹ፤ ምምናው ኣይኮነን ኣይፅገብን:: ናብ ስምዒት ስለዘእተወኒ እውን እየ ደዊለልካ...» ኢሉ ወግዒ ዝጀመረ፤ ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ትግራይ እዩ::

ካብ ዝነበረና ፃንሒት ካብ ዝበለኒ ገሊኡ ንትግራይ ዓደይ ክመቕለኩም ደልየ፤ ንባዕለይ ስንቂ ተስፋ ስለዝኾነኒ እዩ::

«... ከም ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ኣብ ቅድሚትና ብሩህ መፃኢ ግዘ ኣሎ! መሪር ዋጋ ንኸፍል እንተሃለና እውን፤ ኣብ ብራኸ ዝደየበት ሃገረ ትግራይ ብርግፅ ኣብ ቀረባ ክትግሃድ እያ! እዙይ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ኮነ ኣብ ኩሉ ሰራዊትናን ወተሃደራውን ፖለቲካውን መሪሕነትን ዘሎ ፅኑዕ እምነትናን ሽቶናን እዩ! ሎሚ ዝመፀ እምነትን ሽቶን እንተይኾነ፤ ካብ ብጉሓቱ ኣብ መፋርቕ 2013 ናብ ደባይ ውግእ እንትንወርድ፤ ኣብ ቆላ ተምቤን እሂን ምሂን ኢልና ዝሃንፀፅናዮ ሽቶና እዩ! ኩሉ ፃዕርናን ኣፅፊፍና ንኸደሉን ዘለና ድማ ንሃገረ ትግራይ ጋህዲ ንዝገብር ሰረት ዘንፅፍ ስርሒት እዩ! እዙይ ጋህዲ እንትኸውን ገሌና ብህይወት ፀኒሕና ከይንርእዮ ንኽእል:: ግና እዙ መርኣያ ፅንዓትን ጅግንነትን ዝኾነ ሓዱሽ ውሉድ ወለዶ ትግራይ፤ ብርግፅ ክውን ክገብሮን ናብ ብራኸ ከስጉሞን እዩ...

«... ስለዙይ ንዙ ሽቶ ክንወቅዕ ተጠሊዕኻ ምዝራብ ምእዋጅን ፈኸራን እንተይኾነ፤ ኣብ ምትግባርን ምፍፃምን ጥራሕ ትኩራት ንኹን! ግዳማውያን ፀላእትና ኮኑ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ሓንከልቲ ብዝድብርዩልና ኣጀንዳታት ሰንከልከል ከይንብል! ...ሕድሪ ስውኣትና እንተየዕበርና፤ ካብ ሜዳ ክሳብ ዲያስፖራ ኩሉ ቅድመ ግንባር እዩ እሞ፤ ተዋዲድና ተሰጣጢምና ንቕድሚት ንመርሽ ...» ዝብሉ ይርከቡዎ! እወ፤ ይኣምን! ትግራይ ትስዕር ኣላ! ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh