INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ስሚ ነፈርቲ ፀላእቲ ዝኾነ ጅግና!

ተጋዳላይ ብርሃነ ወልዲስ ይበሃል። ሓደ ካብ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ትግራይ ኮይኑ ሰለስተ ነፈርቲ ፀላኢ ዝሓምሸሸ እዩ።

28 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ብኣንፈት ዓፋር ካብ ራዳር ወፃኢ ኮይና ሓንቲ ሚግ ትመፅእ። ሓሙሽተ ኪ.ሜትሮ ንትግራይ ምስ ኣተወት ተጋዳለይ ብርሃነን ብፆቱን ሓበሬታ ይበፅሖም። ሽዑ ኩሉ ኣባል ሓይሊ ኣየር ብስልጠና እምበር ብተግባር ዝተፈተነ ኣይነበረን። ህዝቢ ትግራይ ክትጭፍጭፍ ዝተላኣኸት ጀት ብሓይሊ ናህሪ መፀት። ግብረ መልሲ ምስ ሃቡ ጉድኣት ከየብፀሐት ተመሊሳ ኸደት። እታ ሚግ SU-29 ዝዓይነታ ካብ ኤርትራ ዝተበገሰት ጀት ንፅባሕቲኡ እውን መፀት። ኣብ ተጠንቀቕ ዝፀንሑ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ጉድኣት ከይተብፅሕ ቀዲሞም ተኮሱላ። ድሕሪ እዚ ኣብቲ እዋን ከም ዝወቕዕዋ ጥርጣረታት ነይርዎም፤ ይኹን እምበር ተወቒዓ ዝወደቐትሉ ቦታን ኩነታትን ኣይፈለጡን። ድሕሪ ወርሒ ግና ሓጎሶም ዘስተማቕርሉ ዜና ተሰምዐ፤ እታ ጀት ተወቒዓ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ከምዝወደቐት መረጋገፂ ሓበሬታ ረኸቡ። እታ ጀት ወቒዑ ዘውደቓ ተጋዳላይ ብርሃነን ብፆቱን በቲ ዝተረኽበ ዓወት መግለፂ ዘይብሉ ፍናን ከምዝተሰመዖም ይዝክር።

ተጋዳላይ ብርሃነ ካልእ ተዘክሮ ዓወት እውን ኣለዎ። 15 ሰነ 2013 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ዓዲ ዕሽር ምስ በፅሑ ነፋሪት ክትሓልፍ ተዓዘቡ። ኣብቲ እዋን ንሓይሊ ኣየር ትግራይ ዝነበረ ፈታኒ ነገር ረዲኤት ዝፀዓናን ንህዝቢ ከፅንታ ዝመፃን ነፈርቲ ፈሊኻ ምፍላጥ እዩ። ምኽንያቱ “ይቃለሰሉ ኣለኹ” ንእትብሎ ህዝቢ፥ ረድኤት ከይተዕቅፍ ዝመፀት ኣየር እንታይነት ብጭቡጥ ምፍላጥ ግድነት ነይሩ። ስለዚ እታ 15 ሰነ ዝመፀት ነፋሪት እንታይነታ ዝተጋህደ ንምሸቱ ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ እትርከብ ተጎጓ እትበሃል ንእሽተይ ከተማ ደብዲባ ኣብ ህዝቢ ንምግላፁ ዝኸብድ ጉድኣት ድሕሪ ምብፃሓ እዩ። በዓል ብርሃነ ነዚ ልብኻ ዝሰብር መሕዘኒ ፍፃመ ሰምዑ።

ንፅባሒቱ ረፋድ 16 ሰነ 2013 ዓ/ም እዩ ዝነበረ፤ ተጋዳላይ ብርሃነ ምስ ቀረባ መራሒኡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈፀመ ግፍዒ እናስተንተኑ ማይ ተኽሊ ናብ ዝበሃል ቦታ ተንቀሳቐሱ። ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበረ እምባ ደይቦም ዙርያ መለሽ ከባቢኦም እናተዓዘቡ እናሃለዉ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ምስ ኮነ ፈላማ ስቪል ኣቬዝን ኣየር ትመፅእ፤ መንነታ ፈሊጦም ናብ ዕላሎምን ብትኹረት ከባቢኦም ምዕዛብን ቀፀሉ። ድሕሪ ደቓይቕ ድምፂ L-100 ዝዓይነታ ኣንቶኖቭ ናብ እዝኒ ተጋዳላይ ብርሃነ እናቐረበ መፅአ። ኣይደንጎየን መሳሪሕኡ ኣዳልዩ ናብ ዝመፅኣሉ ኣንፈት “ቴንሸን” ብምእሳር ናይ ቀረባ ሓላፊኡ ክወቕዓ መምርሒ ክህቦ ሓተተ፤ ሽዑ ንሽዑ እወንታዊ መልሲ ረኸበ። ሕነ ንፁሃን ሰላማውያን ሰባት ተጎጓ ዝፈድየሉ ግዘ ይፅበ እውን ስለዝነበረ ነታ ኣንቶነቭ ከምዝሓሰቦ ሓምሸሻ።

እቲ ዜና ናብ መላእ እዝኒ ትግራዋይ ንምብፃሕ ኣይደንጎየን። ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ማሕበረሰብ “ብወረ እንሰምዖ ዝነበርናን ርሑቕ ዝመስለና ዝነበረን ደሃይኩም ለካ ኣብ ቀረባ እዩ” ብምባል ሓጎሱ ክገልፅ ተፀምበሮም። ተጋዳላይ ብርሃነ፥ እቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት እንተውግዕ ኣብ መንጉኡ ናብ ባሕሪ ሓሳብ ይዕዘር። ፀኒሑ ካብ ኣዒንቱ ንብዓት እንትወርድ ይርአ። ድሕሪኡ ዝኾነ ንምግላፅ ቃላት ካብ ኣፉ ክወፅእ እውን ይፅገም። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ካብቲ ኣትይዎ ዝፀንሐ ባሕሪ ሓሳብ ተመሊሱ፤ ካብ ኣዒንቱ ዝወርድ ዝነበረ ፀረርታ ንብዓት ብተሓጓስ እናፀረገ ወግዑ ክቕፅል ተገደደ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ድሕሪ ምውዳቕ እታ ኣንተኖቭ ካብ ነበርቲ ማይ ተኽሊ (ከባቢ ግጀት) ዝኾና ኣዴታት ዝተዋህቦ ግብረ መልሲ እዩ። እተን ኣዴታት ንሱን ብፆቱን ናብ ዝነበርሉ ቦታ እናመፅኣ “ደቅናስ ብዓይንና ርኢናኩም” እናበላ ሓቚፈን እንትስዕምኦ ኣብ ልዕሊአን ዝበፅሐ ግፍዕን ሕነ ብምፍዳዩ ዝተሰምዖ ሓጎስን ተሓዋዊስዎ ምንባሩ ይገልፅ። “ኣብታ ቅፅበት እቲኣ ዝተረዳእኽዎ ነገር እንተሃለወ ካብ ፈጣሪ ዝተዋሃበና ህይወትን ካብ ኣያታትና ዝወረስናዮ መንነትን ከሕድጉና ዝመፁ ፀላእቲ ንህዝብና ማዕሮ ክንደይ ዓቕሉ ከምዝፀበብሉ ምንባሮም እዩ።” ዝብል ተጋዳላይ ብርሃነ፣ “ስለዚ ንህዝብኻ ዘራይ ካብ ምዃን ብላዕሊ ዘሕጉስ የለን” ብምባል፣ ሽዑ ሓንቲ ካብተን ኣዴታት ደርሆ ሒዘን ነይረን። ኣብቲ ከባቢ ዕሱብ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሰፊሩሉ ስለዝነበረ ኣይኮነን ደርሆ ማንካ እውን ክህሉ ይኽእል ኢልካ ኣይትሓስብን። “ዝወደይ እቶም ሰራዊት ዘይረኸብዋ እንኮ ንብረተይ እያ እሞ እንካ ንዓኹም ትኹንኩም” ኢለን እታ ደርሆ ከምዘሕቖፈኦ ተጋዳላይ ብርሃነ የዘንቱ።

ካልእ ዘይርሳዕ ስርሒት ተጋዳላይ ብርሃነ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ምድሪ ዓፋር ዝተሰርሐ ቅያ እዩ። ዕለት ክልተ ሕዳር 2014 ዓ/ም ኣብ ካሳጊታ ሓያል ውግእ ነይሩ። ፀላኢ ብሰማይ ኩለን ዓይነት ነፈርቲ ኣንተኖቭ፣ ድሮንን ሄሊኮፕተርን ሓዊሱ ብመካናይዝድ ዝተዓጀበ ኣጋር ሰራዊት ሒዙ ይዋጋእ ነይሩ። ደሓር ክልተ ሄሊኮፕተር ብሓደ ግዘ ይመፃ ከምዘለዋ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ትግራይ ክዳለዉ ካብ ሓለፍቶም ሓበሬታ ይበፅሖም። ኣብ ድፋዕ ዝነበሩ እኒ ተጋዳላይ ብርሃነ እተን ሄሊኮፕተራት ሒሳበን ክህብወን ምትኳስ ይጅምሩ። በዚ ድማ እታ ሓንቲ ሄሊኮፕተር እንትትውቃዕ እታ ካልአይቲ እምባ ጉልባብ ገይራ ትምለስ። ድሕሪኡ ነዚ ወተሃደራዊ ክሳራ ዝተጎልበበ ፀላኢ ብግዲኡ ተሰናቢዱ ብሰማይ ዝገብሮ ዝነበረ መጥቃዕቲ ደው ከብል ከምዝተገደደ ተጋዳላይ ብርሃነ የረድእ። ኣየር እንትትመፅእ ብዕልልታ ከይተረፈ ሓጎሱ ዝገልፅ ዝነበረ ሰራዊት ኣብዪ ብግዲኡ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ እንትኸውን ዓወት ሓይሊ ኣየር ዝርኣየ ተጋዳላይ ትግራይ ድማ ፀላኢ ናይ ምድርዓም ሓብኡ ወሲኹ ንቕድሚት ክህንደድ ዝገበረ ፍፃመ ምንባሩ እውን የዘኻኽር። #ወይን