INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ስለምንታይ እዩ ንወራር ትግራይ ንምጅማር ንዛ እዋን መሪፆም?

እዞም ገበነኛታት ኵናት ምፅናት ዘርኢ፤ ስለምንታይ እዩ ንወራር ትግራይ ንምጅማር ንዛ እዋን መሪፆም?

ከም ህዝቢ ከፅንቱና ብልፍንቲ ዝወፈሩ ዕስለ ፀላእቲ፤ እዛ እዋን ዝመረፁሉ ርኡይ ምኽንያታት ኣለዎም፤

1ይ. ህዝቢ ትግራይ ብዕፅዋን ክባን ብጥምየትን ሕማምን ሰንሰን ኢሉ ተዳኺሙ ስለዘሎ፤ ክነፅንቶ ሎሚ ኢና እንረኽቦ ኢሎም

2ይ. ህዝቢ ትግራይ ንቱ ዝወረዶ ዓፀባ ተፃዊሩን ፍታሕ ኣቐሚጡን (ብስልጡን crises management) ኣብዝሓ መሬት ትግራይ ብኣዝመራ ተሸፊኑ፤ ክሽውት ጀሚሩ ስለዘሎ፤ ቀልጢፎም ንዙ ኣዝመራ ከብርሱ እሞ፤ ንዓመታ ህዝቢ ትግራይ ጥር እትብል ቀለብ ስኢኑ መሊኡ ክፀንት፤

3ይ. እዛ ሃገሮም ብኢኮኖሚን ፀጥታን ጥሒላ ህዝባ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ምርካቡ፤ ኣብ ጉጅለ ብልፅግና ዘለዎ ቅዋም ናብ ተቓውሞ የምርሕ ስለዘሎ፤ ንትግራይ ብምውራር መቐለ ኣትዮም ውህብቶ ሓዱሽ ዓመት ኣቕሪቦም ኣጀንዳ ክቕይሩ ስለዝሃቀኑ፤

4ይ. ሓደ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ከም ዝበሎ፤ "...እንተኾሪኹምለይ ንዛ ዝሓዝኩዋ እንቋቁሖ ክድብርያ እየ፤ ኢሉ ንወለዱ ከምዘፈራርሕ ህፃን ቆልዓ፤ ኣብይ ኣሕመድ እውን ኢኮኖሚ ሃገረይ ብሰንኪ ንስኹም ዘንበርኩምልና ማዕቐብ ናብ መጨረሻ ፀድፊ ወሪዱ ዶላር ዝብሃል የብልናን፤ ቀልጢፍኩም ዘይትለቁልና እንተድኣ ኮይንኹም፤ ኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነትን መላእ ቀርኒ ኣፍሪካን ዞባ ቀይሕ ባሕርን እውን፤ ክትኣልዩዎ ናብዘይትኽእሉዎ ቅልውላው ክፀድፍ እዩ፤ እናበለ የፈራርሐና ኣሎ" ከምዝበሎ እዩ ኮይኑ:: ወዮ እዞም ትግራይስ፤ ካብ መልሲ ሽዋ ኣትሒዙ፤ ዙሪያ ምላሽ ንዝነበሩ ክልተ መሰረታዊ ዕማማት ኣድቂቖም ብፅዑቕ እናሰደሩሉ እዮም ነይሮም!

* መንገዲ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ዝርብሐሉ ርኡይ መንገዲ ኣብ ምዃኑ ንፁር መርገፂ ስለዝተትሓዘን፤ ቅድሚ እዙ ፋሽስታዊ ወራር ኮነ ኣብ ከይዲ እዙ ወራርን ክሳብ ሎሚ እውን፤ ከም መንግስትን ህዝብን ትግራይ ፅኑዕ ቅዋም ብምዃኑን፤ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ምስ ምዕራባውያን ተደማሚፅካን ተሳኒኻን ርክብኻ እናደልደልካ ምስዳር ሓደ ቀንዲ ዕማም መንግስትን ህዝብን ትግራይ ነይሩ!

* ዓሚ ካብ ደባይ ውግእ ተላዒሉ እናተዓለመ ዝዋጋእ፤ ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝስዋእ ዝነበረ ተጋዳላይ፤ ድሕሪ መልሲ ሽዋ ግና ቀትርን ለይትን እንተይበለ፤ እዙ ኹሉ ዓፀቦ እንተይደረቶ፤ ግዘ ረኺቡ ብኹሉ መዳይ ወተሃደራዊ ክእለት ዓቕሚ ዕጥቅን በዝሕን ዘማልአ፤ ንዙሪያ ምላሽ ዕስለ ፀላእትና ክምክት ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ከጥቅዕን ክድምስስን ዝኽእል ሰራዊት ትግራይ ምህናፅ ዝተኽኣለሉ ካልኣይ ዕማም መንግስትን ህዝብን ትግራይ እዩ ነይሩ!

ካብ ቅድመ ግንባር ክሳብ ዲያስፖራ ድማ፤ ኣብዘን ናይ ሃለዋትን ደሕንነትን ዕማማት ተረባሪብና፤ ኣብዙ ወሳንን መሰጋገርን መድረኽ በፂሕና ኣለና! ሐዚ እውን ፀኒዕና ሓሪንናን ተሰጣጢምናን፤ ኹለ መዳይ ዓቕሚ መኸተና ብምድልዳል ናብቱ እነትስፍዎ ብራኸ ንመርሽ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም!

ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh