INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ክጋደድ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ኣካላት

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ክጋደድ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ኣካላት ዓለም ለኻዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ክብል ትካል ሰብኣዊ መሰል ዓለም ሂዩማን ራይትስ ዎች ፀዊዑ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 01 ሕዳር 2014 ዓ/ም (TMH)

ካውንስል ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካን ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኲናት ኢትዮጵያ ደው ንምባል ካብ ዘተ ብዝዘለለ ስጉምቲ ክወስዱ ትፅቢት ከም ዝግበር ትካል ሰብኣዊ መሰል ዓለም ሁማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሰራዊት ምክልኻል ትግራይን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተፀግዑ ምምፆም ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ዝቆጻፀሮም ከባቢታት እታ ሃገር ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣውጁ መላእ ህዝቢ ብዝሓዞ ማሳርሒ ናብ ኲናት ክወፍር ዝፀወዐ ኮይኑ፣ ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኦቦሳንጆ ብወገን ክልቲኦም ተፋለምቲ ሓይልታት ዘሎ ኲናት ደው ናይ ምባል ድሌት የመና ፀቢብ ምዃኑ ዝሓበሩ ኮይኖም፣ ኣብ ኒውዮርክ ዘተ ዘሳለጠ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹኑ እቶም ተጋጠምቲ ሓይልታት ተወሳኺ ህልቂትን ዕንወትን ከስዕቡ ካብ ዝኽእሉ ተግባራት ክቑተቡን፣ መሰል ሰላማውያን ዜጋታት ከረጋግጹን ብምትሕስሳብ፣ እዚ ኲናት ደው ንምባል ዓለም ለኻዊ ስጉምቲ ከም ዘድሊ ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ውሕስና መሰል ሰላማውያን ሰባት ካብ ምኽባርን ምሕላውን ብተወሳኺ፣ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይዕንቅፋት ናብ ፅጉማት ክበፅሕ ከም ዘለዎ ዝሓበሩ ዳይሪክተር ትካል ሰብኣዊ መሰል ዓለምና ኬነዝ ሮስ ሰራዊ ትግራይን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝወስዱ መስመራት ቁልፊ ከተማታት ምቁፅፃሮም ስዒቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከቢድ ወጥሪ ከም ዝተፈጠረን፣ ማሕበረሰብ ዲፕሎሚሲ ካብታ ሃገር እንትወፁ ንሰራዊ ትግራት ትተሓባበሩ ኢኹም ብዝብል ምኽንያት ኣብ ማእኸል ዓዲ ዝርከቡ ተጋሩ ይሕፈሱን ግዳይ ግህሰትታት ሰብኣዊ መሰል ይኾኑ ከምዘለዉን ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትካል ፌስቡክ ኣብዪ ኣሕመድ ዝፀሓፎ መላእ ህዝቢ ናብ ኲናት ክወፍር ዘለዓዕል ሓላፍነት ዝጎደሎ መልእኽቲ ዝሰረዘ ኮይኑ፣ ናቱ ተለኣኣኽቲ ዝኾኑ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ኣክቲቪስታትን እውን ንዕኡ ብምስዓብ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘነፃጸሩ ወፍርታት እንዳገበሩ ድሕሪ ምቕናይ ተጋሩ ንዝኸፍአ ፀገማት ይቃልዑ ምህላዎም ኣቃሊዑ።

እቲ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ ብምልዕዓል ዝተዓጀበ ምክራር ስዒቡ ንሰላማዊ ዘተ ኣብ ክንዲ ምምዕዳው ብኹሎም ወገናት ሓይላዊ ስጉምቲ ኣጠናኺርካ ናይ ምቕጻል ባህግታት ኣሎ ክብል human rights watch ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ኲናት ናብ ዝተጋደደ ቅልውላው እንዳተሰጋገረ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብዘተን ኣኼባን ግዘ ምቕታል ፍታሕ ስለ ዘየምፅእ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ዘጎሃህሩ ሓይልታት ዓለም ለኻዊ ስጉምቲ ዝውሰደሉ መማረፂ ክርአ ትካል ሰብኣዊ መሰል ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ።