INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሸኸት 2ይ ኽፋል: ህዝቢ_ሸኸት ብሰበስልጣን ዓፋር (ህዝቢ ዓፋር ለይዉኩሉ) ልበፀሐ ወሰን ኣልቦ ግፍዒ

----------------
ህዝቢ ሽኸት ተካሒዱ፤ ልዕዳጋ ወሪዱ ካብ ልሽወጥ የሃረሰይ!
- ህዝቢ ሽኸት ኣንሕና ብስደት፣ ብስራሕ ወይ ብኻሊእ ልመፃእና የኾናይ። ኣብ ርስቲ ወለድና፤ ጥንታዊ ዓድና ኢና ለለና ልምንታይ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዓፋር ንኾን?
- ኣብ ዙርያ ከባቢ ሽኸት ልነበሩ ዓፋር ዋላ ይውሓዱ ልዓፋር ርሕቐና እዩ ልብሉ ተኾይኖም እሳቶም እዮም ምሳና (ምስ ተጋሩ) ክመሓደሩ ልግባእ እምበይ ኣንሕና ብዙሓት እሞ ኣብ ዓድና ብሃመይ ላብኣቶም ንኸድ? ብኣቶም ንመሓደር?
- እቶም ካብ 70 ሰብ ዳርጋ ፍርቂ ልኾኑ ብጥልቀት ብለይምርዳእ፤ ብምድንጋር ምስ ዓፋር ተኾናለ ፀገም የብሉይ ልበሉ ኣካላት ናይ ህዝቢ ሽኸት ውሳነ የኾነይ፣
- ልዞም ኣካላት እዚኦም መራሕቲ ዓፋር ኣየሕፉሩናይ ኢሎም ልኣመኑዎም፤ ጡቡቕ ዕርክነት (ፉቁር) ልነበሮም ተኣልሾም ተመኺሮም ክሳተፉ ልተገበሩ ብዙሓት ነይሮም። ህዝቢ ልወከሎም እዮም ልብል ተሃልዩ መርትዖ የምፅእሞ ንዓርፍ ብምባል ጠንካራ ሕቶ ሒዞም ጥርዓን ቐፂሎም።

ስለዚ ሕቶ ህዝቢ ሽኸት ሕጋዊ ጥራሕ ለይኾነስ 100% ሓቂ ብምንባሩ ላብ ኑፁሃት ዓበይቲ ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ ከይበፅሕ፤ ህዝቢ ቐላቕል እንደርታ (ትግራይ) ከይሰምዕ ናይ ምዕፋን ስራሕ ክሰርሑ ተገይሩ።

ሰበስልጣን ዓፋር ብመማኸርቲ (ተጋሩ) ላተሓገዙ ቅድሚ ኹሉ ልሰርሕዎ ስራሕ ተሃለወ ህዝቢ ሽኸት ሕቶ ከየልዕል፣ ክመክን፣ ተስፋ ክቆርፅ ልምግባር ኽልተ መንገዲ ተንኮል ተጠቒሞም፦

1)ብሽምግልና፦ ልዞም ተወከልቲ 10 ሰባት ብቤተሰብ፣ ዓሌት ላተገበረ ስሩዕ ለመና፤ ሕደግ ኣንሕና ኣሕዋት ኢና ዙኹላ ፀገም ብሓደ ኣሕሊፍና በይንኻ ጥርዓት ዓንዘር ኣይትበል፤ ኹሎም ሓዲጎምዎ እዮም፤ ዓሌትና ተፀላኢ ኣይትግበረና፤ ምስ ኣሕዋትና ኣይተቀያይመና ልብሉ ሰሪዖም
2)ምፍረራሕ፦ ተወሲኑ መንግስቲ ትግራይ ለፅደቆ ልተወደአ ጉዳይ ኸዚ ሕቶ ምልዓል ኻሊእ ዕላማ ልሓዘ እዩ። ብስሩ ኣብ ሞንጎ ብሰላም ብፍቕሪ ልነብር ህዝቢ ኾነ ተባሂሉ ጎንፂ ልምልዓል ልዓለመ እዩ ብምባል ኽሲ ይቐርበልኻ።
3)ምክፍፋል፦ ካብቶም ተወከልቲ ዉሱናት ፈሊኻ ስራሕ መንግስቲ ክቑፀሩ ብምግባር ደመወዝተኛ ብምግባር ካብ ኻልኦቶም ኽፍለዩ ክግለሉ ምግባር። ደሓር ምትእምማን ክስእኑ ብምግባር ግዜ ብልነወሐ ቑፅሪ ሰኣን ሓጋዚ ተስፋ ብምቑራፅ ኹሉ ላብ ናብርኡ ክገብር ምግባር። ብዙይ ጥራሕ የኾነይ ስለለይተኣወጀ እምበይ፤ ብሓደ ተኣኪብኻ ምውጋዕ፤ ምምኽኻር ዳርጋ ኸልኺሎም ነይሮም እዮም።

NB፦ ካብ ዞም 10 ተወከልቲ 4 ልተሸምገሉ፣ 3 ልተኣሰሩ (ልተፈራርሑ)፣ 3 ስራሕ ልተውሃቡ ብስም ዝርዝር ይፍለጡ እዮም። ካብ ዚኣቶም ውሽጢ ዕለት 09/03/2013 ዓ.ም ብግፍዒ ካብ ልተቐተሉ 2 ዓበይቲ ሃም ለለዉ ተረጋጊፁ እዩ። (ስማቶም_ይፅነሐልና)

ካብ 1986 - 1987 ዓ.ም
እዚ ኹሉ ግፍዒ ልክገብሩ ግን ሙሉእ ፍቓድ ካብ ትግራይ ተዋሂብዎም እዩ። መሰልኻ ምሕታት፤ፍትሒ ልበሃል ተዓፅዩ። ህዝቢ ሰማዒ ሰኣነ፤ ልላዕሊ ተደየበ (ትግራይ) እስኹም እኮ ምስ ዓፋር ኢኹም፤ ኣብ ዓፋር ጣልቃ ኣይንኣትይ ምስኦም ወድኡ ይበሃል። ልዓፋር ተጠየቐ ለለ ዓሪፍኹም ተቐመጡ ላብ ድላይኹም ኽዱ ልተምፅእዎ ነገር የለይ፤ ተደሊኹም ለቒቅኹም ዉፁ ምባል ጀሚሮም።

ኣብ ሽኸት ክሻዕ 10ይ ክፍሊ ቐፂሉ፣ 10ይ ልሓለፈ ላብ መቐለ ወይ ኩሓ መፂኡ ይመሃር ነይሩ። እዙይ ምኽንያቱ መሰናድኦ (ክሻዕ 12) ክፍሊ ብለይ ምንባሩ እዩ። እቲ ልነበረ ፀገም ኣብ ተምሃሮ ኣፈላላይ ምንባሩ እዩ። ደቂ ተጋሩ ስንቂ ካብ ወለዶም፤ ገዛ ክራይ፤ ትራንስፖርት ይፅገሙ ነይሮም። ደቂ ዓፋር ግን ብሓደ ላተምሃሩ ሰብ ወርሓዊ ደመወዝ እዮም ነይሮም።

ድሕሪ 1987 ዓ.ም
ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀዲቁ። ህዝቢ ሽኸት ብለይሕጋዊ መንገዲ ምስ ዓፋር ተመሓደር ተባሂሉ ኣብ መዋጥር ኣትዩ ላሃለወ ሓዱሽ ተስፋ ተፀበየ። እቲ ሓዱሽ ተስፋ ኣብ ሕገ መንግስቲ ልሰፈረ ጉዳይ ኣከላልላ፤ ዓርሰ ምምሕዳር ልብል ብለየሻሚ ግልፂ ተፃሒፋ ፀዲቑ ምምፅኡ እዩ።

ስለዚ ብዓፈና፣ ብሸፈጥ ልሸጠና ውድብ፤ ብመዝረ ሕማቓት ልጠለመና ኣመራርሓ ዓፋር ኸዚ ብደም ደቅናይ ኣሕዋትናይ ልፀደቐ ሕገ መንግስትና ተጠቒምና ርስትና ኾነ መንነትና ክነምልስ ኢና ብምባል ሃም ብሓዱሽ ተጠናኸረ። ህልክ ኣመራርሓ ዓፋር ምስ ህዝቢ ሽኸት ላተኻረረ መፂኡ።

ካብ 1983 - 1987 ዓ.ም
ስርዓተ ትምህርቲ ሽኸት ልክዕ ምስ ናይ ትግራይ ዕርያ እዩ ነይሩ። ኣብ 1987 ዓ.ም ዓፋር ብትግርኛ ከይተምህሩ ደው ኣብሉ ብምባል ብዕሊ ኣወጁ።
ትምህርቲ ብኣምሓርኛ ክኾን ተጀመረ፣ ተምሃሮ ደቂ ሽኸት ኣይንመሃርይ በሉ። ወለዲ ህዝቢ ሽኸት ልተቓለስናሉ ዋና ዕላማኮ ደቅና ብቋንቆኦም ክመሃሩ እዩ፣ ደርጊ ተስዒሩ ልበሉና ሓሽዮም እዮም፤ ሂወት ደቅና፤ ኣሕዋትና ብላሽ ፈሲሱ ብምባል ብጣዕሚ ይሕርኑ።

መስከረም 1987 ዓ.ም
መብዛሕቲኦም ተምሃሮ ሽኸት ወለዶም፣ ዓዶም ሓዲጎም ብቋንቆኦም ክመሃሩ ልእንደርታ ተበቲኖም (ልኣራጉረ፣ ምላዛት፣ ኩሓ፣ ልመቐለ) ደየብና።

ሕሰቡ ገዲም ተምሃሮ ወረዳ ሽኸት
- ኣብ ቁሸት ሂድሞ 100% ተጋሩ
- ኣብ ወጋየ/ወጋረ 100% ተጋሩ
- ኣብ ከተማ ሽኸት 98% ተጋሩ እዩ ነይሩ።

ምጥፋእ መንነት ህዝቢ ሽኸት መኣዝ ብሃመይ ሃም ልጀመረ ተመልከቱ። ተጋሩ ኾይኖም እሞ ኣብ ርስቶም፣ ዓዶም ብ2ይ ቋንቋ (ብኣምሓርኛ) ክመሃሩ ክፍረደሎም ተሎ?

እዚ ኹሉ ግፍዒ ላተሰረሐ ኣመራርሐ ህወሐት ሃም ለይረአዩ ሃም ለይሰምዑ ፀጥ ኢሎም፤ ህዝቢ ሽኸት ልተቃለሰሉ ዕላማ ላፈለጡ ፖለቲካዊ ረብሓ ኣቐዲሞም ሸይጠሙዎ።

ኣብ 1992 ዓ.ም ሽኸት ልበሃል ታሪካዊ፣ ጥንታዊ ስያመ እታ ከተማ (ወረዳ ሙሉእ) ኾነ ተባሂሉ ኣካል መቐፀልታ ምጥፋእ መንነት ብስያመ ገረብ ማይ ኣብዓላ ክልወጥ ብምግባር ኣብዓላ ወረዳ ገይሮምዎ። ህዝቢ ሽኸት ኹሉ ተረዲእዎ ግን ተስፋ ብለይምቁራፅ ሕቶኡ ላቐፀለ ኸይዱ።

ወፅዓ፣ በደል ዓፋር ላገደደ ይኸድ፤ ዓቕሊ ፀዋርነት እቲ ህዝቢ ላበዘሐ ምስ ኸደ፤ ገዲም መሊኽናዮ ኢና ላብ ልኸዶ የብሉይ ሃም ድላይና ንግበሮ ኢሎም ምትኑዃል ቐፂሎም። ኹሉ ትኹረቶም ኣብ መንነት ትግራዋይነት፤ ኣብ እምነት እቲ ህዝቢ እዮም ገይሮም።

ቐፂሎም ኣብ እምነት ብምትዃር ላብ ልተኸበረ፣ ልቀደሰ ጥንታዊ ምዕራፍ ፃድቃናት ገዳም መዝባዕ ውልቀ ሸፋቱ ብምልኣኽ እቲ ገዳም ብምቅፃል፣ ባህታውያን ኣበሳቢሶም ከባርርዎም ፅዒሮም።
ቐፂሉ ናይ ቤተክርስትያን (ምቻኣል ሽኸት) ዋንነት ሞስኖ ልምዓት ልነበረ (ግራ-ምቻኣል) ብሓይሊ ወሪሮም ወሲዶምዎ ላብ መን ትጠርዕ መን ሰማዒ ክሻዕ ኸዚ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ፍርቁ ለለ ብመቐለ ዩኒቨርሲቲ ማእኸል ምርምር ነይሩ።

ቐፂሎም ጌጋይ ይኽለአለይ ኣብ 1994 ዓ.ም ይመስለኒ መራሕቲ ክልል (እሊ ኢስማዒል) ላሃለዉ ልበዓል መስቀል ልተኣከበ ዳሜራ ኣብ ድሮኡ ብንዕቀት ክቃፀል ገይሮምዎ።

እንስሰኦም እክብ ኣቢሎም (ጊመል፣ ከፍቲ፣ ኣጣሊ) ላብ ሕርሻ (እኽሊ) ስድድ የብሉወን። ታይ ኢልኻ ትፀዊ ኣገል። በሊዐን ፀጊበን ብልሐደገኦ ወፂአን ካልልኸዳ ትፅበ ወይ ተፀዊኻለ ኻሊእ ጣጣ ትውስኽ። ኽልተ ቆልዑ ትግራዋይ ምስ ዓፋር ብኣጋጣሚ ተተባኢሶም ምፅራይ ልበሃል የለይ ልዙ ትግራዋይ ላቐጥቐጡ ይኣስሩዎ ምናዳ ዙ ዓፋር ጭሕጋር ተሃልዩዎ ብሽምግልና ጠሊ ወይ ገንዘብ ኸፊሉ ይወፅእ።

ስርዓት፣ ፍትሒ፣ ዳኝነት ልበሃል ልትግራዋይ ሕልሚ ኾይና።
ቆላሕ ኢልኻኒ፣ ንዒቕኻኒ፣ ተሰኪፍኻኒ፣ ተመላሊስኻኒ ላበሉ ይኣስሩኻ፣ ለየለ ፈጠራ ትኽሰስ ብሽምግልና ብገንዘብ ኢኻ ትወፅእ። ተለይኾይኑ ተዘቢጥኻ ኣብኡ ትብስብስ። ኣብ ጥቓ ግራትኻ ናዓፋር ጊመል ዋላ ላሓለፈ ተዓንቂፉ ተደምዩ፣ በዓል ግራት ናሙሉእ ዋጋ ጊመል ኽፈል ትበሃል።

ብሓፂሩ ኹሉ ስርሖም ፀረ ተጋሩ (ሰብ ዓዲ)፤ ሰብ መርገፂ ጠንካራታት ላፈለዩ ብዙሕ ዓይነት ጥቅዓት የብፅሑ ነይሮም ምናዳ ወየንቲ (ምልሻ)፤ ተጋደልቲ ህወሓት ልነበሩ ብፉሉይ ክትትል ክጥቅዑ ይገብሩ ነይሮም። ዓዲ ሃም ልፀልእሞ ኣንፀርፂሩ ክወፅእ ወይ ተስፋ ቆሪፁ ኣብ ባርነት ክነብር ብምግባር ክትገልፆም ኸበድቲ ብዙሕ ገበን ተፈፂሙዎ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ላፈራርሑ ብሓይሊ ክዕምፁ፤ብግዲ ሓዳር ክገብራ #ከስልማ ልተገበራ ኣሕዋትና መሊአን እየን።

ሽኸት ለሎ ትግራዋይ ል30 ዓመት ብላዕልይ ብታሕትይ (ብህወሓትይ ሰበ ስልጣን ዓፋርይ) ተጨፍሊቑ፤ ርእሱ ኣድኒኑ፤ ኣብ ባርነት ክነብር ኸይዱ ኸይዱ ተበቲኑ መንነቱ ክጠፍእ ብምግባር ኣብ መረብኡ ታሪክ ይቕረ ለይብሎ ኸበድቲ ግፍዒታት ተፈፂሞምዎ እዮም።

ኣብ ሕድሕድ ብሓፂሩ ልተገለፀ ልተፈፀመ ተግባራት ኹሉ በደልቲ ተበደልቲ ኹሎም ብስም፣ ብዓሌት ልፍለጡ እዮም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሽኸት ልበፀሐ ግፍዒ ግን ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ብዙሕ ለይተገለፀ ግፍዕታት ምህላዉ ሓዙለይ።

ምስ ድሕንነት ሰባት ስነ ልቦና (ሞራል) ልትንክፉ፣ ሚስጢር ብምዃኖም ክገልፆም ለይደለኹ ብዙሓት እኒሀዉ እዮም።

ብዙ ኽፍኣቶም፤ ክሕደቶም፤ ጭካነኦም ልክዕ ለለ ውሑዳት ምስቲ ህዝቢ ዝዓበዩ ለባማት፤ ለዋሃት ህንደአፍ ትግራዋይ ልሓልፉ ምህላዎም ክርሳዕ የብሉይ፤ ምናዳ እቲ ኑፁህ ህዝቢ ዓፋር!

ህዝቢ ሽኸት ወገኑ ህዝቢ ዓፋር ነፃ ክወፅእ ጥራሕ ለይኾነስ ብቋንቁኡ ክመሃል፤ ክዳነ፤ ልሐሸ መነባብሮ ክጅምር፤ ክዓቢ፤ ባዕሉ ብባዕሉ ክመሓደር ብምግባር ብዙሕ ሕልፊ መስዋእቲ ልኸፈለ፤ ኣብ ሕማቕ ኹነታት ወገን ኾይኑ #ሓቋፊ ብምዃኑ ተነኣሰ ዕርያ ክኽበር ምተገበኦ ነይሩ።

ትጠቓለል ተሎ ትግራዋይ ህንዲ ዋጋ_ልኸፈለ ኣብ ታሪክ ገጢምዎ ለይፈልጥ ውርደት፣ ሕስረት፣ መከራይ ባርነትይ በፂሑዎ እዩ።

3ይ ኽፋል ይቅፅል

#ገረብ_አብዓላ

Read More