INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሽኸት 1ይ ክፍል: ግዝኣታዊ ታሪኽ ሽኸት (ኣብዓላ)

ሽኸት ልምንታይ ምስ ዓፋር ክመሓደር ተገይሩ ልብሉን ኻልኦትን ብዝርዝር ብዛዕባ ሽኸትን ከባቢኡን። ሽኸት ምድሪ ዓሰብዓ (ዓዲ-70) መሬት እንደርታ ትግራይ:

ጥንታዊ ታሪኩ ምስ ዓ-ሰብዓ (ዓዲ ሰብዓ)፣ መዝባዕ ገዳም ተተሓሒዙ ለሎ ዋና ታሪክ ሓዲግና ካብ 1987 ዓ.ም ጀሚሩ ክሻዕ ኸዚ ለሎ ጥራሕ ግልፂ ልምግባር።

√ ሽኸት ማለት ናይ ሓንቲ ከተማ ስም ጥራሕ ለይኾነስ ኣብ ዙርያኣ ለለዋ ቁሸታትለ ልሓውስ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
√ ሽኸት ካብ ከተማ ኩሓ ልምብራቕ ገፅ ከባቢ 32 ኪሜ ተጓዒዝኻ ትግነ ቆላማ (ዓማቕ) ሰጥ ልበለት ሜዳ ዓዲ 'ያ።
√ ሽኸት ካብ ጥንቲ ክሻዕ 1984 ዓ.ም ምምሕዳራ ኣብ ትግራይ (እንደርታ) ብምንባራ ብዙሕ ትግራዋይ ክሻዕ ኸዚ ምስ ትግራይ እያ ትመስሎ። ምናልባት ልዓፋር ብሄረሰብ ልቐረበት ከተማ ብምዃና ተለይኾይኑ ካብ ኻልኦት ኣብ ትግራይ ለለዋ ከተማታት ልፈልያ ነገር የለይ። ማለት ቋንቋኡ፣ እምነቱ፣ ባህሉ፣ ታሪኩ፣ ብሄሩ ፁሩይ ትግራዋይ እዩ። ከተማ ሽኸት #ቕርፂ ከተማ ልሓዘት ግን #ብራእሲ_ልኡል_መንገሻ ስዩም 1954 ዓ.ም እዩ።

ሽኸት (ወረዳ ሽኸት) ኣቀማምጠአ:

1) ብምብራቕ ከባቢ 15 ኪሜ መዝባዕ ገዳም፣ 60 ኪሜ ኢረብቲ ወረዳ፣
2) ደቡብ ምብራቕ 21ኪሜ ከባቢ ጊዮርጊስ ዓሰብዓ ፣
3) ብደቡብ 23 ኪሜ ወጋየ፣ ማይዳ ካላ፣ መጋለ ወረዳ፣
4) ብሰሜን 22 ኪሜ ገረብ ወሰማ ገብርኤል፣ ጉበ፣ ምቕማጥ ጓል ንጉስ፣ በራሕለ ወረዳ፣
5) ብምዕራብ ዐ #ሳሜ ሚቻኣል ሽኸት፣ ድድባ፣ ወጀራት፣ ደርገዓጀን፣ ከረን ወሊት፣ ገለዳ፣ ገረብ ማይ ኣብዓላ፤ ገረብ ማይ ሹጓላ፤ ገረብ ሙርጓ፣ ሂድሞ ትዋሰን።

√ ሽኸት ክሻዕ 1987 ዓ.ም ዳርጋ 97% ትግራዋይ ጥራሕ ነይሩ። 3% ጉበ፣ ዓሳንጎላ ምስ ሂድሞ (ደርገዓጀን)፤ ዓዲ ሓረመሊ ምስ ድድባ፤ ጋላ ዒሶ ምስ ወጋየ (ወጀራት) ልዋሰኑ ዓሌት ዓፋር ዊዳር፣ ኣጀዐራ ሒዞም ልዕዳጋ ልመፁ ነይሮም። ደርጋሞ (ተርጓሞ) ልበሃሉ ሙስሊም ተጋሩ፤ ብተወሳኺ ዋላ ዓሌት #ቀኛዝማች_ዓብደላ (ፍርቂ ገፆም ተጋሩ) እዮም ነይሮም።

√ ህዝቢ ቐላቕል (ወጀራት፣ ደርገዓጀን፣ ድድባ)፣ ሽኸት ምስ ህዝቢ ዓሌት ዓፋር ድሕሪ 1934 ዓ.ም ዋዕላ 1ይ ወያነ ገረብ ደልገና (ዓዲ ወዶ) ዓመፅ፣ ወራር ጋዝ፣ ምጥቕቃዕ ተሪፊ ሓልዮትይ ፍቕርይ እዩ ተፈጢሩ ነይሩ።

√ ሽኸት ብስርዓት ደርጊ ሓራ (ለይግብር) ምስ ምንባሩ ተተሓሒዙ መንእሰይ፣ ዓበይቲ፣ ኣንሽቲ ብሙሉኡ ካብ 1968-69 ዓ.ም ልወየነ ህዝቢ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ሽኸት መዕረፊ፣ መዐንገሊ፣ መሕብኢ ገድሊ (ተሓሕት) እዩ ነይሩ። እሊ ሓየሎም_ኣርአያ፣ ስዩም_መስፍን ደሓር ልመፀ ለለ ጎበዛይ_ወልደኣረጋይ (ክፍሊ ህዝቢ) ሓዊሱ ዳርጋ ማእኸል ኻልአይቲ ደደቢት ኾይና ኣገልጊላ። መዋፈሪታቶም ኣብ መጋለ፣ ህንፀት (ኸዚ ኢረብቲ)፣ በራሕለ ላሃለዋ ተኾነለ ማእኸለን ሽኸት ነይራ። ብሓፂሩ ህዝቢ ሽኸት ዕላማ እቲ ቃልሲ ተረዲኡ ብተግባር ኣብ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመት ህዝቢ ትግራይ ለይኸፈሎ ዓይነት ዋጋ የለይ ምባል ይከኣል።

√ ድሕሪ ሙሉእ ሰላም (1983 ዓ.ም) ህዝቢ ሽኸት ዕላማ ፍረ ቃልሱ ከስተማቅር ይህንጠ ነይሩ። ብቋንቁኡ ክመሃር ክዳነ፤ ታሪኩ፣ ባህሉ፣ እምነቱ ከዕቢ እዩ ኹቡር ዋጋ ኸፊሉ።

√ 1984 ዓ.ም ዓፋር ናባዕሎም ክልልያ ክፈጥሩ ኢሎም ላተብሃለ ፎቆዶ ዳመስተ ይውጋዕ ነይሩ ይብሉና ወለድና።

ክተሓዝ ለለዎ ነገር ምስ ገድሊ ልተቓለሱ ደቂ ዓፋር ኹሎም ብትግራይ ልዋሰኑ እዮም ነይሮም። ልኣብነት ልምጥቓስ ካብ ከባቢ በራሕለ፣ ኩነባ ልነበሩ እሊ ሁሴን_እንድሪስ፤ እስማኤል_ዓሊ_ሴሮ፤ ካብ ከባቢ ጋላ ዒሶ ሓጂ_ስዩም፤ መሓመድ_ኣምበጣ፤ ዓሳንጎላ ጣሂር_ኢንሃባ፤ ካብ መጋለ እሊ ሞሚን፤ ዓሊ_ዓብደላ ወዘተ እዮም ነይሮም። እዚኦም ተጋደልቲ ዳርጋ ልሙሉእ ዓፋር ልዉኩሉ ብምንባሮም እቲ ክልል ልምሓዝ ብመራርሓ ህወሓት ፉሉይ ክንክን፤ ጥበራ ይግበረሎም ምንባሩ ምግንዛብ የድሊ። ዳርጋ ኹሎም ናይ ክልል ገባሮ ሓዳጎ እዮም ነይሮም። ስለዚ ልፖለቲካ ከስቢ ክበሃል እሶም ልደለይዎ ይግበረሎም ነይሩ። ኣብቲ ግዜ መነባብሮ ዓፋር ዘላን ብምንባሩ (ተንቀሳቃሲ) ገና ካብ #ቶሉሽ ለይተላቐቁ እዮም ነይሮም።

ደሓር ዳርጋ ኹሎም ካቢኔ ዓፋር ቤተሰቦም ካብ በረኻ፣ ካብ ቶሉሽ ኣውፂኦም ገዛ ላተካረዩ ላብ ከተማ ሽኸት ከምፅኡ ጀሚሮም። ኣብቱ ግዜ ልዓፋር መዋሰኒት ልቐረበት ልሐሸት ከተማ ሽኸት እያ ነይራ። ቤት ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ መንገዲ፣ ማይ፣ ፁቡቕ ገዛዉቲ ነይሩዋ። ደሓር ልግዚኡ ብልብል ማእኸል #ወረዳ፤ ፀኒሖም ቀስ ብቀስ #ዞባ ገይሮምዋ።

ሽኸት ልምንታይ ምስ ዓፋር ክትመሓደር ተገይሩ? ተተባሂሉ ክፍለጥ ልግበኦ ሓቂ

1) ካብ 1984 - 1987 ዓ.ም ብግዝያዊነት ተባሂሉ ካቢኔ ዓፋር መዋስንቲ ወረዳ እንደርታ ቤተሰቦም (ቆልዓ ሰበይቲ) ላብ ከተማ ሽኸት ክኣትው ተገይሩ። ኣብ ወሰናወሰን ልነበራ ተሉሻት ካብ ግዝያዊነት ላብ ቋሚነት ክልዉጡወን ተገይሩ።
2) ዞም ሰበስልጣን ዓፋር ምስ ተጋደልቲ መራሕቲ ልነበሮም ስጡም ርክብ ተጠቒሞም ሽኸት ምስ ዓፋር ክትካለል ክግበር ብዙሕ ፃዕሪ ገይሮም።
3) ታሪካዊ ጠባሪ ባህሪ ገድሊ (ህወሓት) ልጥቕሚ ክብሉ፤ ሰበስልጣን ዓፋር ልምሕጓስ፤ ከይኹርዩ መጠበሪ ክበሃል ክሕደት ክፍፀም ኣፍደገ ከፊቶም። ልዞም ዓፋር ክፅዕሩ፣ ሰበስልጣን ክልምኑ ወኪላት ዓበይቲ ዓፋር ተመረፁ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ሽኸት ብኣቀማምጣኣ ልዓፋር ቀረባ እያ፤ ኻሊእ መማረፂ ከተማለ የለይ፤ ዓፋር ኣብ በረኻ፣ ገዘኦም ሙሉእ ቶልሽ እዩ ነይሩ። ብካድረታት ህወሓት ላተሓገዙ ልመና ኣጠናኸሩ።

ወለድና ሃም ልብሉና ወኪላት ዓፋር (3) ካብ መቐለ ክሻብ ኣዲስ ኣበባ ጥርዓን ለመና ተመላሊሶም እዮም። ለመነኦም ብኽልተ መንገዲ (መማረፂ) እዩ ነይሩ:-

ሀ) ህዝብና ዘላን እዩ ዝናብ ላብ ልረአዮ፤ ማይ ላብ ለለዎ በቢ ሰሙን ላተቐያየረ (ላተንቀሳቀሰ) እዩ መነባብርኡ፣ ቋሚ ንብረት፣ ገዛዉቲ ልበሃል ኣይንፈልጥይ። ህዝቢ ትግራይ ሓውና፣ ሓጋዚና፣ መቓልስትና እዩ ስለዚ ብናማን ትሕግዙና ተኾይንኹም ሽኸት ከተማና ክንገብር ትወሃበና ይብሉ።
ለ) ብኻሊእ ሽኸትኮ ቦታና፣ መሬትና እዩ ነይሩ ስለዚ ምስ ዓፋር ትካለል ብምባል መደናገሪ ናይ ፈጠራ ታሪክ ይነዝሑ ነይሮም።

በዙይ መሰረት ካብ ዘን ኽልተ ሓሳባት ተላዒሎም ለባማት ካድረ ህወሓት ሃም ልስዕብ የማኽሩዎም፦

1) ቦታና እዩ፣ ናይና እዩ ልብል ካብ ሓቂ ልረሓቐ፤ ለይመስል ልተጋነነ ስለልኾነ ኣይትጠቐሙ። ምኽንያቱ ናይና እትብሉዎ ቋሚ ምልክት መርትዖ፤ ዋላ ታሪክ ኣብ ለይብሉ ምስ ህዝቢ መፃልኢ ነገር ኣየድልይ፤ ብተወሳኺ ሽኸት ሓሊፍኻ ለሎ ቦታ ትግራይ ምስ ቀወምቲ ጥንታዊ ታሪካዊ ምልክታቱ (ሽኻል) ላበይ ክሕባእ (ገዳም መዝባዕ፣ ዖና ቤተመንግስቲ ዓሰብዓ፤ ዖና ጥንታዊ ቤተክርስትያን ጊዮርጊስ) ላበይ ክትገብሩዎ ? ወይስ ዘላናት የኾናይ ቶልሽ ናኸዚ እዩ፤ ዞም ኣደራሻት ዖናታት ሀዳሙ ናዓፋር እዮም ወይ ገዳም መዝባዕ ናይና እዩ ኸዚ ኢና ኣስሊምና ኢኹም ክትብሉ? ምስ ተብሃሉ ደንጊፆም ልሐሸ ምኽሪ ሃቡና ኢሎም ይመኽሩ።

2) ብሕገ መንግስቲ ንኽድ ተተብሃለ ኣብ ሽኸት ለሎ ህዝቢ ምስ ጥንታዊ ርስቱ 97% ትግራይ እዩ። ብኣቀማምጣ (ኣሰፋፍራ)፤ ስነ ልቦና፤ ቋንቋ፤ እምነት፤ ባህሊ፤ ታሪክ ብሄር ለጋኒ የብሉይ ስለዚ መእተዊ ክፍተት ስለለይብሉ ኣየዋፅአኩምይ ተባሂሎም ተመኸሩ። ልመረፁዎ ሕቡሕቡኢተይ (ሃም ልስዕብ ነይሩ)፤ ልሐሸ ልበሉዎ ምኽሪ።፦

ሀ) ቑፅሪ ሓደ ምስ ህዝቢ ሽኸት ተሰማምዑ ደጉዓ (ቐላቕል) ትግራይ ከይተስምዑ (ደርገዓጀን፣ ወጀራት፣ ድድባ) ማለት እዩ። ምኽንያቱ ዙቦታ ናነባሪ ህዝቢ ሽኸት ጥራሕ ለይኾነስ ናህዝቢ ትግራይ (እንደርታ) እዩ። ኣብ ጉዳይ መሬት ሽኸት ህዝቢ ሽኸት በይሩ ኣይውስንይ፤ ልበይኑ ልምልከት ስለለይኾነ ብፍፁም ከይሰምዑ ግበሩ ተብሃለ፣

ለ) ተሰማዕቲ፣ ተወለድቲ፣ ዋናታት ሰብ ርስቲ ምስ ፈለዩ ልበይኖም ዳርጋ ልዕሊ 6 ወርሒ ልወሰደ ስብከት መእመኒ ሓሳባት ተንሸራሸረ።
1) ናይ ደጃት ዳደ ገ/መድህን ቤተሰብ ( ምስ መዋስብቲ) ልሓዙዎም፣
2) በቲ ግዜ ተሰማዕቲ፣ ሓያላት ተፈራሕቲ ሃፋትም ልነበሩ እሊ ተኽለ ጣሰው፣ ሃይሉ መድሂን (ደርገዓጀን)
3) ድድባ ካብ ቤተሰብ ዓዲ ጋዳ ልበሃሉ ልተወሰኑ
4) ዓሌት ቀኛዝማች ዓብደላ ደርጋሞ ልበሃሉ ቁሸት (ዓበይቲ ተመሪፆም) ክተሓዙ ተገበረ።

ብኻሊእ ገፅ ኣብ ገባር ግልፅነት ከይህሉ ብዙሕ ምድንጋራት ክፍጠር ተገበረ። ሽኸት ምስ ዓፋር ክትመሓደር እያ ልብል ወግዒ ኣፍጢጡ መፂኡ። ምምሕዳርኹም ምስ ዓፋር ዶ ይሐሸኩም ምስ ትግራይ ? ልብሉ መብርሂ፣ ግልፅነት ለይነበሮም ካብ መንግስቲ ይቐርቡ ነይሮም።
ብኻሊእ ወገን ወረዳኹም ላብ ኩሓ ዶ ይሐሸኩም ኣብ ሽኸት ልብልለ ነይሩ (ህዝቢ ርሕቐት እዩ ለሕስቦ ነይሩ)።
ብኻሊእ ለለ ልኩሓ ተይልኹም ርስትኹም፣ መሬትኹም ከይትምንጠሉ ይበሃሉ ነይሮም። ዓፋር ይኹኑ መራሕቲ ህወሓት ኣቐዲሞም ኑቑሓት ዓበይቲ፤ ተሰማዕቲ ሒዞም እዮም ነይሮም።

ድሕሪ እዙይ ሕገ_መንግስቲ 1987 ዓ.ም ተኸታቲሉ ምስ ፀደቐ ጉዳይ ሽኸት ምስ ከባቢኣ ዓብይ ጉዳይ ኾይኑ ነበረ።

NB:- ሽኸት ምስ ዓፋር ክትመሓደር ኣለዋ ተባሂሉ ልተወሰነላ ብ1984 ዓ.ም ምንባሩ ክፍለጥ እኒሀዎ። ማለት ቅድሚ ምፅዳቕ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጽያ 1987 ዓ.ም።

ታሪክ ለይርሰዖ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሽኸት ልተፈፀመ ክሕደት ህወሓት፤ ብዉሑዳት ኣመራርሓ ዓፋር ልተፈፀመ ግፍዒለ ካብዚ እዩ ኣሀዱ ኢሉ ይልጅምር።

ብመራሕቲ_ህወሓት ልተፈፀመ

1) ተጋዳላይ መሰረት ልበሃል እዩ ካብ መቐለ ላተመላለሰ ልይምሰል ህዝቢ ክመርፅ ይገብር ነይሩ። መብርሂ ለይብሉ ብደረቑ ምስ ዓፋርዶ ምስ ትግራይ ትመሓደሩ ይብል ነይሩ።

ሀ) ምምሕዳር ምስ ዓፋር ምዃን ማለት ክልልኹም ካብ መቐለ ላብ ኣሳይታ እዩ ልኾን የተብሃለይ፣ መሬትኻ ርስትኻ ናዓፋር እዩ፤ መንነትኻ ቋንቋኻ ክጠፍእ፤ እምነትኻ ክድፈር፤ ስም ሽኸት ክልወጥ፤ መሰልኻ ክገሃስ እዩ የተብሃለይ።
ለ) እቲ መረፃ ናይ ሪፈረንደም ትሕዝቶ የነበሮይ (ኹሉ ህዝቢ የተሳተፈይ) ልዕሊ 10 ሽሕ ህዝቢ ብ70 ስለለይውከል፣
ሐ) ዋላ ካብቶም ልነበሩ 70 ተሳተፍቲ ሰብ ዳርጋ ፍርቂ ልኾኑ ልዓፋር ኣይንደልይ ልትግራይ ኢና ኢሎም እዮም።
መ) ክርክር ወይ ሕቶ ምምሕዳር ኣብ ለይተልዓለሉዶ ምረፅ ይበሃል እዩ?
ሰ) እቲ ምምሕዳር ላብ ዓፋር ክኾን ልበሃል ልነበረ መሬት ጥንታዊ ርስቲ ትግራይ እዩ ነይሩ እቶም መዋስንቲ ቐላቕል ዓዲታት (ወጀራት ኣብ ጉዳይ ካላ፣ ወጋየ) ጀርገዓጀን ኣብ ጉዳይ መዝባዕ ገዳም፤ ዋዒሉ ወዘተ ድድባ ብተመሳሳሊ ኣብ መሬቱ ክውስን የተገበረይ፣
ሸ) ዋላ ሕጋዊ ኣይንበር ዉሑዳት ልደናገሩ ዝብኢ_ዓፋር ልበለዐ ይብለዐና ልበሉ ነይሮም እዮም። ተጋዳላይ መሰረት መፅወይት ዓባይ ምኽንያት ኣግንዩ በቃ ወሲኖም እዮም ኢሉ ልመቐለ ምስ ኸደ ህዝቢ ሽኸት ተኸቲሉ ሰላማዊ ተቃውሞ ጀሚሩ፤ ብትኩሱ 10 ሰብ ተወከልቱ መሪፁ ምስ ዓፋር ኣይንሓደርይ፤ ውሳነ 70 ሰብ ህዝቢ ሽኸት ኣይውክልይ ኢሉ ብዝርዝር ፅሒፉ ጥርዓን ኣቕሪቡ ልሰመዖ ኣካል የነበረይ።

2) ኣብ 1984 ዓ.ም 3% ልኾኑ ዓፋር ዋላ #ደርጋሞ፣ ዓዲ ቀኛዝማች ዓብደላ (ሒዳሮ) ሓዊሱ ስነ ልቦነኦም፤ ባህሎም ቋንቆኦም ተጋሩ እዮም። ምስ ዓፋርለ ተዋሊዶም እዮም (ቋንቋ ዓፋር ይኽእሉ እዮም)። ስለዚ ላብ መረፃ ምስ ትግራይዶ ምስ ዓፋር ምምሕዳር ይሐሸካ ተባሂሉ ክሕተት ነይሩዎ። ዋላ ምስ ስሕተቱ ልቱ 97% ትግራዋይ ምስ 3% ዓፋር እየ በሃሊ እዩ ክኾን ነይሩዎ።

3) ብደጉዓ (ቐላቅል) ትግራይ ብቢ ግዚኡ ተደጋገምቲ ፍትሓዊ፣ ሰላማዊ ሕቶታት ክለዓሉ ስሰ ጀመሩ ህወሓት ግልፂ ዓፈና ጀሚራ። ሕቶ ለልዕሉ ዓበይቲ፤ ሙሁራት እንደርታ፣ ወጀራት ምእሳር፤ ጀጋኑ ወየንቲ ብረት ምምንጣል ጀሚራ።

4) ዓፋር ምስ መዋሰንቲ (ወጀራት፣ ጀርገዓጀን፣ ድድባ) ልነበሮ መስተጋብር፤ ምክብባር ክድፈር፣ ክነዓቕ ገይራቶ፤ ወሰኑ ክድፋእ፤ ሕዛእቱ ክሰዓር፤ ገዳሙ ክቃፀል (ክጠፍእ)፤ ብግፍዒ ክእሰር ክቕተል ተገይሩ እዩ አረ ብዙሕ ክዝርዘር ይከኣል።

2ይ ክፋል ክቕፅል እዩ.....

ብመራሕቲ_ዓፋር (ህዝቢ ዓፋር ለይዉኩሉን::"

ብ (Senay KaHsay)

Read More