INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ጄኖሳይድ ኣብዓላ (ሽኸት) (Shiket Massacre)

ልዕሊ 250 ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ወረዳ ኣብዓላ ብሰራዊት ፋሽሽታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱ ሰራዊት ሻዕብያን ብግፍዒ ተቐቲሎም፡፡ ልዕሊ 600 ወገናት ድማ ናብ ወረዳ እንደርታ ተመዛቢሎም ምህላዎም ተረጋጊፁ፡፡

ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣብዓላ ብወታደራት ፋሺስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ይሳቐዩ፣ ይቕተሉ፣ ይመዛበሉን ከምዘለዉ ግዳይ እቲ ጥቕዓት ዝኾኑ ናብ ወረዳ እንደርታ ዝተመዛበሉ ወገናት ሓቢሮም፡፡

ሓንቲ ነባሪት ክልል ዓፋር ወረዳ ኣብዓላ ዝነበራን ሐዚ ድማ ካብቲ ዝነብራሉ ከባቢ ብፋሽሽታውያን ሓይልታት ከምዝተማዛበላ ዝሓበራ ኣዶ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ተጋሩ ቕትለትን ስርቅን ይፍፀም ከምዘሎ ገሊፀን፡፡

ነዚ ስዒቡ መላእ ስድርአንን ንብረተንን ንድሕሪት ገዲፈን ህይወተን ከውፅኣ ናብ ወረዳ እንደርታ ተመዛቢለን ከምዝርከባን ሐዚ ስድርአን ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ዝፈልጥኦ ነገር ከምዘየለ እየን ሓቢረን፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ደቂ ትግራይ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይፍፀም ከምዘሎን ንስድርኦም ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ደቂ ትግራይ ኣብታ ወረዳ ከምዘለዉን ካብ ወረዳ ኣብዓላ ብግፍዒ ዝተመዛበሉ ካልኦት ተወለድቲ ትግራይ ገሊፆም፡፡

ኣመሓዳሪ ወረዳ እንደርታ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ ዛጊድ ልዕሊ 600 ተወልድቲ ትግራይ ነበርቲ ወረዳ ኣብዓላ ናብ ወረዳ እንደርታ ከምዝተመዛበሉን ልዕሊ 250 ወገናት ድማ ብግፍዒ ከምዝተቐተሉን ሓቢሮም፡፡

ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣብዓላ ልዕሊ 37 ሽሕ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝነብሩ ዝግመት ኮይኑ ነቲ ዘጋጠመ ፀገም መፍትሒ ንምንዳይ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ይዝተ ከምዘሎ ድማ ኣይተ ፀጋይ ሓቢሮም፡፡

ብራሄል ኣረጋዊ (facebook 27 dec 2021)

Read More