INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ መንጎ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ፈላላይ የለን ‼

ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ሓደ እዮም። ሻዕብያን ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ እዮም ዝብል ዝምቡዕ ኣበሃህላ ግዘኡ ዝሓለፎ መዘንግዕ ምዃኑን ክስመረሉ ይግባእ። ወታደራት ሻዕብያ ዝዘረፉዎም ካብ ስባር ፍንጃል ክሳብ መኪና ዘለዉ ንብረት ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ምንም ስኽፍታ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣደባባይ ክጥቀመሎም ንዕዘብ ኣለና። መሳርሒ ሕክምናታት ትግራይ ሆስፒታላት ኤርትራ መሊኦም ኣብ ጣብያታት ጥዕና ኤርትራ ኣጨናኒቖም ንዕዘብ ኣለና።

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሻዕብያን ኣብመንጎ ህዝቢ ኤርትራን ሓድነት 'ምበር ፈላላይ ኣይረኣኹን። ሰራዊት ኤርትራ ኣብትግራይ ዝፈፀሞ ምፅናት ዘርኢ ዘውገዘ ህዝቢ ኤርትራ የለን። ንዚ ግፍዒ ዘውገዙ ውሑዳት ኤርትራውያን ዲያስፖራ እንተሃልዮም ኣብ ኢሳያስ ዘለዎም ፅልኣት ንምግላፅ 'ምበር ንሰራዊት ኤርትራ ንምኹናን ካብዘለዎም ድሌት ኣይኮነን።

ጥልያን ኣብልዕሊ ኤርትራውያን ኣዴታት ዝፈፀሞ ዘይንቡር ግፍዒ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከም ንቡር ተቖፂሩ ድዩ ኣይኮነን ብዘየገድስ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥልያን ብኣካል ዘይነበሩ ናይ ሐዚ ወታደራት ኤርትራ ንዚ ግብረ እከይ ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ፥ ኣሓትን ህፃናትን ትግራዎት ፈፂሞምዎ እዮም።

ወታደራት ኤርትራ ካብ ህዝቦም ዝፀነሖም ግፍዒ እዮም ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈፂሞምዎ ንምባል ጌጋ ዘይኮነ ገበን እዮም ኣብልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፈፂሞም። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ዝቐተሎም ብርክት ዝበሉ ኣስከሬናት ሲቪላት ተጋሩ ካብ 5 ዓመት ህፃን ጀሚሩ ንልዕሊ 65 ዝዕድሚኧን ፈለስትን ልዕሊ 76 ዓመት እኖታትን ሓዊሱ ብውሑዱ ንልዕሊ 750 ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብንቡር ጥራሕ ዘይኮነስ ብዘይንቡር 'ውን ደፊረሙወን ፥ ብመቀመጫኧን ኮፍ ክብላ ከምዘይኽእላን ፥ ንFistulaን ንHIV/AIDSን ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ፆታዊ ርክብ ዳሪገሙወንን ኣቃሊዐሙወንን እዮም። እዚ ኣብ ስነኣእሙሮኣውን ማሕበራውን ፀቕጢ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሖ በሰላ ክንደየናይ ከቢድ ምዃኑ ጥዕና ንዘለዎ ወድሰብ ግልፂ እዩ። እዘን ትግራዎት እዚ ሕማም ብዘለዎም ወታደራት ኤርትራ ዝተጠቐዓ ስለዝኾና ንሰብኡተን ክንደየናይ ይጥንቀቓ ዝብል ሕቶ 'ውን ኣብ ግምት ብምእታው ማሕበራውን ቁጠባውን ሳዕቤኑ ከቢድ ይገብሮ።

ግፍዒ ሰራዊት ኤርትራ ብዚ ዘብቅዐ ዘይኮነስ ድሕሪ ዘይንቡር ግፍዖም እዘን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ሽዑ ንሽዑ ወይ ከዓ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ዝውሰድ መከላኸሊ ሕማማትን ሳዕቤናትን [Post Exposure Prophylaxis] ከይረኽባ 'ውን ንልዕሊ ሰሙን ኣብ ገዛ ዓፅዮምወን እዮም። ዘይንቡር ግፍዓዊ ፍፃመ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክጋገር ዝተዳለወ ብሒቑ ካብ ምፍታን ክሳብ እኽልን ሓመድን ምሕዋስ ፥ ካብ ሰብ ምስ ህይወቱ ብሓዊ ምቅፃል ክሳብ ኣብያተ ክርስትያናት ምብራዕ ፥ ካብ ገርሁ ብእኽሊ ከይሽፈኑ ማሕረስ ምኽልካል ክሳብ ፀሎት ምኽልካልን ካብዚ ንላዕሊ ብዝግለፅ ዘይንቡር ግፍዒታትን ዝፈፀመ ኣረመኔኣዊ ሰራዊት እዩ። እዚ ዘርእየና ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወፀ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ንቡር እምነት ፥ ክብርን ባህልን ትግራዎት ወፃእ ናብ ኣራዊትነት ከምዝተቐየረ እዩ። ንዚ ኣረመኔኣዊ ስርሑ ከዓ ውሑዳት ብዘይባሃሉ ኤርትራውያን ተደጊፉ ፥ ተደሪፉሉን ተመስጊኑሉን እዩ። እቲ ሐዚ ብ360° ዓፂኻ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ምግባውን መድሓኒታውን ሓገዛት ብምዕፃው ንህዝቢ ትግራይ ምንብርካኽ ይከኣል እዩ ዝብል ሰይጣናዊ ተግባር 'ውን ናይ 1977 ዓ/ግ ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮ ሰራዊት ሻዕብያ ዝተወሰደ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ሰራዊት ኣብዪ ኣሕመድ 'ውን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይመስል። ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅድሚ ውልቃዊ ንብረት ኣብዪ ኣሕመድን ሓሽከር ሻዕብያን ምዃኑ ሰራዊት ፌዴሪኢ ኮይኑ ተሃኒፁ ምንባሩ ይፍለጥ። ሰራዊት ፌዴሪኢ [ቅድሚ ሰራዊት ኣብዪ ኣሕመድ ምዃኑ] ብወታደራዊ ጠቢባን ተጋሩ ተሃኒፁ ስለዝነበረ ብጅግንነት ፥ ብተልእኾን ብስነምግባራዊ ስብእንኡን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም ንምኽባር ኣብዝተዋፈረሉ ኩለን ናይ ወፃኢ ሃገራት 'ውን ዝተመስገነን ዝተመስከረሉን ሰራዊት ኔሩ። ሐዚ ግና እታ ክዳንን ስረን ትግራዎት ካብ ዝባኑ ስለዝተቐንጠጠት እቲ ወታደር ንኩለመዳያዊ ቡቱት ስብእና ህዝቢ ኢትዮጵያ መሲሉ ፤ መዓሉ ምስ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ምስኮነ ከዓ ኣብልዕሊ ኢትዮጵያዊ ዜጋኡ ህዝቢ ትግራይ ኣረሜናዊ ባህሪያትን ተግባራትን ሰራዊት ኤርትራ ደጊሙ። ሰራዊት ኢፌዴሪ እናሃለወ ንሰላም ኤክስፖርት ብምግባር ሰላም ንዝሰኣኑ ዜጋታት ሰላም ዝህብን ሰላም ዝሰርሕን ዝነበረ ወታደር ኢትዮጵያ ሐዚ ግና ኣብ ገበን ምፅናት ዘርኢ ገዛእ ዜጋታቱ ዝኾኑ ትግራዎት ይነጥፍ ኣሎ። ኣምባሳደር ሰላምነቱ ምቕንጣጡ ከየብቀዐ ብዝበኣሰ ሕስረት ኣብዪ ኣሕመድ ንሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ሶማልያን ናብ ትግራይ ብምፅዋዕ ህውከትን ዕግርግርን ኢምፖርት ገበረ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ልክዕ ከም ሰራዊት ኤርትራ ንምፅናት ዘርኢ ሓዊሱ ንፆታዊ ጥቕዓትን ጥምየትን ከም ቀንዲ መሳርሒ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ተጠቒሙ።

ብሓፈሻ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝመስል ካህናትን ወታደራትን ድብፀር ዘራያቆብ [ሽዋዊ] ፥ ወታደራት ምንሊኽ ፥ ሃይለስላሰን ደርግን ቀዳሞት መሰኻኽር እዮም። እቶም ናይ ሐዚ ካህናትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኢትዮጵያ ከዓ ካብቶም ቀዳሞት ዝገደዱን "ካብ ትግራዋይ ክመርሐና ሰይጣን ክመርሐና ንመርፅ" ብምባል ንኣምልኾ ፈጣሪ ናብ ሕርያን ድርድርን [ንፅፅር ፈጣሪ ምስ ሰይጣን] ዘእተዉ ካህናት እዮም ጳጳሳት ኣምሓሩ። ቅድሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥልያንን እንግሊዝን [ቅድሚ ምንሊኽ] ብመንነት ፥ ብባህልን ብታሪኽን ምስ ህዝቢ ትግራይ ሓደ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ሐዚ ግና [ኩሉ ዘይክኸውን ይኽእል] ብቋንቋን ኣከዳድናን ጥራሕ እዩ ምስ ትግራዎት ዝመሳሰል። ኣተሓሳስባን ስነልቦናዊ ስብእናን ኤርትራውያን ካብ ኣተሓሳስባን ስነልቦናዊ ስብእናን ኣምሓሩ ትፈልየሉ ብዙሕ ነጥቢ ዳርጋ የለን።

ሰራዊት ትግራይ ከዓ ንመንግስትን ህዝብን ትግራይ ይመስል። እዚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣትዩ ኣብዝነበረ ፃንሒቱ ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ። ኣብዚ ክስትብሃል ዝግብኦ ነጥቢ "... ደቂ ሰባት ብኣፈጣጥራኦም ተመሳሰልቲ እዮም። ዝፈላለዩ ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ምስከባቢኦም ብዘለዎም ወይ ከዓ ብዝገብሩዎ መስተጋብር [Environmental reaction] እዩ..." ዝብል ውልቃዊ እምነተይ ክፀርሕ እፎቱ። ኤርትራውያን ተጋሩ ብዘርኦም ኣካል|ምቃል ህዝቢ ትግራይ ምዃኖም ዘተሓታትት ጉዳይ ኣይኮነን። ይትረፍ ከም ሓው ከም ሰብ 'ውን ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ርክብ ግና ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሰንብድን ኮይኑ ትዕዘብ። ንግፍዒታት ወታደራት ኢትዮጵያ ወታደራት ሻዕብያ ብዝበኣሰ መንገዲ ክደግሙዎ ክትርኢ ንሕውነት ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ትጠራጠር። ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምስ መንነቶምን ምስታሪኾምን ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ክውንነትን ምስ ሓቅነትን ዝተብኣሱ ኮይኖም ትረኽቦም። እዚ ተረጋግፀሉ ከዓ ዝፅዉዕሉ መንነት [ብሄር] ትግራዎት ኮይኖም እናሃለዉ "ንሕና ኤርትራውያን ትግርኛ ኢና" ክብሉ ብዘይስኽፍታ ክዛረቡን ክፅሕፉን ትዕዘብ። "ቋንቋኹም ከ እንታይ ይበሃል?" ንዝብል ሕቶ መልሶም እንታይ ከምዝኸውን ሕሰቡዎ። እዚ ንገዛእ መንነቶም ካብዘለዎም ፅልኣት ዝነቅል እዩ።

ታሪኽ ኤርትራውያን ልክዕ ከም ታሪኽ ተጋሩ ንስልጣነን ታሪኽን ዳኣማት-ኣኽሱም ከምዘየካትት የግዳስ ታሪኾም ታሪኽ ህግደፍ ከምዝኾነ ወግሐ ፀብሐ ክሰብኩ ይስምዑ። ብሓፈሻ ኤርትራውያን ፍጡራት ባዕዳዊ ገዛኢኦም ጥልያንን ስነኣእሙሮኣዊ ገዛኢኦም ከዓ ኣምሓራይን ኮይኖም ኣይ ካብ መንነቶም ኣይካብ ታሪኾም ኮንቱ ዝተረፉ ይመስሉ። ንደቆምን ደቂደቆምን ከዓ ምስ ህዝቢ ትግራይ ደምነት ተኺሎም ይሓልፉ ኣለዉ። ንሶም ክልቲኦም ባዕዳዊ ገዛእቶም ዝደልዩዎ ዓይነት ማሕበረሰብ ኮይኖምሎም ኣለዉ።ኤርትራውያን ተጋሩ ካብ ኣኽሱማዊ ውቁብን ስልጡንን ወነንቲ መንነትን ታሪኽን ናብ ቀቢላነት ዝተቐየሩን ናብ ሓደጋ ምህላውን ዘይምህላውን ዝርከብ ዘይትስፉው ማሕበረሰብ ወሪዶም ዝርከቡ ኮይኖም ኣለዉ። "እቲ ናይ ሐዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ትግራዋይነቱ ውቁብን እርኑብን ባህሉን ልማዱን እንተዘይገዲፉ ሰራዊት ኤርትራ ኣብልዕሊ ዓፅመ ስግኡ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዘይንቡር ግፍዒታት ዝፈፀመሉ ገበን ካበይ ኣምፂኡዎ?" ኢልካ ምስሓተትካ መልሱ ናይ ሐዚ ሰራዊት ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ስለዝመስል እዩ ኢልካ ብድፍረት ምዝራብ ብዙሕ ጌጋ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሰራዊት ህግደፍ ስርዓት ህግደፍ እንተሃኒፁዎ ስርዓት ህግደፍ ከዓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃነፆ እዩ። ሰራዊትን ስርዓትን ካብ ህዝቢ እዩ ዝወፅእ። እዚ እንተዘይኸውን ነይሩ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝዘረፎም ካብ ስባር ማንካ ክሳብ ብጫ ጀርካን [ጀሊል] ፥ ካብ እንቋቑሖ ክሳብ ተሓላቢት ላሕሚ ፥ ካብ ብስክሌታ ክሳብ ኤክስካቫተር ፥ ካብ መንዲል ክሳብ ኮበርታ ፥ ካብ ውሽጢ ቀምሽ ክሳብ ዙሪያን ጥልፍን ኣብ ዕደጋ ከተማታት ኤርትራ ተሰጢሖም ብግልፂ ክሽየጡ ከለዉ ህዝቢ ኤርትራ ብወታደራቱ ንዝተዘረፈ ንብረት ሓዉ ኣይምዓደገን ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ንሰራዊቱ ኣውጊዙ "ክዳንን ንብረትን ኣሕዋትና መግነዚና" ምበለ ኔሩ። እቲ ዝኾነ ሓቂ ግና ብሓጎስን ብሽሻይነትን ተቐቢሉዎ። ትግራዎት ናይ ስልጣነን ናይ ታሪኽን ደምበኦም ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ እምነትን ናይ ሃይማኖትን ቡኽርናኦም 'ውን ካብኣንፈት ሰሜንን ደቡብን ከምልሱን ከቐፅሉን ይግባእ።