INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሰይጣን ምስ ዘምልኽ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ሕብረት የብልናን፣ኣብ ጎኒ መንበረ ሰለማ ኣለና !''-ኣመንቲ

ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ መንደር ሚዘር መቐለ ዝርከቡ ወገናት ህልው ኩነታት እቶም ተመዛበልቲ ንምዕዛብ ናብቲ ማእኸል ዑደት ንዝገበሩ ብፓትሪያሪክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዝምርሑ ኣባላት ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ''ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ከም ትካል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ክፍፀም ንዝነበራ ቀጥታዊ ተሳትፎ'' ዝኹኑኑ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሕላፍ ተቓውመኦም ገሊፆም።

እቶም ተመዛበልቲ ብፍላይ ድማ ኣባላትን ኣመራርሓን ሲኖደስ ኢትዮጵያ ኮይኖም ካብ ባህርዳር ክሳብ ኣስመራ፣ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ኣሜሪካ ብምዉዳድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ መሬት ዘጥፍእ ጀኖሳይድ ንክፍፀም ኣብ ኣደባባይ ብቅሉዕ ተሳቲፎምን ኣለዓዒሎምን ኢዮም ኢሎም።

ብልፍንቲ ናብ ትግራይ ዝወረሩ ሓይልታት ፅንተት መነኮሳት፣ካህናትን ምእመናትን ትግራይ ካብ መቐደስ ኣውፂኦም እንትሓርዱ፣ኣዴታትን ህፃናትን ብግፍዓዊ ተግባር እንተጋሰሱ፣ኣብያተ እምነታት እንትጉሕሉ፣ እንተዕንዉን እንተራኽሱን ብሓፈሻ ድማ ንትግራይ ደም እንትነብዑ ብሒም ዘይበለ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ካብቲ መንፈሳዊ ተልእኾኡ ዝወፀ ኣምልኾ ሰይጣን ዝተቐበለ መሕፈሪ ተግባር ከምዝፈፀመ እውን ነቒፎም።

ብፍላይ ድማ ነቶም ተመዛበልቲ ወኪሎም ሓሳቦም ካብ ዝገለፁ ተመዛባሊ ዞባ ምዕራብ ቀሺ ወልደኺዳን ማርሻ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ከም መጠን መራሕቲ ሃይማኖት ኲናት ከወግዙ እናተገበአ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ቁምቡላታት መዕደጊ ገንዘባዊ ሓገዝ ብምግባሮም ህዝቢ ትግራይ ክሃልቕን ክስደድን ኢጃም ከምዝነበሮም ተዛሪቦም።

ንሕና ሰይጣን ምስ ዘምልኽ ሲኖዶስ ኢትኖጵያ ሕብረት የብልናን፣ኣብ ጎኒ ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ተሰሊፍና ኣሎና ክብሉ ቀሺ ወልደኺዳን ገሊፆም።

ተመዛባሊት ወይዘሮ ሙና የሱፍ ብግዲአን መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሰብኣውነት ዝስመዖም እንተኾይኑ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ተታሒዙ ዘሎ መሬት ትግራይ ሓራ ክወፅእን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ክሰርሑ ፀዊዐን።

ፓትሪያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘ ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣኽሱም ወእጨገ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብወገኖም ህዝቢ ትግራይ ብዝበፀሖ ግፍዒ ከም ዝሓዘኑ ብምግላፅ እቲ ተጀሚሩ ዘላ ሰላም ናብ ዘላቕነት ክሰጋገር፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ክጅምርን ብሓፈሻ ድማ ነቲ ፀገማት ንምፍታሕ ንዝምልከቶም ኣካላት ከምዘብፅሑ ብንብዓት ዝተዓጀበ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

#ተኽለወይኒ_ኪዳነ_ኣረጋዊ