ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን 2146 ማሕበረሰብ ትምህርቲ ረሺኖም።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ብርኪ ዳህሳስ መሰረተ-ልምዓት ትምህርቲ ብትሉም ኣካይዳ ብምዕናው 88 ሚኢታዊ ተምሃሮ ብዘይመምሃሪ ክፍሊ ከምዝተረፉ ኣፍሊጡ።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ማእኸል ምትሕብባር ሓደጋ ክላስተር ትምህርቲ ዝሰርሑ ትካላት ገበርቲ ሰናይ፣ ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዩኒሴፍ፣ ማሕበር መምህራን ትግራይን ግዱሳት ምሁራትን ተጋሩን ብምትሕብባር ዘካየዶ ቀዳማይ ብርኪ መፅናዕቲ ዕንወት ትምህርትን ስርዓተ ትምህርትን ትግራይ ዕላዊ ጌሩ።
ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ትግራይ 2146 ተምሃሮ፣ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን ብልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ከምዝተረሸኑን ከምዝተቐተሉን ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ብርኪ መፅናዕቲ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ ምፅናት ዘርኢ ዘካይደሉ ዘሎ ምዕራብ ትግራይ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝርከባ ኣዋሰንቲ ከባብታት ቀጠና ኲናት ዝተፈፀመ ዕንወት ኣይሓውስን።
ሰብኣዊ ጉድኣት
“ግዳያት ሞት ዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ትምህርቲ 1911 ተምሃሮ 235 መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን” ብግፍዒ ከምዝተጨፍጨፉ ዝጠቐሰ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ካብዚኦም እተን 84 ሚኢታዊ ደቂ ኣነስትዮ ከምዝኾና ኣረዲኡ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራን ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ መንገዲን ብገዛ ንገዛ ጎስጓስ ዝረኸብዎም ተምሃሮን መምህራንን ብምኽንያት ትግራዋይ መንነቶም ከምዝጨፍጨፍዎም እቲ ቢሮ ዘካየዶ መፅናዕቲ ብምጥቃስ ገሊፁ።
ኣብ ትግራይ ኣብዚ ዓመት “ከባቢ 2 ሚልዮን ተምሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክርከቡ ዝግባእ” እኳ እንተነበረ ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘካየድዎ ወራር “ህፃናት ትግራይ ንክልተ ዓመት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ምርሓቖም” ጥራሕ ከይኮነስ “ውሕስና ህይወት ክረኽቡ ኣብዘይኽእሉሉ ወጥሪ ሕሱም ጥሜትን ስእነት መሰረታዊ ግልጋሎትን” ኮይኖም ይሓልፍዎ ምህላዎም እቲ ሓልፊ ኣብሪሁ።
ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ኣብ ዝወሃብ ዘሎ ከይዲ ትምህርቲ “ብሰንኪ ሕሱም ጥሜት፣ ስግኣት መጥቃዕቲታት ድሮንን ኲናትን 20.8 ሚኢታዊ ህፃናት ጥራሕ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ” ከምዝርከቡ እውን ተገሊፁ እዩ።
ዕንወት መሰረተ-ልምዓት ትምህርቲ
ኣስታት 88 ሚኢታዊ መምሃሪ ክፍልታት ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብወረርቲ ሓይልታት ስለዝዓነወ 88 ሚኢታዊ ተምሃሮ ትግራይ መምሃሪ ክፍሊ ክረኽቡ ኣይክኣሉን።
ብተወሳኺ 96 ሚኢታዊ ወንበር ተምሃሮ ተወሲዱን ዓንዩን ከምዝኾነ እቲ መባእታዊ መፅናዕቲ ዘርአየ ኾይኑ፣ ፀሊም ሰሌዳን ካልኦት መሰረተ ልምዓት ትምህርትን ከቢድ ዕንወት ዝበፅሖም ምዃኑ ብዝርዝር ቀሪቡ እዩ።
ኣብ 2012 ዓ.ም ምጥጥን ሓደ መፅሓፍ ንክልተ ተምሃሮ ዝነበረ እንትኾን፣ ሎሚ ግን መፅሓፍቲ ስለዝተቓጸሉን ዝተሰረቑን እቲ ምጥጥን ናብ ሓደ መፅሓፍ ንትሽዓተ ተምሃሮ ወሪዱ ይርከብ።
ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ደቡባዊ ምብራቕ፣ መቐለ፣ ምብራቕ፣ ማእኸልን ሰሜናዊ ምዕራብን ዝርከባ 2054 ኣብያተ ትምህርቲ ኣብቲ መፅናዕቲ ከምዝተዳህሰሳ ዝጠቐሰ እቲ ሓላፊ ቢሮ 84 ሚኢታዊ ናውቲ ቤተ ፈተነ ከምኡ እውን 79 ሚኢታዊ ፕላዝማ ከምዝዓነወ ተዛሪቡ።
በብኣብያተ ትምህርቱ ንዘመናት ዝተሰረሐሉ ናውቲ መማዕበሊ ትምህርቲ 92 ሚኢታዊ ዝዓነወ እንትኾን ብቐሊሉ ዘይርከቡ ናውቲ ተምሃሮ ፍሉይ ድሌት ብምዕናዎም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምቕፃል ከቢድ ፈተና ኣጋጢሙ ይርከብ።
ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ኣብ 2012 ዓ.ም ግእዝ ሓደ ህፃን 2.5 ኪሎሜትር ተጓዒዙ ቤት ትምህርቲ ዝረኽበሉ ዕድል ነይሩ፣ ሎሚ ግን “ወረርቲ ሓይልታት ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ብምዕናዎም 7.3 ኪሎሜትር ክጓዓዝ” ከምዝተገደደ እቲ መፅናዕቲ የረድእ።
ብተበፃሓይነት ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ “ትግራይ ብ1984 ዓ.ም ናብ ዝነበረቶ ኩነታት” ከምዝተመለሰት፣ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ እውን ኣብ 2012 ዓ.ም ካብ ዝነበረ 7 ኪ.ሎሜትር ርሕቐት ሎሚ ናብ 17 ኪሎሜትር ከምዝወሰኸ ቢሮ ትምህርቲ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ክሳብ መስከረም 2014 ዓ.ም ግእዝ ዝነበረ ቀጥታዊ ጉድኣትን ዕንወትን ዝፈተሸ ብምዃኑ እቲ ዕንወት ዘስዐቦ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላውን ዘላቒ ጉድኣትን ብዝርዝር ንክፅናዕ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ተጋሩን ካልኦት ውዳበታት ምሁራት ተጋሩን ሓዊሱ ዝምልከቶም ኣካላት ክሰርሑሉ እቲ ቢሮ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኮምሽነር ኮምሽን መፅናዕቲ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ኣይተ የማነ ዘርኣይ “ኣብ ትግራይ ኩሎም ዓይነታት ዓለምለኻዊ ገበናት” ከምዝተፈፀሙ ብምሕባር “ኣብ ትምህርቲ ዝበፀሐ ዕንወት ወለዶ ንምብታኽ ዝዓለመ ስለዝኾነ ብዝተዋደደ ፃዕሪ ትምህርቲ ክቕፅል ብምግባር እዚ ወለዶ ምውሓስ” ከምዝግባእ ተዛሪቡ።
ያበለ ሚዲያ (ኣኽሱማይት ዝነበረ)
|