INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

«ሰነድ ምትእምማን» ኣስመራ

ኣጀንዳ ናይዙ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ምስጢራዊ ኣኼባ፤ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ዝመርሕዎ፣ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ሓለፍቲ ፀጥታን ክልቲአን ሃገራት ዝተሳተፉሉ፤ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ተረቒቑ ብመሻርኽቱ ኣብይ ኣሕመድ ዝማዕበለ፤ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተለሙዎ «ስትራተጂካዊ ስጉምቲ» ኣብ ዝተባህለ ረቂቕ ሰነድ ንምዝታይን ንምፅዳቕን እዩ ነይሩ።

ኣብዙ መራሕትን ጀነራላትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኣስመራ ዘካየዱዎ ኣኼባ፤ ብዝተዋደደን ዝተጠናኸረን ኣፈፃፅማ ንህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ ከፅንቱ ዝተዳለውሉ ሰነድ ምትእምማን ምስኣፅደቑ እዩ፤ ንዙ ናይ ነሓሰ ፋሽስታዊ ወራር ዝጀመሩ፡፡ ብትልሚ ኣብ ሰነድ ኣስፊሮም ይትግብሩዎ ንዘለዉ እዙ ወፍሪ ምፅናት ዘርኢ፤ ስፍሓትን ዕምቆትን እዙ ሰነድ ኣስመራ ህዝብናን ፈተውትናን ክፈልጡዎ ስለዝግባእ፤ ብሓፂሩ ከምዙ ዝስዕብ ነቕርቦ ኣለና፡፡

ብሰነድ ሓንፂፆም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክውሰድ ኣለዎ ዝበሉዎን፤ ኣብዙ ሕዚ እዋን ዘተግብርዎ ዘለዉን «ስትራተጂካዊ ስጉምቲ» ዝበሉዎ ዘመተ ምፅናት ዘርኢ፤ ኣመራርሓን ሰራዊትን ትግራይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ደጀን ህወሓት ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ክውቃዕ ዝተረፈ ድማ ከመይ ገይሩ እናተሃደነ ካብ መረበቱ ክመዛበልን ክስደድን ከምዝግበር እውን፤ ዝርዝር ትልምን ከይዲ ኣፈፃፅማን ዘጠቓለለ እዩ። እዙ ሰነድ ቀንዲ ዕላማ ዝበሎ፤ «ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብዓብዩ ሰላም ንኽሰፍን፤ እቲ ዝበዝሐ ደጀን ህወሓት ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ሰረቱ ክፈርስ ክመዛበል ክስደድ ኣለዎ» ይብል፡፡

ብመሰረት እዙ «ስትራተጂካዊ» ዝበሉዎ ኣንፈት ክልቲኦም መንግስታት፤ ህዝባዊ ደጀን ትግራይ ኣብ ክልተ ይምቀል፡፡ ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ንዝነብር ህዝቢ ትግራይ እንትኾን፤ ብኻልኣይ ብርኪ ድማ ንቱ «እንኮ ፍልፍል ፋይናንስን ዲፕሎማሲን ጁንታ» ኢሎም ዝመደቡዎ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ እዩ።

ኣብ ኣኼባ ኣስመራ ብሰፊሑ ተዘትዩሉ ከም ሰነድ ምትእምማን ኮይኑ ዝፀደቐ እዙ ልዕሊ ሚእትን ሰላሳን ገፅ ዘለዎን ብትግርኛን ኣምሓርኛን ዝተዳለወ «ስትራተጂካዊ» ዝተብሃለ ሰነድ ብዝርዝር ከምዝብሎ፤

«…ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናይዚ ኲናት (ኣብ 2013) ንዝፈፀምናዮም ጌጋታት ኣይንደግምን። ሰራዊትን ኣመራርሓን ጁንታ እንተተበታተነ እኳ፤ መሊሱ ምእንታን ከይተኣኻኸብ፤ ዝምለሰሉ ደጀን ህዝቢ ከምዘይንገድፈሉ ከነረጋግፅ ኣለና። ብዙ እንወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝፅረግ ጁንታ ተፀሪጉ፤ እቲ ዝተረፈ ብውሑዱ 3 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ደጀን ክኸውን ከምዘይኽእል ተገይሩ፤ ጥራሕ ኢዱ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ክበታተን ክስደድ ኣለዎ፡፡ '…ኣሜሪካ ኣብ ቪየትናም ዝፈፀመቶ ጌጋ ኢና ንሕና ብ2013 ኣብ ትግራይ ዝደገምና፡፡ ኣሜሪካ ንቱ ደጀን ዝኾነ ህዝቢ ቪየትናም ስለዘይወቕዐቶ እዩ እቱ ሬዚዝስታንስ ህዝባዊ ማዕበል ፈጢሩ ዝተፈታተና…' (ኢሳያስ ደጋጊሙ ዝበሎ) …

«…ህዝቢ ተስፋ ቆሪፁ ተመዛቢሉ ርሒቑ እንተተሰዲዱ፤ ጁንታ ክንዲ ዝደለዮ ተኣኻኺቡ ተወዲቡ ክንቀሳቐስ እንተበለ እኳ፤ ተመሊሱ ክኣትወሉ ዝኽእል ህዝባዊ ደጀን ስለዝስእን፤ ብሰንኪ ሕፅረት ሎጂስቲክስን ሓይሊ ሰብን ንምድምሳሱ ምቹው እዩ ክኸውን ። ኣብ 2013 ንዙይ ክንገብር ስለዘይከኣልና እዩ፤ ጁንታ ኣብ ቆላ ተምቤን ተሓቢኡሉ ካብ ዝነበረ ወፅዩ፤ ምስ ደጀን ህዝቢ ኮይኑ ሓይሊ ፈጢሩ ዝፈታተነና…

«…ዋላ ኣብ ዝተፋላለየ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ከባቢኡ ዝተርፍ ህዝቢ እንተሃልዩ እኳ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃእን ከምዘሎ ተወላዲ ትግራይ፤ ሙሉእ ብሙሉእ ፖለቲካዊ ስብእና ከይህልዎ፣ ከም ስሙር ህዝቢ ናይ ሓባር ራኢ ከይህልዎ፤ ባህጊ ረብሓ ትግራይ ዝብሉ ሕልምታት ከይሓስብ ክግበር ኣለዎ። የግዳስ ብዛዕባ ብሕታዊ ህይወቱ ጥራይ ከም ዝሓስብ ክንገብሮ ኣለና። ውዳበን ጥርናፈን ዝብሉዎ ኣሰላልፋ ኮነ መንፈስ ወያነነት ሙሉእ ብሙሉእ ክመክን እንተሎ እዩ፤ ብዘተኣማምን ጁንታ ተደምሲሱ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ድሕሪ ሐዚ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዝኾነ ይኹን ናዕቢ ካብዙ ክልል ከይልዓል ከነረጋግፅ ዘኽእለና…

«…ንዙይ ንምትግባር ድማ፤ ብቐንዱ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኮነ ብፅልዋን ፅዕንቶን ምዕራባውያን ዕፅዋን ክባን ክኽፈት የብሉን፤ እኳ ድኣስ ዝያዳ ክጠናኸርን ክፀብብን ኣለዎ፡፡ ብኸይዲ ድማ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ኣማራፂ ስትራቴጂካዊ ኣገባባት ዓወት ብውልቅን ብሓባርን ክንስዕቦምን ክንትግብሮምን ይግባእ፤ (1) ብዝተኽኣለ መጠን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ብኹሉ ኣንፈት ናብ ትግራይ ብምእታው፣ ትሕዝቶ ጁንታ ብምፅባብ፤ ንቱ ደጀን ጁንታ ዝኾነ ህዝቢ ብኹሉ ወተሃደራዊ ዓቕምና ብምውቃዕ ክመዛበል፣ ክበታተንን ክስደድን ምግባር። (2) ብወተሃደራዊ መንገዲ ደፊእና ክንዲቱ ዝሓሰብናዮ ክንኣቱ እንተዘይክኢልና፤ ንቱ ዕፅዋ ዝያዳ ብምጥንኻር፤ ንቱ ኲናት ብምንዋሕ፤ ብናይ ሓባር ወፍሪ ሓይሊ ኣየር ኣብ ኩሉ ኣብ ትሕዝቶ ፀላኢ ዘሎ ከባቢታት ቁልፊ ዒላማታት ምውቃዕ፤ ብኹሉ ኣንፈት ድማ ብኤርትራ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣቢልካ ደብዳብ ብከቢድ ብረት ክፅዕቕ ምግባር። ብዙይ ድማ ዝበዝሕ ህዝቢ ክውቃዕ፣ ንከባቢኡ ክገድፍ፣ ክበታተን ክስደድ ክንገብሮ የኽእለና እዩ

«…እዙ ኲናት ብዝተናውሐ ቁፅሪ፤ ህዝባዊ ደጀን ጁንታ ንምፍራስ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ተዳኺሙ ዘሎ ወተሃደራዊ ሎጂስቲክስ ዓቕሚ ጁንታ፤ ነዳዲ፣ መግቢ፣ መድሓኒትን ተተኮስትን ሙሉእ ብሙሉእ ክቋረፅ፤ ሕቝኡ ተጎዚዙ ናይ ውግእ ዓቕሙ ክመክንን ሰራዊቱ ክፈርስን እዩ…

«…ብሰሜን ምዕራብን ብምዕራብን ሓይልታትናን ትሕዝቶናን ኣጠናኺርና እነካይዶ ውግእ ቀንዲ ሽትኡ፤ ጁንታ ዝኾነ ይኹን ነዃል መተንፈሲ ወፃኢ ንኸይረክብ እዩ፡፡ ጁንታ ንወፃኢ መተንፈሲ መስመር ክህልዎ የብሉን ዝብል ፅኑዕ ስትራተጂካዊ መርገፂና እዩ። ጁንታ ክንዲ ዝደለዮ ንደቡብ ወይ ንምብራቕ እንተደፊኡ ዝያዳ ናብ ዞባና ስለዝኣቱ፤ ካብኡ ዝዘለለ ንወፃኢ መተንፈሲ ክረክብ ኣይኽእልን፤ እኳ ድኣስ ናብ ናትና ትሕዝቶ እናኣተወ ሓይሉ እናተመቐለ ክውሓጥ እዩ፡፡ ብሰሜን ምዕራብን ብምዕራብን ግንባራት ኣስጢምና ዓፂና ንጁንታ ኣጨናኒቕና መተንፈሲ ዕድል እንተዘይኸሊእና፤ ንኸይዲ እዙ ኲናት ብምትዕንቓፍ ናብ ስዕረት ከብፅሐና ይኽእል እዩ….

«…ጁንታ ናብ ደገ ከተንፍስ ዕድል እንተሂብናዮ ግና፤ ምስተን ንጁንታ ክሕግዛ ይኽእላ እየን ኢልና እንጥርጥረን ሃገራት ክህልዎ ካብ ዝኽእል ርክብ ንላዕሊ ከጨንቐና ዘለዎ፤ ኣብ ዲያስፖራ ትግራይ ክፈጥሮ ዝኽእል ምትብባዕ ምልዕዓልን ደገፍን ካሊእ ዓብዪ ፀጋ ክፈጥረሉ እዩ። እዙይ ድማ፤ ንዲያስፖራ ትግራይ ሓድነቱ ንምፍራስ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ምስ ኢንሳ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን መሓውራት ፀጥታ ኤርትራን ዝጀመሩዎ ገዚፍ ምውፋር ኣብ መንገዲ ከትርፎ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ካብ ሱዳን ጀሚሩ ብዙሓት ሃገራት መግቢ፣ ኣፅዋር፣ ነዳዲ፣ መድሓኒትን ገንዘበንን ከተኣታትዋ እየን፡፡ ምዕራባውያን እንተይተረፉ ብስም ሓገዝ ኢዶም ክሓውሱ እዮም…

«…ብሓፈሻ ጁንታ መተንፈሲ ወፃኢ ረኺቡ ማለት ንኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ሃገር ህልውነአን ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ዘውድቕ ስለዝኾነ፤ ጁንታ ንተከዘ ከይሰግር ጥራሕ እንተይከነስ፤ ካብ ተከዘ እውን ኣዐርዩ ክርሕቕ ምግባር ናይ ህልውናን ውድቀትን ጉዳይ እዩ። ጁንታ ንወፃኢ መውፅኢ ነዃል እንተረኺቡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትናወፅ እያ። ስለዙይ እዩ ድማ፤ ደጀን ህዝቢ ከይረክብ ኢልና ምስዘቐመጥናዮ ማዕረ፤ ጁንታ ንተከዘ ከይሰግርን ካብ ተከዘ ርሒቑ ኣብ ከባቢ መቐለ ክሽበብን ክውቃዕን ምግባር፤ ፍሉይ ትኹረት እንህቦ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ሽቶና ዝኾነ…

«…ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ትግራይ ደጀን ክኸውን ዝኽእል ህዝቢ ከይህሉ ክንገብር ኣለና እንትንብል፤ ኣብ ወልቃይት ፀገደን ፀለምትን ዝኸድናዮ ኣፈፃፅማ ከም ሞዴል ክውሰድ ኣለዎ፡፡ ጁንታ ዕድል ረኺቡ ናብ ምዕራብ ትግራይ እንተኣተወ እኳ፤ ከምቱ ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ዘለዎ ህዝባዊ ደጀን ክረክብ ኣይኽእልን፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ምዕራብ ክሳብ ሐዚ ብዝተሰርሐ ፅፉፍ ኣካይዳ፤ ንጁንታ ደጀን ክኸውን ዝኽእል ህዝቢ የለን። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ ብኢትዮጵያዊ መንነቶም ዝኣምኑን ኣንፃር ልጋብ መንነት ጁንታ ዝቃለሱን ሰባት እዮም። ስለዙይ ጁንታ ኣብቱ ከባቢ እንተኣትዩ ደገፍ ደጀን ኣይረክብን፤ እኳ ድኣስ ሓዊ እግሪ እዩ ክኾኖ። ካብዚ ሞዴል ወልቃይት ፀገደን ፀለምትን ብምብጋስ፤ ኣብ መላእ ትግራይ ተመሳሳሊ ስራሕ ብምስራሕ እዩ ንቱ እከይ መንፈስ ወያነ ሙሉእ ብሙሉእ ምውጋድ ዝከኣል…

«…ተሞክሮ ወልቃይት ፀገደን ፀለምትን ከም ሞዴል ብምጥቃም፤ ብዙ ስፍሓትን ዕምቆትን ዘለዎ ስትራተጂካዊ ንጥፈት፤ ዝኸፍአ ማሕበራዊ ዓንኬል ክንፈጥር ንኽእል ኢና። ብኻልእ ኣዘራርባ፤ ራዕዲ ዝኣተዎ ማሕበረሰብ ስለዝፍጠር፤ ውልቃዊ ህይወቱ ከድሕን ክጎዪ እምበር፤ ከም ማሕበረሰብ ከም ህዝቢ ክሓስብን ክውደብን ዕድል ኣይረክብን። ውዳበ ጥርናፈ ዝብሉዎ ኣተሓሳስብኦምን ኣካይድኦምን ሓደሻብ ምስበታተኽናዮ ካልኣይ ንኽምለስ ዕድል ክንህቦ የብልናን፡፡ ብፍላይ እቱ ንዙይ ክገብር ዝኽእል ዓቕሚ ሰቦም ርእሱ ስለዝውቃዕ፤ መምለሲ ኣይክህልዎምን…

«…ካብ ኣንስቲ ክሳብ ሰብኡት፣ ካብ ህፃውንቲ ክሳብ ኣረጋውያን፤ ኣብ ሚዲያታት ጁንታ እናወፀ እናተፀረፈ ንዝውዕል ህዝቢ ኣብ ወተሃደራዊ ታርጌት ምእታው፤ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሲቪላት ዝውሰድ ስጉምቲ ተገይሩ ክሕሰብ የብሉን፡፡ ካብ ደቒቕ ክሳብ ልሂቕ እናተዋግኡና ስለዝኾኑ፤ ኣብ ውሽጢ ክልቲኦም ሰራዊትና ምሕረት ርህራሄ ዝብሃል ነገር ክህሉ የብሉን…

«…ብተመሳሳሊ እቱ ቀንዲ ምንጪ ዲፕሎማሲን ፋይናንስን ዝኾነ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ ካልአይ ደጀን ጁንታ እዩ። ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ ምድኻም ንዲፕሎማስያዊ ዓወትና ቀንዲ ስትራተጂና ስለዝኾነ፤ ክልቴና መንግስትታት ንኹሉ ናይ ውሽጥን ወፃኢ መሓውራትና ኣዋዲድና ሰፊሕን ዓሚቝን ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና። ብቐንዱ ድማ ኣብያተ ፅሕፈት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ክልቴና መንግስታት፣ ብኢንሳ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ውዳበታት ህግደፍን፤ ከምኡ እውን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ ኣምሓራ ኤርትራን ካልኦት ማሕበረሰባዊ ውዳበታትን ብቐጥታ ክሳተፉ ኣለዎም…

«…ዲፕሎማስያውን ፋይናንሳውን ዓቕሚ ጁንታ ዝኾነ ዲያስፖራ ትግራይ ንምድኻም ንምብትታንን ንምጥፋእን ብመሰረት ክሳብ ሕዚ ዝተኣከበ ሓበሬታ፤ ምትእስሳር ዲያስፖራ ትግራይ ከምቱ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ኣብ 2013ን ዝነበረ ድልዱል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጡ ምፍንጫል፣ ዘይምርድዳእ፣ ስምዒታውነትን ካብ ቃልሲ ምልማስን ከምዘሎ፤ ካብቱ ዝገበርናዮ መፅናዕቲ ንላዕሊ እቶም ኣባላት ባዕሎም ኣብ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ዝገብርዎ ዘለው ክትዕ ምትፍናንን ጎንፅን ነረጋግፅ ኣለና። ብፍላይ ኣብ መንጎ እቶም መራሕቲ ጁንታ ዝድግፉን ዝቃወሙን ኤሊት፣ ካድረን ባንዳን ብዝብል ሱር ዝሰደደ ምፍልላይን ምፍንጫልን ይርአ ኣሎ፤ እዙይ ድማ መፃወቲ ዓውድና እዩ። ስለዙይ ኣብዙ ተመቻችዩልና ዘሎ ዓውዲ ብኽልቴና ወገን ብዝተዋደደ ብሙሉእ ዓቕምና ክንሰርሕ ኣለና። ኣብ ዘሎን ብኸይዲ ንዝፍጠርን ክፍተት ኣፈላላይን ምፍንጫልን ዲያስፖራ ትግራይ ብምግፋሕ፤ ዲፕሎማስያውን ፋይናንሳውን ዓቕሚ ጁንታ ኣብ ሓፂር ግዘ ስንኩል ክኸውን እዩ፡፡ በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሰራዊት ጁንታን እቱ ደጀን ህዝብን ሞራሉ ወዲቑ ዕጥቁ ይፈትሕ፤ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ጁንታ እውን ክልዓል ንገብሮ…

«…ኣፈፃፅምኡ ድማ፤ ንቀንዲ ደገፍቲ ጁንታ ዝኾኑን ልዑል ዝናን ብርክት ዝበሉ ሰዓብትን ንዘለዎም ውልቀሰብ ተጋሩ ዲያስፖራ ዒላማ ንምግባር ብንጡፍ ይስራሕ ኣሎ። ንዞም ቀንዲ ተጠመቲ ውልቀሰባት ኣብ ምምማይ፤ ኢንሳ ብዛዕባ ህሉውን ሕሉፍን ማሕበራዊ ሂወቶም ሓዊሱ፤ ቴለፎኖም፣ ኢሜሎም፣ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣካውንቶም፣ ውልቃዊ ስድርኦምን ምትእስሳር ስድራቤትን፣ ስርሖምን ውዕሎኦምን ወዘተ… ዝምልከት ሓበሬታታት ብምትእኽኻብ የፅንዕ ኣሎ። ብመሰረት እዙ ተኸታታሊ መፅናዕቲ፤ ኣብ ኩሉ ውዕሎኦምን ዓውድታቶምን፤ ጠቐነን መፀለምታን ክበፅሖም ብምግባር፣ ብገዛእ ናይ ርእሶም ማሕበረሰብ ወቐሳን ምንፃልን ክበፅሖምን ክግለሉን ክግበር እዩ። ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሰብ-ኣልባ (No-Man) ኣካውንትታት ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃም፤ ኣብ ልዕሊ እዞም ዝተሓረዩ ተፈለጥትን መራሕትን ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ ዝኾኑ ውልቀሰባት ካብ ድሕረ ባይትኦም ኣትሒዙ ግፍሕ ዝበለ ፀለመ ክዝርጋሕ እዩ። ኣብ ውሽጢ እቱ ዝነብሩሉን ዝሰርሑሉን ማሕበረሰብ እንተይተረፈ ንመንነቶም ኣብ ምፅላም ብገፊሑ ክስራሕ እዩ…

«…ንዙ መደብ ዘፈፅሙ፤ ትግርኛ ብግቡእ ከንብቡ፣ ክፅሕፉን ክዛረቡን ዝኽእሉ ኤርትራውያንን ተወለድቲ ትግራይን ዝሓቖፈ ሰራዊት ሳይበር ስልጠና ተዋሂቡዎም ይዋፈሩ ኣለዉ። እዞም ሰልጠንቲ ኣዝዩ ብልሒ ብዝተመልኦ ኣቀራርባ፤ ከም ደገፍቲ ቃልሲ ትግራይ መሲሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምውፋር፤ ምስቶም ቀንዲ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝኾኑ ውልቀሰባትን ማሕበራዊ ጉጅለታትን ትግራይ ምሕዝነት ክፈጥሩ ይግበር ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፣ ጉጅለታት፣ ዋህዮታት፣ ማሕበረሰባዊ ውዳበታት ወዘተ… ዲያስፖራ ትግራይ ይኣትዉ ኣለዉ። እዚ ኣቀራርባ ሙሉእ ብሙሉእ ዕዉት እንትኸውን ኩሉ ንጥፈት ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ራዳርና ይኣቱ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ እዙይ ድማ ቀዲምና መከላኸሊ ስጉምቲ ንምውሳድን ንኽነጥቅዖምን የኽእለና።

«…እዞም ኣባላት ሳይበር ሰራዊት ሓለይትን ተሓለቅትን ትግራይ መሲሎም ናብ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ ዝኣትዉሉ ካልኣይ ምኽንያት ድማ፤ ሕድሕድ ማሕበረሰብ ትግራይ በብዝነብሩሉ ከባቢ ኣብ ሞንጎኦም ንዘሎ ርክብ ንምፅናዕን ንሓርፋፍ ርክባት ብምፍላይን፤ ዝያዳ ንምቅሕሓርን ንምፍላይን ብዝተወጠነ ስትራቴጂ እዩ። ድሮ እኳ ንቶም ኣብ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝረኣዩን ነንሕድሕዶም ካድረ ባንዳ እናተብሃሃሉ ዝፃራረፉን ኣባላት ዲያስፖራ ትግራይ ብዘዕግብ መዝጊብናዮም ስለዘለና፤ ቀዳማይ ምዕራፍ ስራሕና ንኦኦም ጠሚቱ እዩ ዝጅምር ዘሎ። በዚ ድማ ዲያስፖራ ትግራይ ፈፂሞም ብሓባር ንኸይስለፉ ንምግባር የኽእለና…

«…ኣብ ትግራይ ውልቃዊ ጅግና ዝበሃል የለን፤ ጅግንነቶም ካብ ሕብረትን ሓድነቶምን እዩ ዝነቅል። ስለዙይ እቱ ቀንዲ ዕላማና ሓድነቶም ኣብ ምፍራስ ዝተደረኸ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ተጠሊዖም ከምዝብሉዎ እውን ኩሉ ዓቕሞም ኣብ ሓድነቶም ስለ ዝምርኮሱ እዩ። ንሓድነቶም ንዘተኣሳስሩን ዘሰጣጥሙን ቀንዲ ቀንዲ ውልቀሰባት ዒላማ ብምግባር፣ ካብቱ ማሕበረሰቦም ክንፀሉ ክድፍኡን ክስጎጉን ምግባር ኣለና፡፡ ዕላማና ማሕበራዊ መሰረት ትግራይ ምፍራስ ስለዝኾነ። በብዓዱ ዘሎ ምትእስሳር ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ዝተወሰኑ መሪሕን ተፈለጥትን ውልቀሰባት ማእኸል ዝገበረ ስለዝኾነ፤ ነዞም ዘተኣሳስሩዎም ወፃእተኛታት መራሕቲ ጁንታ ክንስኩኖም ኣለና። ፅንኩርን ኣርሒቑ ጠማትን ዓቕሚ ኣመራርሓ መንግስቲ ኤርትራ ዝዕቀን፤ ኣብ ልዕሊ እኒ ስዩም መስፍን፣ ኣባይ ፀሃየን ኣስመላሽ ወልደስላሰን ብዝተወስደ ስጉምቲ ኣብ ዘርአዮ ተሪርን ቆራፅን ውሳነ እዩ ነይሩ…

«…ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ስዩም፣ ኣባይን ኣስመላሽን ምስ ዲያስፖራ ትግራይ እንተዝነብሩ ነይሮም፤ ሐዚ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ ዝርአ ኣፈላላይን ክፍተታትን ኣብ ምዕፃው ኮነ ኣብ ከይዲ ዲፕሎማሲ ጁንታ ርኡይ ፀብለልታ ዘለዎ ስራሕ ክትግብሩ ምኽኣሉ ነይሮም፡፡ ኣብቱ እዋን ኣመራርሓ ኤርትራ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ክእለዩ ኣለዎም ኢሎም ብትሪ ሞጊቶም እቱ ውሳነ ተፈፃሚ ምግባሮም፤ ንቱ ሐዚ ክመፅእ ዝኽእል ዝነበረ ስግኣት ኣቐዲሞም ናይ ምግማት ክእለት ስለ ዝነበሮም እዩ። ስለዙይ ሐዚ እውን ንዲያስፖራ ትግራይ ዘተኣሳስሩ ከምእኒ ስዩም ኣባይን ኣስመላሽን ዝበሉ ወሰንቲ ሰባት ንምግላስ፤ ብሰፊሑን ብዕምቆትን ክንሰርሕ ኣለና፡፡ ብዙይ ድማ ዓቕሚ ጁንታ ካብ ፍልፍሉ ከነንቅፆ ንኽእል። እዚ ሐዚ ብኹሉ ናይ ወፃኢ ዝምድናታትን ውሽጣዊ ዓቕምን ክልቲኡ መንግስትታትና ፍሉይ ጠመተ ተዋሂቡዎ ዝስራሕ ዘሎ መደብ፤ ብሓይሊ ሰብን ባጀትን ብቐፃልነት ዝያዳ ክጠናኸር ኣለዎ…

«…ኣብ ሙሉእ ዓለም ተጋሩ ናብ ውሽጣዊ ግርጭታቶም ክንጎቶምን ክጥሕሉን እዮም። ዲያስፖራ ትግራይ ብኣብዝሓ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ጁንታ ሕቶ ከልዕል ክግበር እዩ። ዓሚ ጁንታ ካብ ሰሜን ሽዋ ምስተመልሰ ዲያስፖራን ኤሊትን ትግራይ ብሓደ ድምፂ ንምንታይ ከይድና ንምንታይከ ንምለስ ኢሎም ብምልዓል፤ እስትንፋስ ጁንታ ኣሕፂሮምዎ ምንባሮም ይዝከር፡፡ ሽዑ ዝተፃወትናዮ ግደ ሎሚ ብዝተዓፃፀፈ ክነሐይሎ ኣለና:: ዲያስፖራን ኤሊትን ትግራይ ኣንፃር ጁንታ ምልዕዓል መኽሰብ ዘለዎ ስትራተጂ ብምዃኑ፤ ሐዚ እውን ብሰፊሑ ክስርሐሉ እዩ። ዲያስፖራ ትግራይ መኸተ እናበለ ገንዘብ ብምትእኽኻብ ቀንዲ ምንጪ ፋይናንስ ጁንታ ብምዃኑ፤ ብኹሉ ዓቕምና ክነዐንቅፎ ግድን ይብለና፡፡ ጁንታ ብቐፃልነት ገንዘብ ዲያስፖራ ትግራይ እናመጠጠት፤ ንትግራይ ካብ ምብራስን ወለዶታት ካብ ምጥፋእን ካልእ ዘምፅአቶ ረብሓ ከምዘየለ ተገዳሲ ትግራይ ኮይንኻ ብምግዋሕ፤ ዲያስፖራ ትግራይ ውሽጡ ክደምን ተስፋ ክቖርፅን፣ ነንሕድሕዱ ክባኣስን ሓድነቱ ክፈርስን ክንገብር ኢና፡፡» እናበለ፤ እዚ ሰነድ ምትእምማን ኣስመራ ንፅንተት ህዝቢ ትግራይ ሸርሒ ኣብ ልዐሊ ሸርሒ ይትንትን!

ፀለላእትና ኣይተጋገዩን! ትግራዋይነት ሰዓራይነትና ኣብ ፅንዓትና ሓድነትናን ምስጥጣምናን ይምርኮዝ! ሓሪንና ብምውያን ድማ ንፀላእትና ድዒኽና ንቐብሮም! ንኹሉ ብድሆታት በታቲኻ፤ ትግራይ ዓደይ ትስዕር ኣላ!