INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

“ ሓደ ሰነ ዝተነቐለ- ሸውዓተ ሰነ ኣይትከልን”

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

“ ሓደ ሰነ ዝተነቐለ- ሸውዓተ ሰነ ኣይትከልን”! ዝብል ብሂል ከይኸውን ብልፍንቲ ንሰርሕ“!!

ኣብ ትግራይና፣ወቕቲ ኣዝመራ ክረምቲ ዝብሃል ካብ ሰነ 15 ክሳብ መስከረም 15 ዘለዉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝዘለቕ ምዃኑ ይፍለጥ እዩ፡፡ ስለዝኾነ፡ ድሮ ምጅማር ክረምቲ ኩሉ ዓይነት ምድላው ወጊንካ ምፅናሕ ኣድላይን ኣገዳሲን ጥራሕ እንተይኮነስ ግድን እዩ፡፡ ነዙይ እዩ እምበኣር፣ ንሓደ ዓብይ ጉዳይ፣ ቁምነገር ንምግላፅ ምቁራት ብሂላታትን ምሰላታትን ዝጥቀሙ፣ ሰራሕቲ ቕያ ሰብ በሊሕ ኣእምሮ ቀዳሞት ወለድና፣ ወርሒ ሰነ፣ ናይ ቀፀላይ ዓመት ህይወት ምቕፃልን ዘይምቕፃልን እትውስን ብምዃና “ሓደ ሰነ ዝተነቐለ-ሸውዓተ ሰነ ኣይትከልን" ዝብል ብሂል ኣውሪሶምና ዝሓለፉ፡፡

እንተኾነ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ወቕቲ ኣዝመራ 2014/2015፣ ፈላጣት ወለድና ካብ ዝበልዎ ንላዕሊ፣ ንህዝቢ ትግራይ ዘሎዎ ትርጉም ዓብይን ብጣዕሚ ወሳኒን እዩ፡፡ ምኽንያቱ ዘለናሉ ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ፣ንኡስ መድረኽ ዕማማት መኸተ፣ ብተደራራቢ ዓወታት፣ ካብ ምኽንባት ካሊእ መማረፂ ከምዘየለን፣ ህዝብ ትግራይ፣ ከም ህዝቢ ንምቕፃል ዝውስን ክረምቲ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ፡፡

ብምዃኑ ናይዚ ንኡስ መድረኽ ትርጉምን ወቕቲ ኣዝመራ 2014/2015ን ዝተረድኡ ፣ተመራመርትን ሙሁራንን ትግራይና፣ናይ ሎም ዘበን ክረምቲ ምህርቲ ንምስሳን ዘኽእሉ ፣ማለት ሓረስታይና፣ ሙሁራንን ሰብ ሞያ ሕርሻን ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝጥቀምሎም ዝነበሩ ዘመናዊ ማዳበርያ ፣ምሩፅ ዘርኢ ወዘተ ዝኣመሰሉ እታወታትን ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታትን መሳርሒታትን የለውን ኢሎም ኢዶምን እግሮምን ኣጣሚሮም ሱቕ ኣይበሉን፡፡ ኣብ ህዝብና ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብ ኢድ ሓረስታይናን ሞያተኛታት ሕርሻን ዘሎው ዝተፈላለዩ ፀጋታትን ሃብተ-ገነትን መበገሲ ጌሮም ይመራመሩን ይምህዙን ኣለው፡፡ ብሉፃት ተሞክሮታት ንምስፋሕ እውን ምስ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብምውዳድ፣ ደኺሙና ሰልኪዩና ከይበሉ፣ ብወያናይ ህልኽ፣ ፍልጠቶም፣ ክእለቶምን ጉልበቶምን፣ ብምውፋይ ቀትርን ለይትን ይረባረቡ ኣለዉ፡፡ ኣብ ከተማን ገጠርን ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ድማ ተኽልታት ገደና ብምፍራይ ድራር ለይቲ ንምምላእ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ፡፡ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ዝሓገየ ሓረስታይ ትግራይ እውን ስራሕቲ መስኖ ብዝተወሰነ ብርኪ ኣተኣታትዩ ስድራ ንምዕንጋል ተረባሪቡ፤ ሕዚ እውን ይረባረብ ኣሎ፡፡

በዚ ኣጋጣሚ ድማ መንግስቲ ትግራይ፣ ብፅፍሩ ንምሕዳር ዘይተሓለለ ፃዕሪ ንዝገብር ወናም ህዝብና ብሓፈሻ ፣ ብፍላይ ንተመራመርትን ምሁራን ሕርሻን ካልኦትን ዘሎዎ ናእዳ ብኽብሪ እንትግልፅ፣ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ፣ ኩለመዳያዊ መኸተና ብዓወት ብምኽንባት፣ ንቐፃላይ ሓዱሽ ናይ ቃልስን ዓወትን መድረኽ መንጠሪ ዝላ ዝኸውን ዝተዓፃፀፈ ምህርቲ ንምሕፋስ፣ ዓቕሚ ብዘፍቐደ ሕድ ሕድ ወዲ ትግራይ ከምዝረባረብ ብምእትእምማን እዩ፡፡

ስለዙይ ኣብ ክረምቲ ወቕቲ ኣዝመራ 2014/2015 ፣ ጉዳይ ዋንነት ብዘየግድስ ኣብ ገፀር ይኹን ከተማ ዘሎ ክሕረስ ዝኽእል ዋላ ንኡሽተይ ቁራስ ይኹን ዓብይ መሬት ፈፂሙ ፆሙ ክኸርም የብሉን፡፡ሕድ ሕድ ወዲ ትግራይ፣ ምኽሪ ሰብ ሞያ ሕርሻ ሓቲቱን ፍልጠት ቀሲሙን መሬቱ ሓሪሱ ክርባሕ ይግባእ፡፡ ኣብዚ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ ጉዳይ ኣሎ፡፡ንሱ እውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተጋደለ ፣ዕድሚኡን ጥዕንኡ ዘፍቅደሉ ሕድ ሕድ ወዲ ትግራይ ብሓፈሻ፣ብፍላይ መንእሰይ ትግራይና ተወዲቡ ንኹሉ ሓረስታይና ፣ብቐንዱ ግን ብምኽንያት ዕድመን ሕማምን ዓዲ ንዝወዓሉን ሓጋዚ ንዘይብሎም ስድራ ተጋደልትን፣ካብ ሰነ 15 ጀሚሩ ኣብ ምሕራስ፣ ምጉልጓል፣ምዝራእ፣ምፅሃይ፣ምዕፃድን ዓውዲ ምእታውን ከይተሓለለ ክሕግዝ ይግባእ፡፡ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ቅዱስ ተግባር ብእምነትን ብወነን ምስታፍ ሞራላዊን ስነ-ኣእምራዊን ዕግበት ምርካብ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ነቲ ኣብ ስራሕቲ ክራማት እጃሙ ዘውፊ መንእሰይ ንባዕሉ እውን ትርጉም ዘለዎ ረብሓ ዘውህብ እዩ፡፡ማለት እውን ዕፅዋን ክባን ብምፍንፃሕ፣ሓለዋትን ድሕንነትን ትግራይና ንምርግጋፅ ድልዱል መሰረት ብምንፃፍ ሕዚ ሰማይ ተሰቒሉ ዘሎ ዋጋ እኽሊ ብምንካይ፣ገጢሙና ዘሎ ኩለመዳይ ማሕበረ- ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ኣብ ምርግጋእ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ንምፍጣር ከምዘኽእል ዘጠራጥር ኣይኸውንን፡፡

ኣብ መወዳእታ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ፣በብዓመቱ ፣መዓንጥኦም ሸጥ ኣቢሎም 15 ሰነ 2014 ዓ/ም ስራሕቲ ክራማት ዝጅምርሉ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ብቐንዱ ንምርግጋፅ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ክብሉ፣ ኣብ ኩሎም ናይ ቃልስን ዓወትን መድረኻት ፣በይዛ ህዝቦም ክቡር ናይ ሂወት መስዋእትነት ዝኸፈሉ፣ናይ ትማልን ሎምን ምሩፃት ስውኣት ደቂ ትግራይና፣ሕድሪ ከምዘየዕብሩ ፣ማለት ብጀኻ ጠላማት ፣ከዳዓትን ከደምቲ ባንዳታትን፣ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ሕድ ሕድ ወዲ ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ደጊሞም ደጋጊሞም ቃሎም ዘሕድስሉ ብሄራዊ በዓልና እዩ ፡፡

ብምዃኑ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ሎሚ ዓመት 15 ሰነ 2014 ዓ.ም ፣ንመበል 34 ግዜ ዘኽብርዎ፣መዓልቲ ስውኣት፣ ዓበይቲ ዕማማት ህዝባዊ መኸተና ንምዕዋት ቀትርን ለይትን ብምርብራብ እዩ፡፡ብሓፂሩ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ሎሚ እውን ከምወትሩ ማይን ፀባን ኮይኖም ፣ፖለቲካዊ ሓድነቶም ብዝበለፀ ከም ዓረ ኣጠንኪሮም፣ እተን ደም ጀጋኑ ስውኣት ደቂ ትግራይና ፣ዝፀገባ ጎቦታትን ኣኽራናትን፣ ዓቕሚ ብዘፍቀደ፣ ብኹሎም ወረርቲ ሓይልታት ዝበረሰ ደኒ ትግራይና ንምትካእ፣ ፈልስታት ብምትካል፣ እቲ ኣዕፅምቲ ስውኣት ደቂ ህዝቢ ትግራይ ዝተዘርኦ መሬትን ሽንጥሮን ድማ ፣ሓረስታይ ትግራይና ብዕራይ ንዘይብሉ፣ብዕራይ ብምሃብን ጉልበቱ ብምውፋይን፣ ብድማር ሓረስታይ ትግራይና ምንም ከይተፀበየ ብግዜ የለን መንፈስ ብምርብራብ ፣ ግራቱ ጠሊ ክሕዝን ዝነጠበት ማይ ክትዓቁር ጌይሩ፣ ኮምፖስት፣ ተፈጥራዊ ድኹዕን ሓመኹሽትን ወዘተ ከምኡ እውን ተፈጥራዊ ፀረ ባልዕን ምኽልኻል ባህላዊ ሜላታትን ተጠቒሙ ፣መሬቱ ብዝተፈላለየ ዘራእቲ ሸፊኑ ምህርቲ ብምስሳን “ሓደ ሰነ ዝተነቐለ- ሸውዓተ ሰነ ኣይትከልን" !! ዝብል ብሂል በላሕቲ ፃዕራማት ናይ ቀደም ወለድና ፈፂሙ ኣይኸውንን ብምባል ፣ ብሓፈሻ ህዝብ ክብርታት ህዝቢ ምትሕግጋዝን ባህሊ፣ ስራሕቲ ብልፍቲ ምስራሕን ህዝቢ ትግራይ ኣደንፊዑ፣ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ፣ ስውኣትና ብልምዓት ንምድባስ ዘኽእል ስራሕቲ ብምውጋን፣ ቐፃሊ ብሩሕ ጉዕዞ ትግራይና ንምብሳር ኩለመዳያዊ ርብርብ ከምዝገብር ኣየጠራጥርን፡፡

ሃለዋትናን ደሕንነትና ብቅልፅምና !!
ትግራይ ትስዕር!!
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
06 ሰነ 2014 ዓ.ም መቐለ