INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

ህዝባዊ መኸተና ምትዕንቓፍ- ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ጠጠው ከይብል ምስራሕ ንፀላእቲ ተወሳኺ ዓቕሚ ምዃን እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ኩለመዳያዊ መጥቃዕቲ እናተፈፀመሉ ኣብ ዝነበረ ፀበባ ኮይኑ 6ይ ዙር መረፃ ንምክያድ ወሲኑ ሕገ መንግስታዊ መሰሉን ነፃነቱን ብተግባር ኣረጋፁ ምሕላፉ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ኣብቲ ኣዝዩ ፈታኒ እዋን ልዕሊ 2.7 ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ኣድሚፁ፣ ብኣዝዩ ልዑል ድምፂ ድማ መንግስቱ መሪፁ እዩ፡፡ ካብ ወራርን ኩለመዳያዊ መጥቃዕትን ንከናግፎን ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይና ብዘላቒነት ንክረጋገፅን፣ ታሪካዊ ሓላፍነትን ሓደራን ዘሽክሞ መንግስቲ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ኣዋርሕ መሰልን ነፃነትን ህዝቢ ትግራይ ንፋሽስታውያን ኣሕሊፉ ንዘይምሃብ ብትረት እናተቓለሰን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ እናኸፈለን መፂኡን ኣሎን፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ኣንፃር ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት እናተኻየደ ዘሎ ኣዝዩ ፈታኒ ቃልስን ዓወትን ብመሰረቱ ብመሪሕነት መንግስቲ ትግራይ፣ ብልዑልን ዘይተገደበን ተሳትፎ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብናን ብመስተንክራዊ ጅግንነት ሰራዊትናን ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን፡፡ ሳላ ፀኒዕና፣ መትከልና ዓቲርናን ሓድነትና ኣስጢምና ዝተቓለስናን ኣብዚ ብርኪ እዚ እንተበፃሕና እውን ሕዚ እውን ግን ቀፃሊ ቃልሲ እናካየድና ኢና ዘለና፡፡ መኸተና ንምዕዋት ሕዚ እውን ተወሳኺ ፅንዓት፣ ተወሳኺ ሓድነት ኣብ ዝጠልብ ወሳኒ ምዕራፍ ኢና ንርከብ፡፡

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነቲ ብሰበ ስልጣናት ጉጅለ ፋሸስት ኣብዪ ኣሕመድን መሻርክቱ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናካየድዎ ዝመፅኡን ዘለዉን ኩለመዳያዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምምካት እዮም ዘለዉ፡፡ እዞም ሓይልታት ንህዝቢ ትግራይ ከፅንቱን ካብ ካርታ ዓለም እውን ክፍሑቑን ዘይፈንቀልዎ እምኒ የለን፡፡ ነዚ ኩነታት ካብ ብጊሓቱ ብዝግባእ ዝተረደአ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ወዲቡ ኣፈላላይ ፖለቲካ፣ ሃይማኖት፣ ፆታ፣ ዕድመ፣ ኩነታት ስራሕ ወዘተ ከይበለ ኣንፃር ኩሎም ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ እናተረባረበ ይርከብ፡፡ ህዝባዊ መኸተ ትግራይ ንምዕዋት እውን ኩሉ ዘዝኽኣሎ ንክገብር መንግስቲ ትግራይ ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ ምስ ህዝቡ ኮይኑ እናመከተ መፂኡን፤ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝነብር ሕድ ሕድ ተወላዲ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ኩሉ ድማ ብዝተወደበን ብዘይተወደበን መንገዲ ገንዘቡ፣ ፍልጠቱ፣ ጉልበቱን ግዜኡን ንመኸተ ትግራይ ገይሩ ታሪኽ እናሰርሐ መፂኡን ኣሎን፡፡ ነዚ ድማ መንግስቲ ትግራይ ልዑል ክብርን ምስጋናን ከቕርብ ይፈቱ፡፡

ኣብዚ ከይዲ ውሕሉል ልምድን ክእለትን ዘለዎም ነባራት ተቓለስቲ ደቂ ትግራይ ምስ ደቆምን ብፆቶምን ኮይኖም ታሪክ ዘይርስዖ ቅያ እናፈፀሙ መፂኦም እዮም፡፡ እቶም ትማሊ መእንተ ትግራይ ክብሉ ተደጋጋሚ መቑሰልትን መጉዳእት ኣካልን ዝበፅሖም ነባራት ተጋደልቲ ሎሚ እውን ህልውና ህዝቦም ውሑስ ንምግባር ክብሉ ካብኦም ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ቃልስን መስዋእትን እናፈፀሙን ድሙቕ ታሪክ እናመዝገቡን ይርከቡ፡፡ ይኹን እምበር ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ህዝባዊ መኸተና ንምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምሩ ውዒሎም ሓዲሮም ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ትግራይ ካብ ሎሚ ፅባሕ ዶ ክእረሙ ይኾኑ ኢሉ እንተተዓገሶም እውን ካብ መኸተና ምዕንቃፍ ክቑጠቡ ኣይክኣሉን። ነቲ ሕጋዊ መንግስትና ናብ ቦትኡ ይመለስ፣ ሉዕላዊ ግዝኣት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ይከበር፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብሪፈረንዶም ይረጋገፅ ኢሉ ኩሉ ዓይነታት መስዋእቲ እናኸፈለ ዝመፅአ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ትግራዋይ መስዋእቱ ብዘናእስ መልክዑ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትግራይ ዝተፈላለዩ ጠቐነታት እናካየዱ እዮም፡፡

ህዝቢ ትግራይ የካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ኩናት ዘዐንቅፉ ተግባራት ኣብ ምፍፃም ተፀሚዶም ይርከቡ፡፡ ማለት እዉን ትማሊ ሕጋዊ መንግስቲ ይብልዎ ንዝነበሩ መንግስቲ ትግራይ ንመኸተ ብዘዕንቅፍ መንገዲ ሕጋዊ ኣይኮነን ክሳብ ምባል ተሰጋጊሮም፥ ሕገ መንግስቲ ትግራይን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ትግራይን ፈሪሱ ዝብልሉ ብርኪ በፂሖም ኣለዉ። ገሊኦም ሽግግር መንግስቲ ገሊኦም ድማ ስሙር መንግስቲ ይጣየሽ ዝብል ቀይዲ በተኽ ሓሳባት ሒዞም ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምሩ ውዒሎም ሓዲሮም ኣለዉ፡፡

ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሮም ድማ መንግስቲ ትግራይ ዘተ ሰላም ናይ ምክያድ ስልጣን የብሉን ዝብል ክሲ እናቕረቡ ብተግባር ንመኸተና ኣብ ዘዕንቅፍ ስራሕቲ ተፀሚዶም ይርከቡ። እዚ ብእዋኑ ይኣክል ክብሃል ይግባእ፡፡ ህዝቢ ትግራይ እውን ናይዞም ውድባት ዓንቃፋይ ግደ ብትረት ክቃለሶም፣ ኣደብ ከትሕዞምን ናብ ንቡር ናይ መኸተ ውራይ እተዉ ክብሎም ይግባእ፡፡

ብድማር እዞም ውድባት ሓድነት ኣብ ዘጠናኽርን መኸተና ኣብ ዘዐውትን ተግባር ኣብ ክንዲ ዝነጥፉ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሽርሽርን በደል ህዝብና ኣብ ዘናውሕን ዘይምዕሩይ ምንቅስቓስ ኣትዮም ከም ዘለዉ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጦ ይግባእ፡፡ ካብኦም ዘድሊ ቃልስን መስዋእትን ብምኽፋል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ብትረት ኣብ ክንዲ ዝቃለሱ ሓድነትና ኣብ ዝሽርሽሩ ተግባራት ተፀሚዶም ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሓዲኡ ፍለዩ ክብሎም ይግባእ፡፡

ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጦ ዝግባእ ካልእ መሰረታዊ ጉዳይ እዞም ውድባት ፖለቲካ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን እናጠሓሱን ህዝባዊ ኩናት ዘተዓናቅፉ ተግባራት እንትፍፅሙን መንግስቲ ትግራይ ርእዩ ከምዘይርኣየ ክሓልፎ ዝደለየ እቲ ዝፍፅምዎ ጥፍኣት ንእሽቶን ስለዝኾነ ዘይኮነስ ኩሎም ዓቕምታት ኣብ መኸተ ትግራይ ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ካብ ዘለዎ ቅኑዕ ድልየት እዩ፡፡ ሎሚ ፅባሕ ባዕሎም ኣሪሞም ኣካል ህዝባዊ መኸተና ክኾኑ እዮም ካብ ብዝብል እምነት እውን እዩ።

ብድማር እዞም ውድባት ካብ መስመር ህዝባዊ መኸተ እናወፅኡ፣ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ክፍፅምዎ ዝህቅኑ ዘለዉ ዝኸፋአ ጥፍኣት ጀኖሳይድ ድኹዒ ይኾኑ ከምዘለዉ ኩሉ ህዝብና እውን ብዝግባእ ዝርድኦ እዩ፡፡ ስለዚ ክሳብ ሕዚ ዝገበርዎ ግጉይ ምንቅስቓስ ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ዝጎድእ ምዃኑ ተረዲኦም ጠጠው ኢሎም ክሓስብሉ፣ ከስተንትኑን ቀልጢፎም ድማ ክእርምዎን ይግባእ።

ከም ዝፍለጥ እዞም ውድባት እዚኦም ኣካል መኸተ ንኽኾኑ ብዙሕ ተፃዒሩ እዩ። እንተኾነ ግን ትዕግስቲ ከም ድኽመት ቆፂሮም ኣንፃር መሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ክገብሩ ኣይግባእን፡፡ መኸተና ኣብ ዝዘርጉን ህዝብና ኣብ ዕንይንይ ንክኣቱ ኣብ ዘግብሩን ተግባራት ክሳተፉ ክፍቀደሎም ኣይግባእን፡፡ ህዝብና እናኸፈሎ ዝምፅአን ሕዚ እውን ዝኸፍሎ ዘሎን መዘና ኣልቦ መስዋእቲ ከንቱ ኮይኑ ንክተርፍ ካብ ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ይግባእ፡፡

ኣብ መወዳእታ ሕዚ እውን ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ርብርብ እጃምኩም ንምውፋይ ኩሉኹም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዝክኣለኩም ኩሉ ክትገብሩ ይግባእ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ካብ መስመር ወፂእኹም፣ ሕግታት እናጥሓስኩም ክትከዱ ቅቡል ከምዘይኸውን ክስመረሉ ዘለዎ እዩ፡፡ ብሓፂሩ ህዝባዊ መኸተና ምዕንቃፍ- ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይድዎ ዘለዉ ጀኖሳይድ ብዝኸፍአ መልክዑ ንክቕፅል ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር ከምዝኾነ ንኩሉ ግልፂ ክኾን ኣለዎ፡፡

ሕድሪ ስዉኣትና ኣይነዕብርን!!
ምሽጥር ዓወታትና መትከላትናን ሓድነትናን!!

ሃለዋትናን ደሕንነትናን ብቕልፅምና!
ትግራይ ትስዕር!

ፍልፍል: - ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
Dedebit Media ደደቢት ሚድያ
11 ሓምለ 2014 ዓ.ም
መቐለ