INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

80 ዓመት ዕለት ወያነ ትግራይ ኣብፅሐና!

እንኳዕ ንመበል 80 ዓመት ዕለት ወያነ ትግራይ ኣብፅሐና!

ቅድሚ 80 ዓመታት ከም’ዚኣ ቅነ ጳጉሜን 1935፤ ወለድና ኣቦ-ገረባትን ኣቦ-ወየንትን ቀዳማይ ወያነ፤ ምስሙሉእ ሰራዊቶም ኣብ ዋዕላ ማይደርሁ ተረኺቦም ነይሮም፡፡ ካብ ኩለን ኩርንዓት ትግራይ ዓፋር ኤርትራን ሰቖጣን ዝተወከሉሉ ወሳንን ታሪኻውን ዋዕላ ነይሩ፡፡

ከም'ዚኣ ባሕቲ ጳጉሜን 1935 ነይሩ፤ ዋዕላ ማይደርሁ ዝተጀመረን ብፅባሒቱ ተዛዚሙ ቀዳሞት ወየንቲ ሰሚሮም ተመሓሒሎም ናብ ኩለን ግምባራት ኣንፃር ወረርቲ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ዝወፈሩ፡፡

ወለድና ሰብ ክቡር ቅያ እዮም እሞ ንዘክሮም፤ ንምሃረሎም! ኣብ ጳጉሜን መሓላ ጳጉሜን ወለድና ነሀድስ! ንደቅና እውን ከማናን ከም ወለድናን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእትን ድኽነትን፣ ግፍዕን መከራን፣ ፅንተት ብርሰትን ስደትን ከይንሓድጎም፤ ፍትሓዊት ምዕብልትን ልዕልትን ትግራይ ምእንታን ክነውርሶም፤ ኣብ ዘለና ንሃሉ፤ ተሰጣጢምና ካባና ዝድለ ኩሉ ግቡእና ንፈፅም!

ወለድና ኣብ ቃሎም ክርከቡን፤ ምእንተ ሃለዋት ህዝቢ ትግራይ ክስውኡን፤ ነንሕድሕዶም ከይጠላለሙ፤ ንህዝቦምን ዓዶምን ከይጠልሙ፤ ኣጎዛ ተኸዲኖም፤ ካራ ሸኺሎም ቅድሚ 80 ዓመታት 2 ጳጉሜን ንዝኣሰሩዎ ቃል መሓላ ወያነ ትግራይ፤ ደቆም ከይንስዕሮ ሕድሪ ኣለና!

ክብርን ሞገስን ንኹሎም ስውኣት ትግራይ!