INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሰላም ክመፅእ እንተኾይኑ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለው ተቓረንቲ ሓይልታት ናብ ሓደ ክመፁ ኣለዎም፡

ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄር

ሰላም ብድሌት ሓደ ወገን ጥራሕ ክረጋገፅ ኣይኽእልን፡፡ ኣብዚ ጉዳይ እቲ ዓብዪ ሕቶ፤ ብኣብዪ ዝምራሕ ሓይሊ ነቲ ኩነታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ክሳብ ክንደየናይ ቁሩብ እዩ? ዝብል እዩ፡፡ ነዚ ክልተ መማረፅታት ሒዝና ኢና ንኸይድ፡፡ ፈፂሙ ሰላም ኣይቕበልን እውን ኣይንብሎን፡፡

ምኽንያቱ ፈትዩ እንተይኮነስ ኵናት ምቕፃል ማለት ምሉእ ንሙሉእ ናብ መቓብሩ ከምዘእትዎ ብተግባር ኣረጋጊፅናሉ፤ በዚ ድማ ኣብ ስልጣኑ ዝበፅሐ ሓደጋ ክንድምንታይ ምዃኑ ስለዝረኣየ “ኣየዋፅአንን” ኢሉ ክሓስብ ይኽእል እዩ፡፡ ስለዚ ፈትዩ ወይ ድማ ሰላማዊ ኮይኑ እንተይኮነስ ተገዲዱ “ብኵናት ዕድመይ ከናውሕ ኣይኽእልን” ዝበለሉ ዕድል ኣሎ ይብላ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄር፡፡

በቲ ኻልእ ገፅ ድማ ይብላ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ዘሎን ዘየሎን ዓቕሙ ኣኻኺቡን ካብ ውሽጢ ዓድን ደገን ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝረኽቦ ሓገዛት ወሳሲኹ “ብሓይሊ ክስዕር ይኽእል እየ” ዝብል ተስፋ ብምሓዝ ንግዚኡ ሰላም ዝደሊ መሲሉ እናደናገረ ግዜ ብምዕዳግ ናብ ምውራር ክኣቱ እውን ይኽእል እዩ፡፡

ስለዚ ንሕና እቲ ቀዳማይ መማረፂ ብሰላማዊ መንገዲ ገይርና ንወስድ፡፡ ነዚ ዝከኣል ኩሉ ፃዕሪ ንገብር፡፡ እታ መማረፂ እዚኣን እዚኣን ጥራሕ እያ ዝብል እምነት ግን የብልናን፡፡ ክልቲኡ መማረፂ ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ ድማ ይብላ ፡፡

ብሰላማዊ መንገዲ እንትመፅእ ዝበለፀ ይኸዉን ዝበላ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄር፣ ብሰላማዊ መንገዲ እንድሕር ክቕፅል ዘይክኢሉ ድማ ሰራዊት ትግራይን ዓቕሙን ኣብ ምሉእ ምድላውን ኮይኑ ረብሓን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ከረጋግፅን ተግባራዊ ክገብርን ምዃኑ ኣብሪሀን፡፡

ስለዚ ንኽልቲኡ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ዕልባት ንምርካብን ሰላማዊ መንገዲ ከም መማረፂ ዕፁው ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ድማ በቲ ዝጀመርናዮ ዕጥቃዊ ቃልስን ህዝባዊ ኵናትን ኣብ መፈፀምታ ናይ ምብፃሕ ምድላዋት ዝግበረሉን ዕድላት ኣለና ክብላ ዘረጋግፃ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ብክልቲኡ መንገዲ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ከረጋግፅ ብዘኽእለሉ መንገዲ ንምፍፃም እናተሰርሐ ከም ዘሎ” ኣባል ሴንትራል ኮማንድን ምክትል ኣዶ ወንበር ህወሓትን ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄር ሓቢረን ክብል ወይን ፀብፂቡ፡፡

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!
ትግራይ ትስዕር!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
14 መጋቢት 2014 ዓ.ም
መቐለ

Read More