INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

*ህፁፅ ክንሰርሓሉን ክንጥንቀቖን ዝግባእ ሰላሕታዊ ሽርሒ ስለያ ኤርትራ*

መንግስቲ ህግደፍ ሰይጣናዊ ተግባራቶም አብ ውሽጥና አትዮም ከመይ ከምዝሰርሑ ዘለዉ ካብ ውሽጦም ዝረኸብናዮ

1) አብ ትግራይ ከተማታት ነበርቲን ናይ NGO ሰራሕተኛታት ከምእውን አብ አብያተ ቤተክርስትያን ፈለስቲ መሲሎም ብዘለዉ ሰለልቶም አቢሎም ንመናእሰይ ትግራይ ናብ አ አ ናብ ሱዳንን ዓፋርን ከምእዉን ናብ ኤርትራ ንኽፈልስ ኹሉ መንእሰይ ካብ ትግራይ ምውፃእ ንከሐስብ ውሽጣ ውሽጢ ራዕድን ጓስጓስን ብምግባር እቶም አብ አ አ ኾይኖም ነዚ ስርዒት ዝመርሑ ኢምባሲ ኤርትራ ምስ ኢዜማ ተወለድቲ አምሐራን ጉራጌን ብተወሳኺ ውሑዳት ተጋሩ ባንዳ ዝርከብዎም እዮም።

2) እቲ ኻልአይ ክፋል ስለያ ህግደፍ አብ ወፃኢ ዝሰርሕ እዩ ናይዚ መሐዉር ስለያ ስራሕቲ አብ ድያስቦራ ትግራይ ውሽጣዊ ስርሒት ዝሰርሕ እዩ ናይዚ ስራሕ አብ ናይ ተጋሩ እንዳ ካፌ እንዳ ብልዒ እንዳ መስተ ብኹሉ መዳይ እንዳ ንግዲ ከምእውን አብ ናይ ደቂ አንስትዮ እንዳ ፀጉሪ ከም ደገፍቲ ቓልሲ ትግራይ መሲሎም ብምቕራብ ዘተአማምን ምቅርራብ ምስፈጠሩ አብ ትግራይ ዝርከብ ሐዉ ወይ ሐፍቲ ናብ ወፃኢ ኸውፅኡሎም ከምዝኽእሉ ናይ ስገረ ዶብ ከምዘመቻችዉ ሐበሬታ ምሕላፍ ስራሕቲ ዝሰርሑ እዮም።

3) አብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ ናብ ዶብ ሱዳን ከነስግረኩም ኢና ብምባል ብሚልዮን ዝቑፀር ገንዘብ አኽፊሎም ናብ ኤርትራ ምስ ወሰድዎም አብኡ ብግፋ ምዝወሰድዎም ተጋሩ አብ ማዓስከር አኪቦም አገዲዶም ናይ ደሚሂት ሰራዊት ኢኹም ትኾኑ ኢሎም ወታደራዊ ስልጠና ክወስዱ ይገብርዎም አለዉ።

4) አብዚ ዝተጠቐሰ ሰላሕታዊ ወፍሪ ምብታን መንእሰይ ትግራይ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብዘይፍላጥ ይኹን ብፍላጥ አብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ይኹን አብ ወፃኢ ሃገራት ኾይኖም ቑፅሮም ዉሑዳት ተጋሩ ተሳተፍቲ ከምዘለዉ ።

5) አብ ማሕበራዊ ሚድያ አንፃር ህወሐት ዝፅሑፉ ዝቃለሱ አብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩን ድያስቦራ ትግራይን ነፂሮም ዝከታተሉን ዝቀራረቡን አድላይ ናይ ገንዘብ ሐገዝ ዝገብሩ አካል መሐውር ስለያ ዝኾኑ ናይ ኤርትራ እንዳ ብልዕን እንዳ ሹቑን እዮም።

አብ ናይ ድያስቦራ ማሕበረሰብ አብ መኸተ መተሐባበርቲ ዝሳተፉ ፀለመ እናፈጠርኻ ተአማኒነት ምስአን በዚ ተደሪክኻ ንመኸተ ዝዋፃእ ገንዘብ ከምዝዕንቀፍ ምግባር ዝተዋፈረ ስለያ ሰላሕታ እዩ

ኹላትና ተጋሩ አብ ዝንገብሮ ኹለ መዳዊ መኸተና አድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ሰላሕታ ስለያ ህግደፍ ከነፈሽል ይግባእ።

ስለዝኾነ ድማ አብ መወዳእታ ንሕናኸ ውደበታት መኸተን ደፕሎማስን ዲያሰፖራን መንግስቲ ትግራይ ድማ ብቀንዱ እንታይ ከንገብር አለና? ።

አብ መላእ ዓለም ብፍላይድማ አብ አውሮፓ ዘለዋ ኩለን ውዳበታት መኸተ ትግራይን GSTSን ATADን ዓለም ለኸ ማሕበር ሙሑራት ሕጊ ተጋሩን ዓለምኸ ፍትሒ ንተጋሩ ዝሕለቅ አብ አሜሪካ ዝመደበሩን ትካልን አብ ውሸጥን ዲያስፖራን ዝመደበረን ሚድያታት ትግራይን ተጋሩን ልኡል ጠመተ ብምሓብ

ነቲ ብመንግስታዊ መሐወር መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ human trafficking business ብዝግባእ ጠመተ ከሕብሉን አብ ኩለመዳይ ዝተዋደደ ፃእሪ ክገብራ ይግባእ ።

መንግስቲ ትግራይ አብ ከተማታት ትግራይ ነበርቲ ኤርትራውያን ብስውር ዝከታተል መሐውር ፖሊስን ካብ ነባሪ ህዝቢ በቢ ቀበሌኡ ብስውር ናይ ኤርትራዊ ተኻራያይ ጎረቤቶም ናይ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ዝከታተል ተመልሚሉ ክጣየሽ ይምረፅ።

እዚ ናይ ህግደፍ ሰላሕታ ስለያ ሐበሬታ ካብ ዝተፈላለዩ እሙናት ምንጭታት ዝተርኸበ እዩ ካብ ሱዳንን አውሮፓን አፍሪካን አዲስ አበባን ዝተረኸበ ጥሉል ሓበሬታ እዩ