INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሰበር ዜና ዓወት ካብ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

ፀላኢ ካብ 18 ነሓሰ 2014ዓ.ም ጀሚሩ ክገብሮ ዝፀንሐ ሰፊሕ ወራርን ምጥቃዕትን ሙሉእ ብሙሉእ ፈሺሉ ኣሎ።

ፃውዒት ሰላም ተሓሲሙ ዝጀመሮ ገፊሕ ምጥቃዕቲ ልዕሊ 140 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ኮይኑ ኣብዚ ወፍሪ ናይ 6ይ እዚ መበል 210 ኮር ክፍላተ ሰራዊት 11፣ 85፣ 52፣ 26፣ ናይ መበል 301 ኮር ክፍላተ ሰራዊት 25፣ 32፣ 75፣ ናይ ደቡብ እዝ መበል 204 ኮር ክፍላተ ሰራዊት 37፣ 38፣ 39፣ ናይ መበል 203 ኮር ክፍላተ ሰራዊት 83፣ ናይ 8ይ እዝ መበል 801 ኮር ክፍላተ ሰራዊት 45፣ 46፣ 47፣ ናይ መበል 802 ኮር ክፍላተ ሰራዊት 48፣ 49፣ 58፣ ናይ መበል 803 ኮር ክፍላተ ሰራዊት 42፣ 44፣ ናይ ማእኸላይ እዝ መበል 104 ኮር ክፍለ ሰራዊት 36፣ ናይ 2ይ፣ 6ይን 8ይን ሜካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊት ድጋፍ ወሃብቲ፣ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ሪፐብሊካን ጋርድ፣ ብድምር 23 ክፍላተ ሰራዊት፣ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልታት ቴድሮስ፣ ጣናን ደጀንን ዝተብሃሉ ክፍላተ ሰራዊትን ብኣሽሓት ዝግመት ሚልሻን 6 በርጌድ ፋኖን ዝተሳተፍሉ ወፍሪ ነይሩ።

ጅግና ሰራዊትና ነዚ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ናይ ፀላኢ መጥቃዕቲ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ብልዑል ፅንዓትን ጅግንነትን ዘዝመፀ ሓይሊ ፀላኢ እናቐሽመደን እናዳኸመን ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ኣጋ ግዜ ናብ ፀረ መጥቃዕቲ ሰጊሩ ኣሎ። ሓየት ሰራዊትና ዛጊድ ንምእማኑ ዘፀግም ፅኑዕ ዕርዲ ፀላኢ ሰይሩ ንከባቢታት ጉጉውዶ፣ ፎኪሳ፣ ዘቡል፣ መንደፈራ፣ ቆቦ፣ ሮቢት፣ ሽዎች ማሪያምን ተኹሎሽን ተቖፃፂሩ ኣሎ። ኣብዚ ግንባር ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ዝበዝሕ ምዉት፣ ቁሱልን ምሩኽን እንትኾን ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑ ሃዲሙ ኣሎ።

ፀላኢ ኣብ ግንባር ብዝበፅሖ ዘሎ ከቢድ ስዕረትን ውርደትን ዓንፆ ዓንፆ ከምዝብሃል ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦን ማእኸል ከተማ መቐለን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባትን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝነበሩ ህፃናትን ብፍፁም ጭካነ ብነፈርቲ ውግእ ደብዲቡ ኣሎ። በዚ ድማ ህይወት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ክቕዘፉ ገይሩ ኣሎ።

እዚ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ሕዚ እውን ኩናት ንምቕፃል ወሲኑ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝነበረ ምብራቕ እዝ ሙሉእ ሓይሉ ናብ ኤርትራ ብምዟር ምስ ባዕዳዊ ወራሪ ሰራዊት ሻዕብያ ኮይኑ ናብ ኣድያቦ ንምጥቃዕን ካሊእ ናይ ኩናት ግንባር ንምኽፋትን ኣብ ኣውጋሮ ኣትዩ ኣሎ።

ስለዚ ፀላኢ ኩናት ከም ብሕታዊ መማረፂ ወሲዱ ንዝኸፍአ ጥፍኣት ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ኩሉ ክፈልጦ ይግባእ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሰላምን ዘተን ብሕታዊ መፍትሕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ እናገለፁ መፂኦም እዮም። ሕዚ እውን ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ዝጀመሮ ኩናት ደው ኢሉ ናብ መኣዲ ሰላም ክምለስ ይግባእ።

ሕዚ እውን ንመንገዲ ሰላም እንተተሓሲሙ ግን ካብ ዝተኣወጀልና ጥፍኣትን ብርሰትን ንምድሓን ክንብል ኩለመዳያዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ንድሕሪት ኣይንብልን። ነዚ ስዒቡ ዝህሉ ኩሉ ዓይነት ጥፍኣት ተሓታቲ ድማ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ጥራሕ ምዃኑ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ክግንዘቦ ይግባእ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይ ትስዕር!!
ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ
21 ነሓሰ 2014ዓ,ም
መቐለ