INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሰበር እንታይ?

ብ @Abay Gedey

በደምኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝተጀምረ ኹናት ብቕልፅም ስራዊት ትግራይ ዳግም ክሕምሽሽ እዩ::

ሰብር ዜና ሼር ብምግባር ንገዛ ርእስኻ ምፅንናዕ ዝሕግዝ እኳ እንተኾነ: እዚ ህይወት እናተኽፈሎ ዝርከብ ዓወት ካብ ደጀን ህዝብናውን ካብ ህይወት ንታሕቲ ዝኾነ መስዋእቲ ዝሓትት እዩ:

ሎሚ ብሰራዊት ፋሽስት አብይን መሻርኽቱን ተጀሚሩ ዘሎ ኹናት ንህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ናይዝተሃቀነን ቅድም ኢሉ ናይዝተጀመረን ጆኖሳይድ መቐፀልታ እዩ::

ካብ አብ ዳያስፖራ እንርከብ ተጋሩን መሓዙትናን ትፅቢት ዝገርሎም ስራሕቲ እስኪ እንታይ እዮም? ሰበር ዜና ዝብል ፅሑፍ ብዝረአና ቁፅሪ አቅልቦትና ከይስለብ ህድእ ኢልካ ምርአይ የድሊ፤ እንተዘየለ ናይ YouTube እሱራት ኮይንና ካብ አውራ ስራሕና ከይንቦክር።

ቅድሚ ኹሉ ናይቲ ኹናት ባህሪ ህድእ ኢልካ ምርዳእን ንዝምልከቶም ፅዕንቶ ፈጠርቲ አብቱ ዲፕሎማሲ ክሕግዙና ምግባር እንትኸውን እንተነአሰ ሰራዊትን ህዝቢን ትግራይ ተገዲዱ ዝአትዎ ዘሎ ናይ ምክልኻል ኹናት ምዃኑ ብምግላፅ ምስ ህዝቢ ትግራይ ክውግኑ ምግባር እዩ

እንታይ መእመኒ ሓሳባት ሒዝና ንቐርብ?

1. አብ ዝሓለፉ አዋርሕ አብ ቅድሚ ዓለም ዝተበፅሑ ምርድዳአት ብአብይን ጉጅልኡን ዝተጥሓሱ ምዃኖም: ካብቶም ንሰላም ክበሃል በወገን መንግስቲ ትግራይ ዝተወሰዱ ስጉምታት

ሀ. TDF ካብ ደብረብርሃን ንኽምለስ ዝነብረ ፅዕንቶ ስዒቡ አብ ጁቡቲ ብናይ ዓለም ሓያላት ሃገራት አቢሉ አብዝተዳለው አኼባ ናይ ትግራይን ናይ አብይን ወኪላት አብዝተረኸቡሉ (humanitarian truce ) ምእንተ ሰብአዊ ሓገዝ ናይ ተፃብኦታት ጠጠው ክብል ምርድዳእ ምስተገበረ ጉጅለ አዲስ አበባ ብተደጋጋሚ ከምዝጠሓሶ፤

ለ. ሰብአዊ ሓገዝ ንዘይምትዕንቓፍ TDF ካብ ዓፋር ንኽወፅእ ምውሳኑ፤ ይኹን እምበር በአብይን መሻርኽቱ አወል አርባን ሓገዝ ከይአቱ ይተአነቐፍ ምንባሩ፤

ሐ. ንቐፃሊ ናይ ስላም ዝርርብ ክበሃል ብሓይልታት ትግራይ ካብዝተማርኹ ወታደራት ልዕሊ 4200 ከምተሰደዱ፤ ጉጅለ አብይ ግና ነዚኦምውን ክሒዱ አብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘቐመጦም፤

መ. ወረርቲ ሰራዊት ኤርትራን አምሓራን ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወፁ ፤ ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጉዳይ አብቀፃሊ አኼባ ክውሰንን ዝተበፅሐ ምርድዳእ ከምዘይተተግበረ ፤ ንሶም ግና ክሳዕሕዚ ጆኖሳይድ ክፍፅሙ ምፅንሖም፤

ሰ. ዳሕራይውን ናይ መሰረታዊ ግልጋሎታት ንምኽፋት ናይ ፀጥታ ውሕስና ይወሃበኒ ኢሉ ብመንግስቲ ትግራይ ብፅሑፍ ምስቶም ነመቐለ ዝበፅሑ ልኡኻት ከምተልአኸሉ፤ "ብዘይ ገለ ቅድመ ኹነት" እናበለ ዝፀንሐ ጉጅለ አብይ ብፅባሒቱ ከምዘፍረሶ፤

ሽ. ብዝሓለፈ Aug 15 ስራዊት ኢትዮጵያ ብኸባቢ ደድቢት አብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ደብዳብ ከምዝጀመረ፤ ሰራዊት ትግራይ ነዚ ግብረ-መልሲ ከምዘይሃበ፤

ቀ.ብዚን ወዲዝን እቲ ምእንተ ናይ ሰባዊ ሓገዝ ተሂሉ ዝተገበረ ምቁራፅ ተፃኦታት ብአብይን ጉጅልኡን ተጣሒሱ ከምዘሎ፤

ስለዚ መንግስቲ ትግራይ ምእንተ ሰላም ኢሉ ሕብረተሰብ ዓለም ዝሓተቶም ኹሎም ከምዘማለአን ተገዲዱ ዓርሱ ንምክልኻል ክብል ናብ ኹናት ይአቱ ከምዘሎ ምርዳእ የድሊ::

አብ መውዳእታ

1. ካብቲ ወታደራዊ ኮማንድ ፖስት ዘይተረጋገዝፁ ወታደራዊ ሓበሬታት ዘይምዝርጋሕ፤ እዚ ሰበር ዜና እናበልካ አቕልቦት ህዝቢ ብምስሓብ ቁስላት ምሩኻት እናበልካ ምጥቃዕ አድላይ ከምዘይኮነ፤

2. ካብ መኸተ ወፃኢ ንህዝብና ዝኸፋፍሉ አጀንዳታትን ክውገኑ ምግባር፤ በቲ ፀላኢ ዝሓስቦ ተይኮነስ አብ ናይ ባዕልና አጀንዳ ምፅንሕን ብዙሓት ፈተውቲን ደገፍቲን ምእካብ፤

3. ድሮኳ ፋሽቲ አብይ ብሬድዋንን ዋልታን አቢሉ አብ መቐለ አውሮፕላን ወቒዐ ይብል አሎ : ነዚ ሒዝካ ጥርሑ ክወፅእ ንህዝቢ ዓለም ምቅላሕ የድሊ፤ ፅባሕ ድሕሪፅባሕ እንተስ ሰላማዊ ህዝቢ ክድብድብ ስለዝደለየ፤ ወይ ገለ ሃገራት ክኸስስ ስለዝደለየ ምኻኑ ቀዲምካ ምቅላዕ፤

3. ነተን አብ ሙሉእ ዓለም ክኽበራ ተሓሲበን ዘለዋ በዓላት አሸንዳ ምስ መኸተን ፅንዓትን አዋዲድና ብሻዕብያ/ህግደፍ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ምብታን ፈኸራ ሸለል ከይበልና ነዚ አብ ልዕሊ ህዝብና ተኸፊቱ ዘሎ ኹናት ሓገዝ ዝኸውን ኹሉ ዓይነት ምምህዝዞታ ክንውስኸሉ፤ ንአብነት ቀትሪ ሰላማዊ ሰልፊ ገርና ምሸት ባህልናን ሞራል ህዝብናን እንሐድሰሉ መዳይ ወዘተ ምድላይ፤

4. ሚዲያታትና ካሊእ ውራይ አወንዚፈን አብዚ መኸተ ዝጠቅምን ንህዝብናን ንሰራዊት ትግራይን ሞራል ዝሕግዝን ሓበሬታት ጥራሕ ማእኸል ክገብራ፤ እቶም መደናገርቲ ዜናታት ከፅርያን ክትንትናን ይግባእ።

ብዝተረፈ አጆና ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ካብሕዚኡ ምድንጋፅ ጀሚሮም አለው፤ ንሚዲያታቶም ማዕቐብ አዊጆም እቲ ልሙድ ሓሶት ጥራሕ ክዝርግሑ እዮም ፤ አቕልቦና ከይወስድዎ ንጠንቀቕ::

ናይ ኹናት ፅቡቕ የለን ዝይሓሰብካዮ ገለ ጊዚያዊ ፀገም እንተጋጥም መዓንጣ ሸጥ እዩ::

ትግራይ ትስዕር አላ ከም አመላ!