INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

እቲ ክስተት ኮይኑ እንዲዩ። (buring humanbieng live)

ኣሕዋተይ . . .!

እቲ ክስተት ኮይኑ እንዲዩ። ተጋሩ ኸዓ ንኽልቲኡ ቀረባ ኢና - ንምሕዛንን ንምርሳዕን። ከምዚ ዓይነት ልብኻ ዝሰብር ነገር ክገጥም ከሎ ከም መጠን ሰብ ልብና ተሰባሪ - ሓዘንቲ ኢና። ስግኣተይ ግን ብኡ ልክዕ ረሳዕትን ይቕረ በሃልትን ምዃንና እዩ። እቲ ሐዚ ሓዚኑን ልቡ ተሰይሩን ዘሪኦ ዘለኹ ሓፋሽ ቅድሚ ሰሙን "ስርዓታት እምበር ላዕልን ታሕትን ዘሎ ህዝቢማ (ኣም*ሓራይን ኤርት*ራውን ማለቱ እዩ) ከም ሃገሩ ህዝቢ እዩ" እናበለ ዝሙግት ዝነበረ እዩ። ኣረ ሕልፍ ዝበለ "ምስቶም ላዕለዎትስ ሓደ ኢና" ዝብል ኣገላልፃ ብተደጋጋሚ ይሰምዕ ነይረ።

በሉ ሓቂ ክነግረኩም . . .
እዚ ዝረኣኹሞ ኣረሜንያዊ ኣቀታትላ ኣሕዋትና ስርዓት ዘይኮነስ ምንጩ ንዕኡ ዝድግፍ ጨካን ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዘሎ እዩ። ሕራይ እቲ ናይቲኦምስ ንሰላሳ ዓመት ብዝገዝአ ሻዕቢያ ኣመኽኒና ንሱ ዝፈጠሮ ፅልኣት እዩ ኢልና። ናይዚኦም ከ ብምንታይ ክነመኽኒ እዩ?. . . ሰይጣን የጋግዮ ስርዓት ብዘየገድስ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣካል ኣረሜንያዊ ኣተሓሳስባ ኮይኑ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጨካናት ወሊዱ በዚ "እንዴታ" በቲ "እንዲያሞ" እናበሉ ብኹርዓት ሬሳ ዘቃፅሉን ማህፀን ብዕንፀይቲ ዝጉርጉሩን መሪቑ ይሰድድ እዩ። ንጭዋነት ሰራዊት ትግራይ ህዝቢ ትግራይ እንተመስጊንና ንጭካነን ስድነትን ፀላእትና ድማ እቲ ዝወፁሉ ማሕበረሰብ ሓላፍነት ንዘይምሃብ እንፈርሐሉ ምኽንያት ኣይረአየንን።

ንምንታይ መሲሉኩም ናብ ብርኪ ህዝቢ ወሪደ ከምዚ ዓይነት ቡዙሓት ዘይፅበዩዎ ዘረባ ይዛረብ ኣለኹ መስለኩም. . . ናይ ትግራዋይ ቀታሊ ኣፍዝዝ ኣደንዝዝ ስራይ ኣብ 'ተዋልደናል ተዛምደናል' ፣ 'ስርዓት እምበር ህዝቢ እንታይ ዘይገበረ' ፣ 'ኣሕዋትና እዮም" ኣብ ዝብል ኣገላልፃ እዩ ዘሎ። በዚ መደንዘዚ እዚ ፅባሕ ንጉሆ ምስዞም ሬሳ ዘቃፀሉን ማህፀን ኣዴታትና ዝጎርጎሩን ኣብ ሓደ ማእሲ ዝድቅስ ትግራዋይ ክህሉ እዩ።

ኣነ ዝደልዮ. . .
ሰሜን ይኹን ደቡብ እቲ 'ዘየድሕን ክታብ ሕውነትን ይቅርታን' በጢስካ ትድርቢ'ሞ - ብናይ ረብሓ ቋንቋ ንpolitical business ብግልፂ ትዘራረብ። ንፁር ናይ mutual benefit ውዕሊ ትገብር። ትግራዋይ ናፃ ሃገር ክትምስርት እንተኾይንካ ቋንቋኻ እዚ ይኹን - "ሕውነትን ይቅርታን" ዝብል ድጋም ገበነኛን ምንጪ ገበነኛታትን ካብ ተሓታትነትን ቅፅዓትን ንኸምልጡ ንርህሩህ ልቢ ትግራዋይ ዘቐበሉዎ መዐሸዊ ድጋም እዩ።

ዘረባና . . .
'ድሕሪ ሐዚ ዶ ምስዚኦም?' ዝብል ይኹን። ካብ ዘረባ ሓሊፍና ንተግብሮ። ቀተልትና ከይተሰከፉ ንሕና ብስሞም ንምፅዋዕ ንምንታይ ከም እንስከፍ ኣይርደአንን። ድኸሙ ኢሉና እዩ እምበር - ብናህና ፅቡቕ ምሕሳብ ጥራሕ ዝኸውን ነገር የለን። "በቕልን ኣኮይ ኣኮይ ፈረስን ዘይግዱ" እዩ ዝኸውን እቲ ጉዳይ! . . . ብስሩ ቀታሊ ካብ ገዛ ከይወፀ መዋቲ ብዛዕባ ሕውነትን ይቅርታን ከውግዕ ኣየጥዕመሉን - ሓቢሩ ኣይኸይድን። ንጨክን! (ምጭካን ብቋንቋ ህዝቢ ትግራይ ንሶም ዝገበሩዎ ክፉእ ምግባር ዘይኮነስ - ብዝግበኦምን ብዝውክሎምን ስም ከይተሰከፍካ ፀዊዕኻ ብቆራፅ ውሳነ መፃኢኻ ምሕንፃፅ እዩ። መፃኢና ድማ ኣብቲ ናይ "ተዋልደናል ተዛምደናል" ዝብል ድግምቶም ዘይኮነስ - ኣብቲ "ቀተልትና እዮም ሓረድትና እዮም - መኻይድና ንፍለጥ" ዝብል ግልፂ ዘረባ ክድረኽ እየ ዝደልዮ።

ኣብ መወዳእታ . . .
ከም ሓደ ህዝቡ ብጅምላ ብሓዊ ዝተቓፀሎን ኣሓቱ ብግዕዙያት ማህፀነን ዝተጎርጎሮን ትግራዋይ ኮይነ እየ ፅሒፈዮ። 'ንምንታይ ምሳና ደው ኢሎም ዶ ኮፍ ኢሎም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣብ ግምት ዘይተእቱ' ኣይትበሉኒ። እዚ ሓሳብ ዘይኮነስ ልቢ ዘይፀሮ ስቡር ስምዒት እዩ። ንሳቶም ኣብ ጎንና ዝኾኑ ዘለዉ ንሕልነኦም ኢሎም ከም ዝኾነ እየ ዝኣምን - ናይ ሕልና ተቓለስቲ ዝብል ክቡር መዓርግ ድማ ይህቦም። ካብዚ ወፃኢ ገበነኛ ሰራዊቶምን ንዕኡ ዝደገፈ ህዝቦምን ካብ ተሓታትነት ይኹን ካልእ ወቐሳ ከድሕኑዎ እንተኾይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ - ዘገምታዊ መጉተምቲ ቃልሰይን ዓንፀልቲ ገድሊ ናፅነት ህዝበይን ገይረ እየ ዝወስዶም። ከምኡ ከም ዘይኾኑ ተስፋ ብምግባር ነቶም ውሑዳት ናይ ሕልና ተቓለስቲ ዘለኒ ክብሪ እናገለፅኩ ፅሑፈይ ክዛዝም።

ወዳአ🙏

Read More