INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ርእስና ልቕልፅምና የብርዮ።

ውዕሊ ደቡብ ኣፍሪካ ናብ ረብሓና ነውዕሎ። መጀመሪኡ’ውን ታንክን ባንክን ኣረኪብካ ኣብ ጥራሕ ኢድካ ዝግበር ኲናት ተመራፂ ኣይነበረን። ታይ ይገበር?

1 - ግዝኣት ትግራይ። ህዝቢ ትግራይ ክረጋጋዕ እንተኾይኑ ካብ ሕገ መንግስቲ ዝብል ሸፈጥ ወፅዩ፣ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ዝፈትሕ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ወፀን ግዝኣት ትግራይ ቅድሚ ኹናት ናብ ዝነበሮ ምስተመልሰን ምዃኑ ብግልፂ ይቀመጥ።

2 - ደሕንነት ህዝቢ ትግራይ። ህዝብና ምስ ዘለዎ በሰላ ልቦንኡ ከዐርፍ እንተኾይኑ ዝተሓረዩ ሚኢቲ ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ብመልክዕ ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ውሽጣዊ ደሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክሕልዩ ከም ዝግበር ብግልፂ ይቀመጥ።

3 - Political Healing የድልይ። ድሌየቱ እምነት ፖለቲካ ይሃልዮ ትግራዋይ እየ ኢሉ ዝኣምን ትግራዋይ ኩሉ ትግራዋይ እዩ። ወንጀል እንተሃልዩ ልዕልና ሕጊ ይንገስ። ሰብ ክነጥቅዕ ካብ ማሕበረሰብ ብዝንፅል ስብእና ዘዋርድ ዕስላዊ ፍርዲ ግን ሂትለር ዘንዕቑ ጨካናት ምውላድ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ሰሳትና ሕነ ፈደያ ይኣክል፤ ኣፈላላይ ፀጋ እዩ።

4 - ፖለቲካዊ ነጥቢ ክነቑፅር ውድቀትና ካፒታላይዝ ኣይንግበር። ህዝብና ኣዝዩ ዝመሮሮ ዑጡቕ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ብውድቀትና ልክዕ መንገዲ ትንሳኤ ትግራይ ዘሪኦ እምበር ቁስሉ እናሓኸኸ ዘባልዖ ኣይደልን።

5 - ስግግር መንግስቲ ትግራይ። ስግግር መንግስቲ ካብ ተቐበልና ህዝቢ ክሓስብ ጊዜ ንሃቦ። ውዕሊ ደቡብ ኣፍሪካውን ዝርዝር ትሕዝትኡ ምምሕያሽ ይገበረሉ። ህዝቢ ትግራይ ገፅ ብልፅግና ክርኢ ኣይደልን፤ ብህወሓት’ውን ረብሪቡ እዩ። መናእሰይ ውድባት ፖለቲካውን ሓሳቦም ብደንቢ የብስሉ። ፖለቲካ ትግራይ ናብ ንቡር እስካብ ዝምለስ ኣብ ዝቕፅል መረፃ ዘይሳተፉን ዘይሽየሙን ዶር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ዝመርሖም ትግራይ ኣለኒ ትብሎም ሰባት ናይ ክልተ ዓመት ስግግር መንግስቲ ይምርሑ። ቴዲ ምልክት ፅንዓት፣ ራህዋ፣ ፍቕርን ሕብረትን ህዝቢ ትግራይ እዩ።

“TRY AGAIN. FAIL AGAIN. FAIL BETTER”
#tadesse_yemane