INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ተጋሩ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ረጊዕና ጠጠው ኢልና እንሓስበሉ ግዜ ሐዚ ኮይኑ ኣሎ።

ፀላእትና ልዕሊ ዝኾነ እዋን ንዳግማይ ወራርርን ምፅናት ትግራዋይ ዘርእን ብኹሉ መዳይ(ወታደራዊ፣ቁጠባውን ማሕበራውን) ይዳለው ኣለው ጥራሕ ዘይኮነ ምድላዋቶም ወዲኦም ውሽጣዊ ሃጓፋቶም ክዓፅው ይሙኩሩ ኣለው።

#ንሕና (ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለና) ተጋሩ እውን ሰብ ክፀሮ ዘይኽእል ፀገማት ተፃዊርና እቲ ክሳብ ሐዚ ዝነበረ "ትግራዋይ ናይ ምፅናት " ትልምን ባህግን ፀላእትና ብኣዝዩ ከቢድ መስዋእቲ ክንብድሆ ፀኒሕናን ኣለናን።

ኮይኑ ግን ኣብዘን ሒደት ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ መራሕቲ "መንግስቲ እየ" ዝብልን "ተቓወምቲ ኢና" ዝብላን ውድባትን ገለ ሰዓብቶምን ዝርአ ዘሎ ናይ "ኣነ እየ ሕጋዊ " ፡ ኣነ እየ ፈላጥ: ኣነ እየ ዘመናዊ... ወዘተ ኣብ ዝብል #ንሕንሕ #ነንባዕልኻ #ምውንጅጃልን ብምእታዎም ምኽንያት ህዝብና ኣብርእሲ ፀገሙ ካልእ #ቅድሚ #ሐዚ #ዘይነበረ #ፍርሕን #ስግኣትን ተወሲኹዎ ይርከብ።

"ሕጋዊ እየ " ዝብል መንግስቲ ኣብ ብጣዕሚ ከቢድ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ፀገማት ኮይኑ ምስ ብዙሓት ሕመቓቱ ቀለልቲ ዘይበሃሉ ናይ መኸተ ስራሕቲ እናወገነ ከም ዘሎ ፍሉጥ ከይኑ ፤ግን ድማ #ሓቋፊ ክኸውንን ነቲ ገጢሙና ዘሎ ፀገም ክፈትሕ #ዓቕምታት #ኩሉ #ትግራዋይ ፀንቂቑ ክጥቀምን ሓላፍነትን ግዴታን ኣለዎ ህዝብና ዝሃቦ ሓላፍነት እውን እዙይ እዩ።

"ተቛወምቲ " ኢና በሃልቲ ውድባት እውን ህዝብና ብምኽንያት ወረርቲ ሓይልታት ገጢሙዎ ዘሎ ፀገም ንዓለም ኣብ ምቅላሕ ብዙሕ ፃዕሪታት ካብ ምግባር ንላዕሊ ኣብቲ ቃልሲ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን እናተሳተፉ ፀኒሖም እዮም።ኮይኑ ግን ውድባት ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾና ካብኡ ንላዕሊ ቃልሲ ከካየዳን ነቲ ኩነታት ልዕሊ ውድባዊ ረብሐአን ከንብበኦን #ግዴታን #ሓላፍነት ኣለወን።

ዘለናዮ ኩነታት #ንዝኾነ #ግጉይ #ኣይካይዳ ዝፃወር ኩነታት ኣይኮነን።ኩሉ ትግራዋይ ከም ሓደ ሰብ ዝሓስበሉን #ብትግራዋይነት መንፈስ ጥራሕ ዝስጉመሉን ግዜ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሐዚ እዩ።

እቲ ሓደ ስልጣኑ ከይንካእ እቲ ኻልእ ድማ ሕማቕ ግዜ ተጠቒሙ ናብ ስልጣን ክቋናጠጥ #ብዝመስል #መንፈስ ዝኽየድ ዘሎ ኣክይዳ ብመንፅር ፀላእትና "ንዳግማይ ወራር" ዝገብርዎ ዘለው ምድላው እንትርአ... ንፕሮጀክት ፀላእትና #ምቹው ባይታ እናፈጠረ ነቲ ተቓላሳይ ህዝብናን ቃልስናን ድማ ዓብይ #ስግኣት ኮይኑ ንሪኦ ኣለና።

ስለዝኾነ ብምጥፋእን ምድኻምን ሓደ ውድብ ዝቕረፍ ዋላ ሓንቲ ፀገም ህዝቢ ስለዘየለ... ውድባት ፖለቲካዊ ትግራይ ድኽመት ሓንቲ ውድብ ድኽመት ኩለን ጥንካረ ካልእ ውድብ ድማ ከም ጥንካረ ባዕለን ሓሲበን ክንቀሳቀሳ ኩሉ ትግራዋይ ፀቕጢ ክገብርን ፤
.....ኣብ ሚድያ ነዚ ዝምቡዕ ኣካይዳ ዝድግፍን ዘጓሃህርን ዘሎ ሰብ ድማ ካብ ሓዊ ምቑስቋስ ተቖጢቡ ኣብ ሃናፃይን ወቕቱ ዝጠልቦ ወቐሳን ናእዳን ንኸድህብ ፀቅጢ ክገብር ኣለዎ።

#ትግራይን #ህዝቢ ትግራይን ልዕሊ ዝኾነ ውድብ ውልቀሰብን እዮም!!

#ዓወትና ኣብ #ስሙር #ቅልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!
ክብርን መጎስን ንስውኣትና