INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ካብ ቤት ፅሕፈት ቁፅፅር ኮሙሽን/ተርጓሚ ሕጊ / ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ

ኣብ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)

ካብ ቤት ፅሕፈት ቁፅፅር ኮሙሽን/ተርጓሚ ሕጊ / ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ

===========================
ስ.ቁ. +251914280303
==================
ዕለት 16/10/2014
===============
1) ጉዳዩ

ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ቁፅፅር ኮሙሽን / ተርጓሚ ሕጊ/ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና ዝሃቦ ውሳነ

2) ናይ ውሳነ ምኽንያት
========
ብስራሕ ፈፃሚ ባይቶና ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ባይቶና ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ተወሲዶም ዝነበሩ ስጉምትታት ሕጋውነቶም መርሚርካ ምውሳን ዝምልከት ይኸውን።

3) ናይ ምውሳን ስልጣን

ቁፅፅር ኮሙሽን ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና ) ብዘለዎ ናይ ምውሳን ሕጋውነትን ብመሰረት ብዕለት 23/02/2012 ዓም ብሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብና ዝፀደቐ መተሓዳደሪ ደንቢ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዓንቀፅ 30/1 ን ዓንቀፅ 32/1ን እዙ ውሳነ ናይ ምርኣይ ሙሉእ ስልጣን ኣለዎ። ካብዙይ ብምብጋስ፣ ናይ ባይቶና ቁፅፅር ኮሚሽን ንልዕልና ሕጊን ንህልውና ውድብናን ወሳኒ ኮይኑ ዝረኸብናዮ ዓብዪ ዛዕባ መርሚርና እዚ ዝስዕብ ፍርዲ ሂብና ኣለና።

4) ፍርዲ

ነዚ ፍርዲ መበገሲ ዝኾነ ስራሕ ፈፃሚ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ብዛዕባ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ኣመልኪቱ

1) ብቑፅሪ ብ/ባ/ዓ/ት/ 1691 ብዕለት 22/09/2014 ዝተመሓላለፈ ካብ ኣመራርሓ ናይ ምእጋድሀ ውሳነ፪) ብቑፅሪ ብ/ባ/ዓ/ት 1711 ዕለት 30/09/2014 ብዝተፅሓፈ ደብዳቤ ካብ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ናይ ምብራር ስጉምቲን ሕጋዊ ኣካይደኦም ከም ዝስዕብ ተፃርዩ ኣሎ።

እምበኣር ከስ ፈፃሚ ስራሕ ባይቶና ኣብ ልዕሊ ኣባል ፈፃሚት ስራሕን ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን ዝኾነ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ዝተመሓላለፈ እግድን ካብ መንግስታዊ ቤት ምኽሪ ንኽባረር ዝተውሃበ ውሳነን ቤት ፅሕፈትና ብዕምቆት መርሚርዎ ኣሎ። በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ጭብጢ ተነፂሩ ኣሎ።

1) ስራሕ ፈፃሚ ባይቶና ነዚ ጉዳይ ናይ ምርኣይ ስልጣንን ምሉእነትን ኣለዎ ድዩ?

2) ኣቶ ኪዳነ ኣመነ ናይ ምክልኻል መሰሎም ተሓሊሎም ድዩ?

3) እዚ ተመሓላሊፉ ዝበሃል ዘሎ ውሳነ ስነስርዓታዊ ኣካይዳ ሕገ ደንቢ ባይቶና መሰረት ዝገበረድዩ?

4) ብመሰረቱ ኣቶ ኪዳነ ነዚ ዝተኸሰስሉ ጥፍኣት ተሓታቲ ድዮም ኣይኮኑን?

ክፍትሑ ዝግበኦም መሰረታዊ ቁምነገራት መሰረት እንትምርመር ፦

1) ''ስራሕ ፈፃሚ ባይቶና ነዚ ጉዳይ ናይ ምርኣይ ስልጣን ኣለዎ ድዩ የብሉን'' ዝብል ጭብጢ እንትምርመር ሕገደንቢ ውድብና ኣብ ዝህቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ፈፃሚት ስራሕ ኣብ ዝብልን ኣብ ዓንቀፅ 39 /1-7/ ኣብ ዝተቐመጠ ነዚ ፈፂምዎ ዘሎ ውሳነ ዘፈፅም ስልጣን ኣይተውሃቦን።

2) ''ኣቶ ኪዳነ ኣመነ ናይ ምክልኻል መሰሎም ተሓልዩ ድዩ ኣይተሓለወለወሉን'' ዝብልን ''ብስሩ ኸ ክሕለወሉ ይግባእ ዶ ኣይግባእን'' ዝብል ወሳኒ ጭብጢ ተመርሚሩ እዩ። ብውፅኢቱ ድማ፣ ኣይተ ኪዳነ ኣብዙ ጉዳይ ክሲ ቀሪብሉ፣ መልሱ ሂቡ፣ ተመስኪርዎ፣ ንሱ እውን ናይ ምክልኻል መሰሉ ተሓልይሉ ድዩ ንዝብል እንትንምርምር ንከዓ ኣብዚ ደንቢ ዓንቀፅ 11/7 ብዝድንግጎ መሰረት ሙሉእ ናይ ምክልኻል መሰል ዝሃቦም እንትኾን እዚ ውሳነ ግና ነዙይ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን።

3) እዚ ፈፃሚት ስራሕ ስነ ስርዓት ተኸቲሉ ዶ ርእይዎ ኣይረኣዮን ንዝብል ከዓ ካብቲ ውሳነ ከም ዝተገንዘብናዮ እቶም ዝተቐመጡ ጥፍኣታት መዓዝ ከም ዝተፈፀሙ፣ ከመይ ከም ዝተፈፀሙ፣ ምፍፃሞም ብኸመይ ከም ዝተረጋገፀ ዘመላኽት ዝኾነ ነገር የለን።

ብመሰረቱ ኣቶ ኪዳነ ነዚ ዝተኸሰስሉ ጥፍኣት ተሓታቲ ድዮም ኣይኮኑን?

ንዝብል ጭብጢ እንትንምርምር ከዓ ሓደ ጥፍኣት ተፈፂሙዶ ኣይተፈፀመን ኢልካ ንምድምዳም ስርዓት ተኸቲሉ ክፃረ ግድን ይኸውን ።

ስለ ዝኾነ እውን ካብ 1-3 ዝተዘርዘሩ ጭብጥታትን ስልጣን ብዘለዎ ኣካል ስለ ዘይተርኣየ፣ተኸሳሲ ክሶም ንኽከላኸሉ ዕድል ስለ ዘይተውሃቦን ስነስርዓት ተኸቲሉ ግልፂ ምርመራ ስለ ዘይተኻየድሉን ኣይተ ኪዳነ ንዙይ ዝተጠርጠርሉ ገበን ፈፂመምዎ ኣይፈፀምዎን ኢልካ ንምድምዳም ኣይተኽኣለን። ስለ ዝኾነ ዝሃብኩምዎ ውሳነ ሕገ ደንቢ ናይ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ዝጠሓሰ ስለ ዝኾነ እዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ሂብና ኣለና።

5) ው ሳ ነ

1) እዙ ኣብ ልዕሊ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ዝተውሃበ ውሳነ ሕገ ደንቢ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ተኸቲሉ ዝተውሃበ ብዘይምዃኑ ተሰሪዙ ኣሎ ።

2) እቲ ብቑፅሪ ብ/ባ/ዓ/ት/ 1691 ዕለት 22/09/2014 ዓም ኣብ ልዕሊ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ዝተመሓላለፈ እግድ ተላዒሉ ኣሎ።

3) ብቑፅሪ ብ/ባ/ዓ/ት 1711 ዕለት 30/10/2014 ኣቶ ኪዳነ ኣመነ ካብ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ንኽለዓል ዝተመሓላለፈ ውሳነ ኣግባብ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣባል ኮይኖም ክቕፅሉ ተወሱሲኑ ኣሎ።

4) ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ነዚ ሕገ ደንቢ ብምጥሓስ ዝፈፀምዎ ጥፍኣት ኣሎ እዩ ኢሉ ዝኣምን ዝኾነ ኣካል ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ክሲ ናይ ምቕራብ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ፅፉፍ ሕጋዊ መስርሕ ብምስፋን ውሽጣዊ ዴሞክራሲ ነብርኽ!!

ዮሴፍ ኃይለስላሴ ኣርኣያ
ኣቦ ወንበር
ቑፅፅር ኮሚሽን / ተርጓሚ ሕጊ/
ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)