INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

እሞ ቖርበት ረኺሱ ዲኹም ትብሉ ዘለኹም? እቲ ንደርግን ካሳ ደበስን ዘባእሰ?

ሽላ ዝኾነ መንግስቲ!
ሓደ እዋን፣ ካሳ ደበስ ከምዚ ሎሚ ኣውደኣመት ቅዱስ ዮሃንስ ኮይኑ በጊዕ ሓሪዶም፣ ኣብ ገዝኦም ይብላዕ፣ ይስተ። ኣብ መንጎ እዚ 2 ኣብዮት ጥበቃ ጎተት እናበሉ መጽዮም ናይ እንዳ ኣቦይ ካሳ ካንሸሎ ይኹሕኹሑ። ይኸፈት።
“ንኣቦይ ካሳ ጸውዕልና። ተሎ በሊ፣ ቀበሌ ይደልዩኹም ኣለው በሊዮም..”
ካሳ ደበስ፣ ተጸዊዖም ናብ ካንሸሎ ይቕልቀሉ።
“እትውታይዶ ላብ ገዛ፣ ታይ ደኣ ኣብ ደገ፣ ኣውደኣመት ምድሪ..”
“ደሓን ኣቶ ካሳ፣ ንሃፅፅ ኣለና እሞ፣ ቆርበት ክንወስድ ኢና መጺና...”
“ናመን ቆርበት?”
“ኣይሰምዑን እንድዮም? ናኣውዳመት ቆርበት ንናታገር ጥሪ ሃቡ ኢሉ መንግስቲ ኣዊጁ እኮ እዩ..”
“ኣዋጅ እንትእወጅስ የሰማዕኹይ ዋ፣ ቆርበት ግን የህቢ. ይደልዮ እየ...”
“ናይ መንግስቲ ትእዛዝ እኮ እዩ፣ ከምኡ ዶ ይበሃል እዩ...”
“ወይ ለይ፣ እወ ይበሃል፣ ንሳኽትኩም ኳ ናማትኩም ሃባ እላበልኩምስ፣ ኣነ ናባዕለይ የህቢ ምባል ክኣብየኒ ማለት ዲዩ?”
“ኣቶ ካሳ ንበይንኹም ዝመጸ እኮ ኣይኮነን፣ ንኹሉ እዩ...”
“እሞ ኣነ ናኻልእ የፈልጢ፣ ናየይ ግን እቲ በጊዕ ልዓደግክዎ ኮላይ ቆርበቱ እዩ፣ ልሓረድኩዎለ፣ ቆርበት ቁርብ ገንዘብ ክሕግዘኒ እዩ ኢለ እየ። ስለዚ ካሳ ኣብዩና በልዎም ልቶም ኣሕሉቑቱኹም...”
“ኣቶ ካሳ፣ ኣውዳመት ምድሪ ሽግር ኣይትጸውዑ ናብ ገዛኹም። ንሕና ቆርበት ተይሓዝና ኣይንኸድን። እንተዘየለ ኣሲርና ክንወስደኩም ኢና...”
“መን እዩ ልኣስረኒ ብገዛ ቆርበተይ፥ ኣይህቢለ ኣይእሰሪለ፣...”
ኣብዮት ጥበቃ ድሕር ድሕር ኢሎም፣ ቂም ሕርሙ ኣቀባቢሎም፣ “ሕለፉ!” ምስ በልዎም ካስሽ ነታ ኹነታት መዚነምዋ። ከምዘይተዋጽእ ምስ ረኣዩ...
“ው ሰ ድ! ሽላ ልኾነ መንግስቲ፣ ልራኣያ ኹላ ምምንጣል! ቆርበትኳ ለይሓድግ! ጉድ መጽዩና!”
--- ካብ ወግዕታት ካሳ ደበስ