INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ቅሉዕ ለወባ ንማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣመሪካ (ማተሰኣ) ኣመራርሓን ኣባላትን !

ካብ Waka Berhane

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕንግድኡ ተጻዒኑ ዝነበረ ብሄራዊን ደርባዊን ወጽዓ ከራግፍ ኣብ ዘካየዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ ማሕበሩ ኣጠናኺሩ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ንዝሓለፉ 48 ዓመታት ብጽንዓት እንዳተቃለሰ ዝመጸ ሲቪል ፖለቲካዊ ማሕበር እዩ።

■ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ብማሕበሩ ኣቢሉ ኣካል ህወሓት ኮይኑ ካብ ሓደ ሓፋሽ ማሕበር ዝግበር ትጽቢት ዘበለ ኹሉ ፈጺሙ ስርዓት ደርግ ሓደሽደሽ ኢሉ ክወድቅ እጃሙ ኣበርኪቱ።

■ ድሕሪ ስዕረት ደርግን ምጽዳቕ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ብማሕበሩ ኣቢሉ ምስ ህወሓት ዝነበሮ ምትእስሳር ኣቋሪጹ፣ ነጻ ሲብል ማሕበር ኮይኑ ኣብ ናይ ልምዓትን ዲሞክራሲያዊን ህንጸትን ዝነበሩ ዓመታት እጃሙ ኣወፍዩ።

■ ማተሰኣ ኣብ ፕሮግራሙ መሰል ዓርሰውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ይረጋገጽ ዝብል ፖለቲካዊ ቅዋም ሒዙ መሰል ትግራዋይ ክረጋገጽ ዓቕሙ ዝፈቀደሉ እንዳገበረ ከምዝመጸ'ውን ይፍለጥ። እንተኾነ ኣይሰመረን፣ እኳ ዳኣስ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክጸንት ምስ ዝፈረደትሉ ሃገር (ኢትዮጵያ) እዩ ጸኒሑ።

■ እታ ማዕርነታዊ ሓድነት ትግራዋይ ክተረጋግጽ ተባሃለት ሃገር (ኢትዮጵያ) ናይ ውሽጥን ናይ ደገን፣ ናይ ርሑቑን ቀረባን መላፍንቲ ኣኻኺባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምጽናት genocide ኣውጃ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ገጢምዎ ዘይፈልጥ ህልቀት ተፈጾምዎ ይፍጸሞ'ውን ኣሎ።

■ ህዝቢ ትግራይ ካብ ማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብርሰትን ህልቂትን እዩ ረኺቡ። ክባር ዋጋ ከፊሉ ዝሃንጾ ፌደራላዊ ስርዓት ንጥፍኣት ህዝቢ ትግራይ እዩ ኣገልጊሉ። ብመንነቱ ትቀትሎ ኢትዮጵያ ንትግራዋይ ገሃነም እምበር ተረጋገአ ሂወት ዝመርሐላ ዓዲ ክትኮን ኣይከኣለትን።

ስለዝኾነ ማተሰኣ መበል 48 ዓመት ጉባኤኡ ኣብ ውሽጢ July, 2022 ኣብ ግዝኣት Maryland ዝኾነት ኣብ ከተማ Baltimore ከካይድ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ።

■ ስለዚ ማተሰኣ ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ ሒዝዎ ዝመጸ መሰል ዓርሰውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ይረጋገጽ ዝብል ፖለቲካዊ ቅዋም ብጭቡጥ እንትረአ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክንደየናይ ጸገም እእቲውዎ ከምዘሎ ሓሰስ ኢልካ ትረኽቦ ጥረ ሓቂ እዩ።

■ እዝ ሓቂ እዙይ መበገሲ ብምግባር ማተሰኣ እንዳተቃለሰሉ ዝመጸ ፖለቲካዊ ቅዋም ዳገም ክፍትሾን ክሪኦን ኣብ ዝግደደሉ ሃዋህው ይርከብ። ስለዚ ማተሰኣ ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ ብዕምቆት መርሚሩን ተመያይጡን ዘላቒ ፍታሕ ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግጽ ውሳነ ክውስን ትጽቢት ይግበረሉ።

■ ማተሰኣ ኣብ ፖለቲካ ፕሮግራሙ ኣንቢርዎ ዝመጸ ማለት መጻኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ብማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ይረጋገጽ ዝብል ቅዋም ንሓንሳእን ንሓዋሩን ኣልጊሱ፣ ህዝቢ ትግራይ መጻኢ ዕድሉ ብመስርሕ ሪፈረንደም ጎይታ ርዕሳ ዝኮነት ሃገረ ትግራይ ይምስርት ብዝብል ፖለቲካ ቅዋም ክትክእ ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ማተሰኣ ዝሓዞ ፖለቲካ ቅዋም ምስትኽኻል ጥራሕ ዘይኮነ ንምስረታ ሃገረ ትግራይ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ከምዝቃለስ ብጽኑዕ ወሲኑ ክወጽእ ከም ነባር ኣባልን ኣመራርሓን ማተሰኣ ለወባይ የቅርብ።

ብተወሳኺ

ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ውዳበታት ትግራይ ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራት፣ ናይ ኮሚኒቲ ውዳበታት፣ ናይ ሞያ ማሕበራትን ኣበይቲ ሚድያ ዝወነንኩም ኣካላትን ብውዳበኹምን ብትካልኩምን ኣቢልኩም መጻኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ብመስርሕ ሪፈረንደም ሃገረ ትግራይ ይምስረት ዝብል ቅዋም ብምሓዝ ንህዝቢን መንግስቲ ትግራይን ኣፍልጡ።

ማተሰኣ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ንምስረታ ሃገረ ትግራይ ይቃለስ !

ዕውት ጉባኤ ክኾነልኩም እምነ !