ቀፃላይ ዕድል ትግራይን ትግራዋይነትን
(ክፋል ዓሰርተ ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ)
11.4. ንፁር ስትራቴጂ ንምምዕባል ንፁር ሃፍተ ገነት ትግራይ (ካብ ሕሉፍ ዝቐፀለ)
ሻምናይ ዓንዲ ወይ ስትራቴጂ ኢኮኖሚ ትግራይ:- ምግፋሕ ንኸባቢ ዝጥዕም ብሉፅ ቴክኖሎጂ (Localization of Smart Technologies) … ፋብሪካ / ኣውሮፕላን / መኪና / ትራክተር / ወዘተ ማለት ብስርዓት ዝተኣሳሰረ መለዋወጢ ኣቑሑ ማለት እዩ ዝብል ሓቂ ወሲድና እቲ ስርዓት ናይ ዲዛይን ዓቕሚ (design capability) እቲ መለዋወጢ ኣቑሑ ድማ ናይ ምሕጏድ ዓቕሚ (fabrication capability) ምጥራይ ምኹዋኑ ንርዳእ:: ምግፋሕ ንኸባቢ ዝጥዕም ብሉፅ ቴክኖሎጂ'ውን ዓቕምታት ዲዛይንን ምሕጏድን ብምድንፋዕ ክነጥርዮ ንኽእል ኣዙዩ ኣገዳሲ ሻምናይ ዓንዲ ጌርና ክንወስዶ ንኽእል ይመስለኒ::
ንኣብነት ኣብ ኣኹሱም ኣፍሪካን ጅወለሪ ፍሪ ዞን (African Jewelry Free Zone) ዝብል ማእኸል ተጣይሽና ብቐንዱ ወዲ ዓዲ ክእለትን ፍልጠትን ኣኹሱማውያን ብቐሊሉ ክንጥቀም ንኽእል ... ካብ ከርሰ ምድሪ ትግራይ ዝወፅእ ንኢንዱስትሪ ዝኾን እምኒ እናጣሓና ... ንስነ ህንፃ ዝኾን ማኣዝናዊ ኣእማን (dimensional stones) እናፀረብና ... ንስነ ውበት ዝኾን ምሩፅ እምኒ (gemstones) እናፋሕፋሕና ... መዐቀኒ ሃፍቲ ዝኾነ ወርቂን ብሩርን እናምከኽናን እናጏእጏእናን ናብ ናይ ዓለም ዕዳጋ ብምቕራብ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ክንረክብን ተመሳሰልቲ ማእኸላት ኣብ መላእ ትግራይ ምግፋሕ ይክኣል:: እዚ ምስ ኣኹሱም ዩኒቨርሲቲ ብምትሕሓዝ ንትግራይን ንኣፍሪካን ዝኣክል ቀረብ ሓይሊሰብ ምፍጣር ይክኣል ... ብሰማይና ጌሩ ናብ ዓለም ዝሕምበብ ማኣድናት ኣፍሪካ'ውን ኣብ ኣህጉሩ ኣብ ኣኹሱም ክራገፍ ምግባር ይክኣል ወዘተ ወዘተ ...
ታሽዓይ ዓንዲ ድማ ስማርት ገረብ ከባቢ ዝምልከት እዩ:: ሓደ ህፃን ክውለድ ከሎ ሸውዓተ ተኽሊ ክትከለሉ ዝገብር ፖሊሲ ምትእትታው (Seven Trees per Child Policy) … እቲ ዝትከል ተኽሊ ዝህቦ ረብሓ ካብ ናብ ሓዊ ዝሳወር ዕንጨቲ ዝዛየደ ምኹዋኑ ምርግጋፅ የድሊ ( the value of 7 TPC must be greater than wood-fire) መንታን ተተኽሊ ንነብሳ ካብ ናብ ሓዊ ምሩቑራቕ ክተድሕን:: ስለዚ ንቲ ስነ ምህዳር ኣብ ግምት ዘእተወ ወይ ማንጎ ወይ ጌሾ ወይ ቡና ወይ ወይኒ ወዘተ ክኾን ኣለዎ እቲ ዝምረፅ ተኽሊ ማለት እዩ:: እዚ ብዝሕ ዝበለ ሓምለዋይ ስራሕ ዕድል green job) ዝፈጥር ስትራቴጂ እዩ ኣብ ልዕሊ ዝህቦ ናይ ሓመድን ማይን ዕቀባን ካልእ ኢኮኖሚያዊ ረብሓን::
መንግስቲ ከምዚ ዝበለ መደብ ዝተኣናገደሉ መትከሊ ስፍራን ዘርእን የዳሉ ... ወላዲ ተኺሉ ንቐበሌ ምምሕዳር የረክብ ... ቐበሌ ምምሕዳር 50 ተኽሊ ንሓደ መንእሰይ ክሓፅር ማይ ከስቲ ተሓሪራ ክትክኣ ውዕሊ ኣእቲዩ የረክብ ... ዘይመንግስታዊ ትካላት (ማልት ማረት ... ሰንቪላ ፋውንዴሽን) ብወርሒ ን50 ተኽሊ 100 ዶላር እናኸፈሉ 100% ዝፀድቕ መደብ ተኽሊ ምትካል የሰላስሉ:: መራሕቲ ሃይማኖት ተኽሊ ዘይተተኽለሉ ህፃን ኣይነጠምቕን ኣይንባርኽን ይብሉን የምህሩን::
እቲ ተኽሊ ምስባፀሐ ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ከም መነባብሮኦም ተዓዲልዎም ናይ ፕሮሰሲንግን ፖኬጅንግን ቴክኖሎጂ ኣተኣታትዮም ኣካል እቲ ዕዳጋ ናይ ስማርት ቪሌጅ ክኾኑ ይግበር::
ናይ ፈልሲ ማእኸላት'ውን ካብ ግብርና ወፂኡ ንመናእሰይ ክዕደል ጌርካ ኣካል እቲ ሓምለዋይ ናይ ስራሕ ዕድል ክኾን ይግበር:: ዝተሸጠ ፈልሲ ይሽየጥ ዘይተሸጠ ድማ ኣብ ከባቢ እቲ መፍለሲ ቦታ ምዕሩይ ናይ ቦታኒክ ጋርደን (botanical garden) ብምትእትታው ናይ በፃሕቲ መንፈስ ዘሀድስ ስፍራ ጌርካ ፍሪኡ'ውን ዝሽየጥ ፅላሉ'ውን ዝሽየጥ ፍልፍል እቶት ምግባር ይክኣል::
ንሎሚ እዚ ይኣክል የቐንየለይ:: ኣብ ቀፃሊ ድማ ክልተ ቁልፊ ዓንድታት ማለት ጉዳይ ፋይናንስን ሰብ ሓይልን ክንርኢ ኢና::
Girmay Yihdego
|