INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ውሕስና ቀረብ ማይ ሕርሻ፣ ፕሮጀክት ሞትን ሕየትን ትግራይ

ውሕስና ቀረብ ማይ ሕርሻ፣ ፕሮጀክት ሞትን ሕየትን ትግራይ። ህይወት ትግራይ ክቕየር እንተኾይኑ ህይወት ገባር ክቕየር ኣለዎ። ህይወት ገባር ክቕየር እንተኾይኑ ድማ ቀረብ ማይ ሕርሻ ክፍታሕ ኣለዎ። ውሕስና ዓመት ዘፅንሕ ቀረብ ማይ ሕርሻ የለን ማለት ውሕስና መግቢ የለን ማለት እዩ። ሰብ ክነብር ይበልዕ እምበር እንሰሳ ይመስል ክበልዕ ክነብር የብሉን። ህዝብና ግዳይ ሕመቕና ኾይኑ ከም ሃገሩ ርእሲ፣ ኢድን እግርን ሒዙ ተፈጥራዊ መሰሉ እስካብ ዝመስሎ መዋእሉ ምፅዋት ክፅበ ምርኣይ ናይ ውርደት ውርደት እዩ። ስለዝኾነ’ውን ፀገም ቀረብ ማይ ሕርሻ ትግራይ ግድን ክፍታሕ ኣለዎ። ዘይፀረየ ጉዑሽ ሓሳብ።

1 - መጠን ዝናብ ማይ ትግራይ

መረዳእታ Data Africa ከም ዝሕብሮ ካብ 1990 እስካብ 2015 GC ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ትግራይ ዓመታዊ ማእኸላይ 587mm ወይ ድማ ከባቢ 30 ቢልዮን ኲቢክ ሜትር ዝናብ ማይ ዓመታዊ ከም እትረክብ የመላኽት። ካብ ካልእ ከባቢ ዓመታዊ ማይ ሒዞም ዝመፁ ዋሓዝቲ ሩባታትን ዘመናት ዝተጠራቐመ ማይ ከርሰ ምድርን እንትሕወሶን 60/70 ሚኢታዊ ብኽነት ማይ ከድሕን ዝኽእልን እስካብ 90 ሚኢታዊ ፍርያት ክውስኽ ዝኽእልን ሜላ Drip Irrigation ክነተኣታቱ እንተኺኢልናን ፀገም ልምዓትን ምሕደራን ሃፍቲ ማይ ተዘይኮይኑ፣ ሕፅረት ማይ፣ ፀገም ትግራይ ዘይምዃኑ ግልፂ እዩ። ከመይ ይልማዕ?

2 - መሰረታዊ ልምዓት ማይ ሃፍቲ ትግራይ

መሰረታዊ ልምዓት ማይ ሃፍቲ ትግራይ ማለት እንተነኣሰ ትግራይ ዓመታዊ እትረኽቦ ዝናብ ብዝኾነ ተፋሰስ ካብ ትግራይ ከይወፅእን ብትነት ከይጠፍእን ኣብ ልዕሊ ይኹን ትሕቲ መሬት ትግራይ ምዕቃብ ምኽኣል ማለት እዩ። ይኹን እምበር ልምዓት ሃፍቲ ማይ፣ ብሕልፊ ዉሑድን ፅርየቱ ዘየተኣማምንን መረዳእታ ሒዝካ ዝግበር ህንፀት ዓበይቲ፣ ማእኸለዎትን ኣናእሽቱን ግድባት፣ ሰፋሕቲ ፅንዓት ባህርያት ተፋሰስ፣ ፅንዓት ብኽነት ስርገት፣ ደለልን ትነትን፣ ፅንዓት ዝወስዶ ተሓራሲ መሬትን ዝፈናቐል ህዝብን፣ ትሕዝቶ ሓመድ፣ ፀባይ ኣየርን ክለምዕ ዝኽእል መሬትን ሓዊሱ ተዛማዲ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት መስኖን ተበፃሕነቱን፣ ፅንዓት ምሕዋይ ከባቢ፣ ልዑል ዓቕሚ ዲዛይን፣ ኮንስትራክሽንን ምሕደራ ማይን ሓዊሱ ዝጠልቦ ብቢልዮናት ዝግመት በጀትን ዝወስዶ ነዊሕ ጊዜን ገዚፍ ምስ ምኳኑ ገዚፍ ሃፍቲ ብሽኮላ ከይባኽን ሰፋሕቲ ፅንዓታትን ትንተናን የድልዮ ጥራይ ዘይኮነስ ልምዓትን ምሕደራን ማይ ሃፍቲ ትግራይ ብብቕዓት ክንመርሕ ብዘኽእለና ብርኪ ምትዕርራይ ከም ዘድልየና ግልፂ እዩ። ሰፋሕቲ መፅናዕትን ገዚፍ በጀትን ዝጠልቡ ስራሕቲ ልምዓት ማይ እስካብ ዘርክቡልናን መቐፀልታ ህዝቢ እናሰርሖም ዝመፁ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ማይ ከም ዘለዉ ኾይኖም ኣብ ሓፂር ጊዜ ታይ ዓይነት ለዋጣይ ስራሕ ልምዓት ማይ ምስራሕ ይከኣል?

3 - ነጥቢ መቐይሮ ዓቕሚ ሓንቲ ዓሟቕ ጉድጓድ ማይ

ዝርዝር በብከባቢኡ ዝርከብ ፀጋ ማይ ከርሰ ምድሪ ብሰብ ሙያ ዝፍተሽ ኮይኑ፣ ዳርጋ ኩሉ ከባቢ ትግራይ መንገዲ ክንሰርሕ እንኹዕቶም እነበሩ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ማይ ግን እንተነኣሰ ካብ 4 እስካብ 8 ሊትሮ ብሰከንድ ይርከቦም ነይሩ። ከባቢ ራያን ሑመራን ድማ ብቐሊሉ ካብ 10 እስካብ 20 ሊትሮ ብሰከንድ ክርከብ ከም ዝኽእል ስራሕቲ ሕርሻ መስኖ ይሰርሑ ካብ ዝነበሩ ሰብ ሃፍቲ ምርዳእ ይከኣል። Worst-Case Scenario 5 ሊትሮ ማይ ብሰከንድ እትህብን ኣብ መዓልቲ 8 ሰዓት ጥራይ እትሰርሕን 100 ስድራ ሕድ ሕዶም 5 ሰብ፣ 2 ብዕራይ፣ 2 ኣላሕም፣ 10 ጠለ በጊዕን 100 ደርሆን ዘለዎም ዝጥቀሙላ ዓቕሚ ሓንቲ ማይ ጉድጓ ወሲድና ብዝርዝር ንርአ፥

* መዓልታዊ ምህርቲ ማይ = 5x3600x8 = 144,000 ሊትሮ
* መዓልታዊ ሰብ ዝደልዮ ማይ = 100x5x20 = 10,000 ሊትሮ
* መዓልታዊ መስተ ማይ ከፍቲ = 100x4x30 = 12,000 ሊትሮ
* መዓልታዊ መስተ ማይ ጠለ በጊዕ = 100x10x5 = 5,000 ሊትሮ
* መዓልታዊ መስተ ማይ ደርሆ = 100x100x0.5 = 5,000 ሊትሮ
* ተረፍ ሰሙናዊ ምህርቲ ማይ = 112,000x7 = 784,000 ሊትሮ
* ክህልወና ዝኽእል ገንኢ ፍርያት ዓሳ = 30m x 20m x 1.3m
* ካብ መፍረ ዓሳ በብሰሙኑ ብዝቕየር ማይ እስካብ 3 ሄክታር ዕፉን ዝመሰሉ መግቢ ሰብን እንሰሳን ክነፍሪ የኽእለና
* Thumb Rule: Fish pond water is recommended to change every week and a typical standard dimension of a concrete fish pond habitable by one thousand cat fishes is 3m by 2.5m by 1.4m. Moreover, please note that catfish can be harvested twice a year and corn farming needs about 1 inch of water a week for about three months.

4 - ፕሮጀክት ሓንቲ ዓሟቕ ጉድጓድ ማይ ልዓሰርተ ስድራ ኣብ ዝቕፅላ ዓሰርተ ዓመት

ኣብ ዝቕፅላ ዓሰርተ ዓመት፣ ትግራይ፣ 1 ሚልየን ሄክታር እናሓረሰ ዝርከብ 1 ሚልዮን ስድራ ልዕል ኢሉ ከም ዝተገለፀ 100 ስድራ ብሓባር እናተጠቐመለን ብቐሊሉ በሊዑ ክሓድር እንተኾይኑ 10,000 ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ማይ የድልየኦ። ምህርቱ 10 ዕፅፊ ዐዕብዩ ሰደድ ክሰርሕ እንተኾይኑ ግን 1 ዓሟቕ ጉድጓድ ማይ ል10 ስድራ ጥራይ ክትኾን ስለዝግበኣ ብደረጃ ክልሰ ሓሳብ 100,000 ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ማይ የድልየኦ ማለት እዩ። ሕሉፍ ተሞክሮና ዘምሀረና ፅንዓትን ሞቢላይዘሽንን ሓዊሱ ሓንቲ ካብ 100 እስካብ 300 ሜትሮ ጥልቀት እትዂዕት water well drilling ማሽን እንተነኣሰ ዓመታዊ 10 ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ክትኹዕት ከም እትኽእል እዩ። ዓይነተን ግልጋሎተንን ስለዝፈላለ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ትግራይ ብብቕዓት ክተገልግል እትኽእል ዋጋ ሓንቲ ማሽን ድማ ካብ 200,000 እስካብ 500,000 ዶላር ይግመት። ስለዝኾነውን ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት፥

* በሊዕና ክንሓድር። ብሕድ ሕድ ወረዳ ሓንቲ ማሽን ተሓሳቢ ዝገበረ ማለትውን ጠቕላላ ዋገአን ማእኸላይ ከባቢ 30 ሚልዮን ዶላር ዝኾና 100 ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ማይ መኹዐቲ ማሽን የድልያና ማለት እዩ።
* ልዕሊ ከብድና ሰደድ ክንሓስብ። ብሕድ ሕድ ቀበሌ ሓንቲ ማሽን ተሓሳቢ ዝገበረ ማለትውን ጠቕላላ ዋገአን ብማእኸላይ ከባቢ 300 ሚልዮን ዶላር ዝኾና 1000 ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ማይ መኹዐቲ ማሽን የድልያና ማለት እዩ።
5 - ፋይናንስ ካበይ ክርከብ ይኽእል?

ቅድሚ ኹሉ ውሕስና ቀረብ ማይ ሕርሻ፣ ፕሮጀክት ሞትን ሕየትን ትግራይ ምዃኑ እንተረዳዲእና።

* ፕሮጀክት በሊዕኻ ምሕዳር። ሕድ ሕድ ወረዳ እትደልያ ሓንቲ ማሽን ተወላድቲ ሕድ ሕድ ወረዳ ብሕብረት ገዚኦም ወረደኦም ሓራ ከውፅኡ ፈታኒ እዩ ዝብል እምነት የብለይን።
* ፕሮጀክት ሰደድ። ሕድ ሕድ ቀበሌ እትደልያ ሓንቲ ማሽን ልምቕራብ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይሃበና ናይ ሰለስተ ዓመት በጀት ምጥቃም፣ ምስ ዝበፅሐና ዕንወት ዘርኢ ምጥፋእ ተኣሳሲሩ ጥሉል ፕሮጀክት ዓለም ለኸ ሓገዝ እግሪ ምትካል ምቕራፅ፣ ትኲረት NGOs ምቕያር፣ ፍሉይ ልቓሕ ባንኪ ብዘለዎ ፖኬጅ ሰብ ሃፍቲ ብፍሉይ ኣብ ስራሕቲ ዃዕቲ ማይ ክዋፈሩ ምብርትታዕ።
No More Small Dreams - ትንሳኤ ትግራይ