INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኳታርን _ ትግራይን

ቅድሚ ጁን 2017 ኣኣ ኳታር 90% ቀረብ ምግቢ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣታዊ ትገብር ነይራ። ንኣብነት ካብ ስዑዲ ዓረብ ጥራሕ 400 ቶን ፃባን ርግኦን መዓለታዊ ተእቱ ነይራ።

5 ጁን 2017 ኣኣ ኣርባዕተ ሃገራት ዓረብ (ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢሜሬት፣ ባህሬንን ግብፅን) ኣሸበርቲ ትሕግዚ ኢኺ ኢለን ዕፅዋ ገይረናላ።

ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ኮታስ ኩሉ ዓይነት ርክብ ኣቋሪፀን። ኳታር ብመሬት ሙሉብሙሉእ ብዘይ ግብፂ በዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተኸበበት ያ።

ኳታር በዚ ዕፅዋ ልዕሊ 43 ቢልዮን ዶላር ክሳራ በፂሑዋ። ምምፃእ ኮረና ተሓዊሱዎ ኣዝዩ ሃስዩዋ ነይሩ። ካብ ጫፍ ሃፍትን ልዑል ማቻ ለለዎ ናብራን ናብ ጥሜት ከይትወርድ ስግኣት ዓሰለ።

ይኹን እምበር ኳታር እቲ ዕፅዋ ናብ ውሽጣ ክትርኢ ኣገዲዱዋ። ተገዲዳ ካብ ምባል ዕድል ሂቡዋ ምባል ይሐሽ። ካብ ደገ ኣታዊ እትገብሮም ነገራት ፈልያ ብምውፃ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክተፍርዮም፣ ኣለኒ ትብሎ ሙሁር ዓዳን ወፃእን ኣዋፈረት።

ክሳብ ሀምዚ ትገብር ናይ መከራ ጊዜ መሓዙታ ካብ ልኾና ሃገራት ጊዜዊ ስምምዕነት ብምፍርራም ጎዶሎታታ ሸፈነት።

ካብ ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ብምምፃእ ናይ ፃባን ውፅኢት ፃባን ድሌታታ ቀስብቐስ ኣማልአት። ስጋ፣ ኣትክልቲ፣ ኣሕምልትን ጥራጥረን ውን ከምኡ።

ኣብ ውሽጢ 1 - 3 ዓመታት ዓርሳ ክኢላ ነተን ኣብ ሕማቕ ጊዜ ልበፅሓላ መሓዙት ሃገራት ኣመስጊና ኸዚ ዓርሳ ክኢላ ሰደድ ውን ክትገብረሉ ናብ ትኽእል ደረጃ ትጓዓዝ ኣላ።

እቲ ዝበፀሓ ሃንደበታዊ ዕፅዋ ናብ ዘላቒ ረብሓ ቀይራ ዓለም ጉድ ኣቢላ።

ትግራይናኸ?

ቅድሚ 50ዓመት ሀመይ ነይራ ኸዝኸ ሀመይ ኒኣ ነፃ ወፅያ ልበሃልከ ሀመይ ልበለ እዩ? ለይሰርሕ መንግስቲ ተሃለየ ልሓትት ወለዶ ክህሊ ይግባህ ነዳጅ ስለ ለለዋ ሃፍቲማ ልብል ሰብ ኣይሰኣንይ ናይጀርያውን በዓልቲ ነዳጅ እያ ግን ድኻ እያ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ለሎ ሃፍቲ ተጠቒምና ሃገር ምቅያር ናይና ግደ እዩ መንግስቲ ክሰርሕ ንሓግዝ ንጎስጉስ ለየስርሕ መንግስቲ ተሃልዩለ ይእለ::

ትግራይ ሀም ኳታር ሃገር ብለይምዃናን ባሕሪ በሪ ብለይምውናናን እቲ ፀገም ከቢድ ዝገብሮ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ናይ ኳታር ናይ ቀረባ ጊዜ ተሞክሮ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና።

ኩሉ ትግራዋይ ብለይ ናይ ኣረኣእያ ኣፈላላይ ግባር ዓዲ ናይ ኩሉ ምግባር ጊዜ ዘይሓትት ዋኒን ዩ።

ዝተተሓሓዘ ምስሊ ኳታር ቅድሚ 42 ዓመትን ሀዚ ዘላቶን ዘርኢ እዩ

ንውሽጥና ንርአ...Digital Weyane ዲጂታል ወያነ