INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ፕሬዝደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ እዋናዊ ጉዳይ

Read from source

ፕሬዝደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ቅድሚ ምምላሶም ፈለማ ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን ዝተሳለጠ ሻምፕዮና ዓለም አትሌቲክስ ብኣትሌታት ደቂ ትግራይ ዝተመዝገበ ዓወት እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።ኣስዒቦም ድማ ከም ዝስዕብ ይብሉ።

~ እቲ ሕዚ ሰላም ዝብሃል ዘሎ ተገዲዲም እምበር ፈቲዮም ኣይኮነን ኣትዮሞ፣ ብሓይሊ ምስተደምሰሱ፣ ምስተጨፍለቑ እዮም ሰላም ኢሎም። ስለዚ እቲ ሰላም ዝብሃል ዘሎ ውፅኢት ቃልስና እዩ።

~ ካብ ባህሪ እቶም ፀላእቲ ብምብጋስ ተገዲዱ እናተሓሰየን እናተጎሰየን እምበር ብድሌት ኣይኮነን ናብ ሰላም ዘተ ናብ ምባል ኣትዩ ዘሎ። ሰላም ደልዩ ተዝኸውን ነይሩ ሰብኣዊ ደገፍ ዓንቀፍቀፍ አይምበለን ነይሩ። ህዝባዊ ግልጋሎት ብዘይ ዋዓል ሕደር ምዃኑ ከምኡ እውን ንባዕዳዊ ወራሪ ኣምባገነን ኢሳያስ አፈወርቂ ካብ መሬት ትግራይ ውፃእ ምበለ ነይሩ።

~ቅድሚ ናብ ዘተ ምእታውና ክስርሑ ዝግበኦም ነገራት ይሰርሑ። ስለዚ ነዚኣተን መልሲ ይሃብ ኢና ኢልና።

~ ምዕራብ ትግራይ ኣረክበና ኢና ንብል ዘለና ህዝባዊ ግልጋሎት ይከፈት ኢና ንብል ዘለና ቅድሚ ኹሉ ፖለቲካ ዘየድልዮም ነገራት ይሰርሑ ኢና ንብል ዘለና።

~ ዕድል ናይ ሰላም እንተሃልዮ ከም መንግስቲ ንጠቐመሉ ኢና ኢልና።

~ ናይ ኩሉ ጉዳይ መበገሲና ረብሓ ህዝቢ ትግራይ እዩ። መርአይ መነፀርና ረብሓ ህዝቢ ትግራይ እዩ።

~ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ኣይፈትሕን።ነዚ እውን መልሲ ኣለና እዩ።

~ እቲ ናይ ሃገር ዝብሃል ሰራዊት ናትና ኣይኮነን።

~ ቐፃሊ ጉዕዞ ህዝቢ ትግራይ ብህዝቢ እዩ ዝውሰን ።

~ እቲ ዝተቐመጠ ቅድመ ኹነት ድሌት ህዝቢ ትግራይ መሰረት ዝገበረ እዩ።

~ እቲ ዘተ ሰላም ዝብሃል መእሰሪኡ ውዕል እዩ።ኣብ ሚዲያ ወፂእኻ ብምዝራብ ዝውዳእ ኣይኮነን።

~ ሰብኣዊ ደገፍ ብዝምልከት እቲ ሳልሳይ ዙር ዝብሃል ኣትዩ ኣሎ። እቲ ሓገዝ ነቲ ተሓጋዛይ ህዝብና ናይ ሓደ ወርሒ ቀለብ እያ።ስለዚ እኹል ሓገዝ ኣይኣተወን። ኣብ ሽዱሽተ ሰሙን ክኣትው ዝግቦኦ እዩ ኣብ 10 ወርሒ ኣትዩ ዘሎ።

~ ዕፅዋን ክባን ፀላኢ ከም ስትራቴጂ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፣ ጥይት ዘይብሉ ኩናት እዩ ዝገብር ዘሎ፣ ኩናት ብዘይ ጥይት ይቕፅል እዩ ዘሎ።

~ ልዕሊ 70 ቢልየን ናይ ህዝቢ ትግራይ ገንዘብ ኣብ ባንክታት ዝነበረ የለን፣ ኣብ ማእኸል ዓዲ እዩ ዘሎ። ትግራይ ናይ ባዕላ ገንዘብ ኣለዋ እዩ ምሳና ስለዘየለ ኢና ባንኪ ይከፈት ንብል ዘለና።

~ ብተቓወምቲ ውድባት ዝተፈፀመ ተግባር ንመኸተ ዘይጠቅም እዩ።

~ እቲ ከይዲ ዘተ ቤት ምኽሪ ትግራይ እዩ ዝውስኖ፣ ውድባት እውን ሓሳባት ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።

~ ብድምፂ ህዝቢ ዝተመረፀን ደም ዝተኸፈለሉ መንግስቲ ኣሎ እዩ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!
ትግራይ ትስዕር!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
19 ሓምለ 2014 ዓ.ም
መቐለ