INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብምኽንያት እቲ ፋሺሽታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ተዓፊኖም ዝርከቡ ፓትርያርክ

ብምኽንያት እቲ ፋሺሽታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ተዓፊኖም ዝርከቡ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ማቲያስ፡ ጄኖሳይድ ትግራይ ኮኒኖም ዘሕለፉዎ መልእኽቲ ስዒቡ፡ ካብቶም ፈፀምቲ ገበን ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ዝኾኑ ሓይልታት፡ ሰፊሕ ወፍሪ ተቓውሞ ከም ኣጋጢሙዎም ተባሂሉ።

ዋሺንግተን ዲሲ:11 መጋቢት 2014 ዓ/ም (TMH)

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፅም ዘሎን ብጥሜትን ብጥይትን ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፅናት ወፍሪ ከይዛረቡ ኣብ ዙርያ ልኡኻት እቲ ስርዓት ተሓፂሮም ዝቕንዘዉ ዘለዉ እዞም ወላዲ፡ በታ ዝረኸቡዋ ፀባብ ዕድል ነቲ ኣብ ልዕሊ ዝህቦም ዝበፅሕ ዘሎ በደል ብድፍረት ምቅልሖም፡ ኣብ ልዕሊ ፀላእቲ ምድንጋፅ ምፍጣሩ ተሓቢሩ።

ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ማቲያስ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ መጽዩ ዝበሃል ሓዱሽ ለውጡ ስዒቡ ‘’ዘለዎም ስራሕ ሓላፍነትን ቦታ’’ ተጠቒሞም ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ምእመናንን መላእ ሃገርን ዘጋጥም ዘሎ ዕንወትን ህልቂትን ከይዛረቡ ዝተዓፈኑ እንተኾኑኳ፣ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሕ ዘሎ በደል ኣብ ዘቃልሑለን ዕድላት ግዳይ ወፍሪ ፀለመን ምጥፋእ ሽምን እናኾኑ ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።

በዓል ዳኒኤል ክብረት ዝመርሑዎ ማሕበረ ቅዱሳን ይኹን ኦርቶዶክስ ቤ/ክርስያን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ኣብያተ ክርስትያናትን ትግራይ ዕንወትን ጉሕለትን እንትፍፅሙ፡እዞም ክቡር ኣቦ ብኣፎም ተዓቢሶም ንውሽቲ ክነብዑ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ነተን ፀበብቲ ዕድላት ኣብ ዝረኸቡሉ ኣጋጣሚ ግና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተኣውጁ ዘሎ ጄኖሳይድ ብድፍረት ክኹንኑ ዝተሰምዑ ኮይኖም፣ እቶም ደመኛታት ፀላኣቲ ግና ከንፈሮም ካብ ምንካስ ኣይተቖጠቡን።

ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ማቲያስ፡ ነቲ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተጋሩ ዝተፈፀመ ፍፁም ኣረመኔነት ዝተመልኦ ኣቀታትላ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስምዕዎ ድምፂ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ‘’ዘርኢ ምፅናት ከም ዝተፈፀመ’’ ካብ ምቅልሖም ብተወሳኺ ‘’እቲ ኲናት ምስ ፈጣሪ’’ ትግራዋይ ብምኽንያት መንነቱ ይጥቃዕ ከም ዘሎ ዝሓበሩ ኮይኖም፡ ‘’ንተጋሩ ጥራይ መሪፆም ዝሕለቑ፡ ጁንታ፡ ዘረኛ፡ ዝብሉን ካልኦትን ፀለመታት ብተስፋሕፋሕትን ኣሃዳውያንን ዝተከፈተሎም እንተኾነኳ፣ እዞም ብፁእ ወላዲ ግና ፀገማት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ምእንተ ሰላምን ሰብኣውነትን ዘይሰበኹሉን ድምፆም ዘየስምዑሉን እዋን ከም ዘየለ ተሓቢሩ።

Read More