INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ተዘክሮ ስርሒት (ኦፕሬሽን) አግአዚ: ከርሸለ (ቤትማእሰርቲ መቐለ)

ተዘክሮ ስርሒት (ኦፕሬሽን) አግአዚ:

ቅድሚ 36 ዓመት ካብ ከርሸለ (ቤትማእሰርቲ መቐለ) ብተጋዳላይ ሓየሎም አርአያ ዝምራሕ ኦፕሬሽን አግአዚ ካብዝወፁ እሱራት ደቂ ትግራይ ሐደ ዕድለኛ እየ::

ወዮድአ ደንጉዩ ተረዲኡና ይመስል እምበር ብትግራዋይነትካ እናተአረኻ ምእሳርን ምርሻንንስ ኩልና አርኪብናሉ ኢና:: ከምዚ ሎሚ ብመንነቶም ካብ ዝነበሮም ሓላፊነት እናተአረዩ ዝእሰሩን ዝቕተሉን ዘለው: አብ እዋን ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊውን ብዙሕ ፀገም እዩ ሓሊፉ::

አነን ብዙሓት ደቂ ትግራይን ካብኩሉ ኹርነዓት ዓለም ተጋሩ ብምዃና ናብ ቤትማእሰርቲ ተዳጊና ጥራሕ ተይኮነስ አብቲ ማእኸላይ ምርመራ ( ናይ ሲኦል ቦታ) አብ ዝበሃል ቦታ ዘስካሕክስ ስቕይን መግረፍትን አጋጢሙና::

ደርጊ አብ በረኻታት ትግራይ ብሰራዊት ህወሓት ከበድቲ ኪሳራታት እንተጋጥሞ "አብ ውሽጢ ከተማታት ዘለው ተጋሩ ዝለዝድግፉ እዩ" ብዝብል ግምት : ከምዙ ሎሚ ሽዑውን ዳርጋ ኩሉ ትግራዋይ ተጠርጣሪ ነይሩ:: በቐይሕ ራዕዲ ዝተቐተሉ/ዝተቐተላ ተጋሩ ቁስሊ ከይሓወየ ብአቆፃፅራ ግእዝ 1975 ብዙሓት ተጋሩ ናብ ወህኒ ወሪዶም::

ናብታ ቀዳመይቲ ሲኦል ማእኸላይ ምርመራ እንትአቱ ዝፅበየካ "ወያነ ኢኻ" እንታይ ከፊኡካ ኢኻ ወያነ ትኸውን ዝብል ሕቶ እዩ:: አብ ስርኢት ህወሓት ዘይነብሩ ፤ ካብኡ ሓሊፉ ንናይ ደርጊ ስርአት ዘገልግሉ ሹመኛታት ተጋሩ ከይተረፈ ግዳይ መግረፍቲን (torture) ሞትን ኮይኖም::

መርመርቲና ዝጥቀምሎም ብደዕታት ጥራሕ ተይኮነስ አብ እዋን መርመራ ዝጥቀምሉ መሳቐይ መሳርሕታትን ሎሚውን ክትዝክሮም የፅልኡኻ፤ ቁፅሪ 6, 8 ዝበሃሉ ዓይነት መግረፍትታውን ነይሮም: ክልተ-ኢድኻን እግርኻን አሲሮም ናብ መንጠልጠሊ ይሰቐሉኻን ድምፂ ከይተስምዕ አብ አፍካ ብርስሕያት ዝጠልቀየ ኩዕሶ ምስወተፉልካ አብ ሜዳ እግርኻ ብዝነቐፀ ካብ ናይ ብዕራይ ጅማት ብዝተሰርሐ በትሪ ይቕጥቅጡኻሞ ፤ ምስጨነቐካ ገለ ክትዛረብ ወይ ዝበሉኻ ክተአምን ካብቱ ዝተአሰረ አድካ አፃብእትኻ ዊጥ አቢልካ ምእንታን ከውርዱኻ ዝኾነን ዘይኮነን ትዛረብ :

ነዚ አብልዕሊ ተጋሩ ዘጋጠመ ስቓይ መግለፂ የብሉን: ኹሉ ዓይነት መሳቀይ መሳርሕታት ተጠቂሞም ምስ ቀጥቀጡኻ ፤ ናብቲ ከርሸለ ይሰዱኻ ፤ ካብታ መግረፍቲን ስቓይን ወፂእኻ ናብቱ ወኽኒ ቤት (ከርሸለ) ምስሰደዱኻ ምስ ብዙሓት ነባራትን ሓደሽት እሱራት ትራኸብ : ብዘይ ፍርዲ ዓመታት ተቑፅር፤ ስድራ ይበርስ፤ ቖልዓ ሰበይቲ ሰንበት እናመፁ ተባኽዮም ይፈላለዩ:: ዘይተረድኦም ሰገናት (ህፃናት) "መዓዝ ኢኻ/ኢኺ ትመፅእ " ኢሎም ይሓቱ መልሲ ከይረኸቡ እናበኸዩ ይምለሱ::

አብ ወኽኒ ናይ መደቀሲ ፅበትን ባልዕን፤ በቢእዋኑ ካብ መንጎኻ እናተፀውዑ ዝርሸኑ እሱራት ምርአይ ተስፋ የቑርፀካ: መምሃራይ ክኸውን ተባሂሉ እሱራት ብቤት ፍርዲ ከይኮነስ ብዘመቻ ኮሚቴ ሞት ዝተፈረዶም አብ ቅድሜኻ ይርሽንዎም:: ስቓይ ተጋሩ ዘርዚርካ አይውዳእን::

አብ ከምዚ ዝበለ ስቓይን መከራን እናሃለና እዩ እምበአር ከምዛ ሎሚ ለይቲ ናብ ለካቲት 1 ዘፅብሕ ፍርቂ ለይቲ ተኹሲ ዝተጀመረ:: እቲ አብ ሓንቲ ፀባብ ኽፍሊ 50-60 ዝኾኑ እሱራት ዝተዳጎኑለን 28 ክፍልታት ተናውፃ፤ አብ መንጎና ዝነበሩ እሱራት ተጋደልቲ ህወሓት ተኹሲ ምስተጀመረ አብ መንጎ ደርጊን ህወሓት ምዃኑ ፈለጥዎ:: ናብ ዝባና ክወርድ እዩ ዝበልናዮ ናይ ፍርቂ ሰአት ተኹሲ ተወዲኡ " እሱራት ዲኹም ውፁ" ዝብል ነቲ ማእፆ ገሊኡ ብመፋትሕ ገሊኡ ብሰደፍ ከፈቱልና ::

ምእማኑ ዘፀግም አብዚ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ስቓይ ዝቕንጠጠ ተአምር ተሰርሐ፤ ወዮ ብመትረየሳት ዝሕሎ ዝነብረ ነቑጣታት ፈሪሱ ፤ ብድንጋፀን ተሕጓስን " አብሩኽ! ተበገስ!" ዝብሉ ዘይተለመዱ ትእዛዛት ኮማንዶ ህወሓት ብመተርጎሚ ሕሹኽ እናተበሃልና ነዚ ልእሊ 1380 ዝኸውን እሱር ወፂኡ ብዘይ ገለ ፀገም ጉእዞ ተጀመረ:: አብዚ 2 እሱራት ዝነበረን ክፍልታት ተረሲዐን ፤ ገለ ብዕድመን ጥዕናን አይንኽእልን ዝበሉ፤ ካብ ናይ ደቂ አንስትዮ ድማ እተን ተጋደልቲ እንትወፃ ካልኦት ፈሪሐን አይንኸይድን ዝበላ ተረፋ::

እቲ ስርሒት ካበይ ጀሚሩ አበይ ክምዝበፅሐን አብቲ ቤትማእሰርቲ ንምእታው ዘውሰደሉ ጊዜን ምድላውን ርእሱ ዝኸአለ ወታደራዊ ታሪኽ በቶም ሓራ ዘውፅኡና ጀጋኑ አባላት ሰራዊት ህወሓት በተደጋጋሚ ስለዝግለፅ ንሕዚ ክሓልፎ : አነስ ብመሬት ስለዝኾነ እምበር " 90 ደቒቓ አብ ኢንተቤ " “ 90 minutes in Entebbe” ዝብል ሙቪ እንትርኢ መመሊሰ ዝዝክሮ ኦፕሬሽን አግአዚ እዩ::

ብስውእ ተጋዳላይ ሓየሎም ዝተመርሐ ተአምራዊ ስርሒት አግአዚ እንትዝክር ነዚ ሎሚ መዳርግቲ ዘይብሉ ወርቃዊ ታሪኽ ዝሰርሕ ዘሎ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ (TDF) ተመኩሮ ዘመሓልፍ ዘሎ ነባር ተጋዳላይን ሓዱሽ ወለዶን ዝለዓለ ክብሪ አለኒ:: አብታ ኦፕሬሽን አግአዚ ተወቒዑ ንዝተወሰነ ርሕቐት ብቓሬዛ ምሳና ዝተጉዐዘ ተጋዳላይ ሰርፀ " እዞም እሱራት ኩሎምዶ ወፂኦም" ኢሉ ህይወቱ ክሓልፍ እንከሎ እንትዝክር: ነዞም ሎሚ ትግራይ ትዕወት እናበሉ ህይወት ዝኸፍሉ ዘለው ተጋደልቲ ትዝክር: ተኽብር ::

ነዚ አብ ህዝቢ ትግራይ ዝብፅሕ ዝነበረ ሰብ-ሰራሕ ሽግር ዝሓልፍ መሲሉና ተዘናጊዕና ነይርና :: ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ብተደጋጋሚ ኹናትን ከም 77 ዝበለ ጥሜትን ፈቲኖም ስለዘይኸአሉ : ሎሚ ናይ ዓለም ዘራያት ወሲኾም ጆኖሳይድ (ህዝቢ ናይ ምፅናት) ወንጀል ፈፂሞም ሎሚውን አብ ትግራይን ካብትግራይ ወፃኢ ንዘሎ ትግራዋይን ብኹናት ምስዓር ምስአበዮም ብማእሰቲን ብዕፅዋን ህዝብና ንምፅናት ናይ መወዳእታ ወፍሮም የካይዱ አለው::

ስለዚ ነዚ አብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ተደጋጋሚ ሽግር ሎሚ ክንሰግሮ ንመስል: አብ ውሽጥን ደገን ዘለና ደቂ ትግራይ ሎሚ ጀሚርናዮ ዘለና ቃልሲ ብውሕሉል እንተዘይዛዚምናዮ ናይ ትማሊ ፅባሕ ክድገም እዩ፤ ሓሊፉ ዝበልናዮ ከድግሶ እዩ፤ ሎሚ ተቓሊስና ምስዓር ጥራሕ እዩ ብሕታዊ መማረፂና፤ አብ ጎኒ ህዝቢ፤ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ጠጠው ኢልካ ምቅላስ ዝለአለ ኽብሪ እዩ::

ዘልአለማዊ ኽብሪ ንስውአትና !

ትግራይ ትስእር!

Read More