INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኦባሳንጆን (Olusegun Obasanjo) ብያፍራን

ኦባሳንጆ (Olusegun Obasanjo) ንኣስታት 8 ዓመታት (ካብ 1999 ክሳብ 2007) ናይ ናይጀርያ ፕሬዝደንት ኾይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ነበር ፕረዝዳንት ሃገረ ናይጄሪያ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ፉሉይ ልኡኽ (Special envoy) እንትኸውን ኣብ መንጎ ህወሓትን ብልፅግናን ዘሎ ዘይምርድዳእ መዕለቢ ንኽረክብን እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋ ንክኽፈትን ኣብ ምዝታይ ይርከብ።

ይኹንደኣምበር ኦባሳንጆ እታ ኣብ 1967 ነፃነታ ረኺባ ዝነበረት ግን ደም ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ሓይሊ ኣብ 1970 ብዕፅዋ ምኽንያት ናብ ዝነበረቶ ክትምለስ ኣካል ናይጀርያ ክትኸውን ዝተገበረት ብያፍራን (ኣብ ናይጀርያ እትርከብ ግዝኣት) ትግራይን ተመሳሳሊ ታሪኽ ከምዘለወን ይፈልጡ እዮም።ኣብ ግዘ ስልጣኖም ንብያፍራ ጮቂኖምን ረጊፆም ከምዝገዝእዋ ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ።ንትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ምፍቃድ ማለት ዓርሰ ቕትለት ከም ምፍፃም እዩ ዝኸውን ዘሎ።ከምቲ ብያፍራ ካብ ናይጀሪያ ክትንፀል ዘይደልይዋ ትግራይ ውን ካብ ኢትዮጵያ ክትግንፀል ኣይደልይዋን።

ከምቲ ኣብ ብያፍራ ጠንካራ መሪሕ ክፍጠር ዘይደልዩ ህወሓት ይኹን ካልእ ብሄራዊ ውድብ ክዓብይን ክጥንክርን ኣይደልዩን።ብሓፈሻ ኦባሳንጆ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእትውን ልዕልናን ሃገርነትን ትግራይ ዘረጋግፁ ኣካይዳታት ኣይድግፍዎን ጥራሕ ዘይኮነስ ብትሪ እዮም ዝቃወምዎ። እዚ ከዓ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ቅዋም እዩ።

ስለዚ ሕብረት ኣፍሪካ ማእኸል ዝገበረ ዘተን መደረን ንናይ ተጋሩ ቓልሲ ንድሕሪት ዝመልስ፣ ሕቶ ሃገርነት ዘቕህም ፣ ሕልሚ ተጋሩ ዘምክን፣ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ናይ ተስዓራይነት መንፈስ ዘንግስ፣ ንሓዋሩ ርእስና ዘድንን ወዘተ.. እዩ።

ስለዝኾነ ኩለን እንገብረን ኽያዶታት ብብልሕን ብምስትውዓልን ክኸውን ይግባእ።

ሓይልና ንሰብስብ።ፖለቲካዊ ኣፈላላይና ንድሕሪት ንግበር።ከምቲ ወለድና "ሰብ ይተኣከብ ምኽሪ ክርከብ" ከምዝብልዎ እቲ ዓምዩቕን ጥሉቕን ፍልጠት ዘለዎ ሰብና ንኣክብ።

Tigrai Intelligence