INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ምድላው ምጅማር ኖርዘርን ስታር ቻርተር በረራ (Northern Star)

Dear all
please distribute attached Three pages press release and picture to your friends and families.
Thank you so much for your help.

PRESS RELEASE
December 28/2022
For Immediate Release
Email: info@northernstaraviationgroup.com
Tel : + 1 (240) 531 2134

ምድላው ምጅማር ኖርዘርን ስታር ቻርተር በረራ ( Charter Flights)ን ክራይ ናይ ጽዕነት ( Cargo) ነፋሪትን ምምዝጋብ ሓደሽቲ መስረትቲ ኣባላትን

ኣብ ኣካባቢ ዋሽንግተን፣ ሜሪላንድን ቪርጂንያን(DMV) ቢሮምኽፋትን

ብመጀመርታ እንኳዕ ልሓዱሽ ዓመት 2023ን ንበዓል ልደትን ብሰላምኣብጸሓኩም፣ ኩላህና ከም እንፈልጦ ኖርዝ ስታር ካብ ዝምስረት ዋላኳኣስታት ሰለስተ ዓመታት እንተሓለፈ ብልተፈላለዩ ምኽንያታትዝተወጠነሉ ሓሳባት ከማልእ ኣይከኣለን፣ ነዚ ከም ዋና ምኽንያት ክቀርቡዝኽእሉ ብቀዳማይ ደረጃ እኳ ዓለምለኸ ብኽለት ሕማም ኮቪድንሳዕቤናቱን እንትኾን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝነበረ ኩናት ኣስዒቡከም ዝሓሰብናዮ ከይንቅጽል ጥራሕ ከይኮነስ ብዝተወሰነ ደረጃንድሕሪት ከም ንምለስ ገይሩና እዩ። እንተኾነ ግን ሓሳብና ንምምላእ ካብንገብሮ ጻዕሪ ኣየብኮረናን።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ (July 2022) ጀሚሩ ማለት ሓዱሽ ቦርድ ካብዝምረጽ ሥራሕ ንምጅማር ዝተፈላለዩ ብርክት ዝበሉ ተግባራትኣብተግባር ንምውዓል ክፍተኑ ጸኒሖምን ይቅጽሉን አለዉ። ካብዚ ሓደከኣ ብመገዲ ክራይ ናይ ጽዕነት ( Cargo) ነፋሪት ንምውናን ዝተገብረ ጻዕሪእዩ። ብዝሓጸረ ግዜ ኸኣ ኦፐሬሽን ከጀምረና ዝኽእል ውዑል ምስ ፈቃድዘለዎም ተኣመንቲ ኩባንያታት ንምፍጻም ንሰርሕ ኣሎና ከምዝሰልጠናኸኣ ንተኣማመን።

ካብዚ ብተወሳኺ ሕጂ ብዘሎ ናይ ኩናት ጠጠው ምባል ሰላም ዝርርብብምጥቃም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለን ካልኦት መዓርፎ ነፈርቲዝርከበን ከተማታት ትግራይ ከምኡውን ኣዋጻኢ ኢልና ዝኣመንናለንከተማታት ናይ ቻርተር በረራ ( Charter Flights) ንምጅማር ምንቅስቃስእናገበርና ፀኒሕና እንትንኸውን ስራሕና ኣፃፊፍና ምስ ወዳእናብምድያታት ክነፍልጥ ኢና። ብዝኾነ ሥራሕ ከጀምረና ዝኽእል ውዑልምስተዛዘመ ብዕሊ ክነፍልጠኩም ምዃንና ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚናይ ቻርተር በረራ ( Charter Flights) ተጠቀምቲ ክትኮኑ ዝሓሰብኩምመስረትቲ ኣባላትናን ስድራ ቤትኩምን ከምኡዉን ዓማዊላትናን ኣብhttps://northernstaraviationgroup.com ኬድኩም ክትምዝገቡ ከም ትኽእሉወይድማ ድሌትኩም ኣብ ኤመይል ኣድራሻናinfo@northernstaraviationgroup.com ክተመዝግቡትኽእሉ ኢኹም፣ከምኡዉን ብስልኪ ቁጽሪ +1 (240) 531 2134 ብምድዋል ክትምዝገቡከም ትኽእሉ ክነፍልጠኩም ንፈቱ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣካባቢ ዋሽንግተን፣ ሜሪላንድን ቪርጂንያን(DMV) ቢሮ ብምኽፋት ዝተፈላለዩ ናይ ኣየር ጉዕዞ ምሃብ ዝጀመርና ምዃንናእንክነፍልጠኩም ዓቢይ ሓጎስ እንዳተሰመዓና ኢዩ። ናይዚ ቤት ጽሕፈትናስራሕ ዝመርሑ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ካልዕኦት ኣድታት ዝርከባ ፍሉጣትመንገዲ ኣየር ንነዊሕ ዓመታት ፍልጠት ዘኻዕበቱን ኣብዝተፈላለየቦታታት ብሓላፍነት ዘገልገሉን ዓላማ ናይኖርዝ ስታር ንኸተግብሩ ዉፉያትዝኾኑን ምዃኖም ክነበስረኩም ንፈቱ። እዚ ተኸፊቱ ዘሎ ቢሮ ካብዝህቦ ኣገልግሎት ናይ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ንምጉዓዝ ቲኬት ምቁራጽ፣ናይ ካርጎ ምዝገባን ምትሕልላፍን፣ ናይመስረትቲ ኣባላት ዓለምለኸኣገልግሎት ምቅራብን፣ ናይ ኖርዘርን ስታር መመዝገቢ ማእከልን፣ ናይቱሪዝምን መገሻን ኣገልግሎትዉን ከም ዘጠቃልል ብምግባርከምዘጣየሽናዮ ክንገልጸልኩም ንፈቱ፡፡ ብኣየር ንትገብርዎ መገሻ ይኹንሥራሓት ብኢሜል ፣ ብስልኪ ወይድማ ብኣካል ናብ ቤት ጽሕፈትናብምምጻእ ተጠቀምቲ ብምዃን ንማሕበርኩም ክተማዕብሉ ብኽብሪንዕድም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስትራንዚት ሰርቪስስ፣ ናይ ኣዉቶቡስን ናይ ፅዕነትኣገልግሎትን ንምቅራብ ምስዝጣየሽ ዘሎ ኩባንያ ስምምዕ ብምፍፃምኣየርን መሬትን ዘጠቃልል ናይ ኣገልግሎት ጉዕዞ መተሓላለፊ( Transit Services ) ንምቅራብ ንዳሎ ኣሎና። ከምኡዉን ኣብ ኢትዮጵያ ተጣይሹብዝነበረ ናይ ኖርዝ ስታር ኩባንያ ብምትሕብባር ናይ ኣየር በረራ ፍቃድ (AOC) ንምርካብ ምንቀስቓስ ጀሚርና ኣሎና።

እዚ ቦርድ ኣብዝሓለፈ ኣኼባኡ ብዝወሰኖ መሠረት ሓደሽቲ መስረትቲኣባላት ናይ ምምዝጋብ ጊዘ ብሰለስተ ወርሒ ብምንዋሕ ምዝገባ ካብኣብዙይሓዱሽ ዓመት ጀንዋሪ 01/2023 ክሳብ ኣፕሪል 01/2023 ክካየድስለዝፈቀደ ምዝገባ ኣብዙይሓዱሽ ዓመት ንሰለስተ ወርሒ ክቅጽልምዃኑ ብዕሊ ነፍልጥ። ስለዚ ንምምዝጋብ ድሌት ዘለኩም ወይ ከኣክምዝገቡ ዝደልዩ ሰባት እትፈልጡ ኣባላትና ነዚ ዕድል ብምጥቃምቁጽሪ ኣባላትና ንኸተዕብዩ ንላቦ። ንዝበለጸ መረዳእታ በዚ ኣብ ላዕሊተጠቂሱ ዘሎ ብኢሜል መራኸቢ ብምጽሓፍ ይኹንhttps://northernstaraviationgroup.com/membership/ ብምምዝጋብወይድማ ብምድዋል ክትህወሱና ብኽብሪ ንዕድም።

ብዝተረፈ ሰላም ንሃገርና እንዳተመነና ዝመጽእ ዓመት ናይ ሰላም ናይጥዕናን ራህዋን ቅሳነትን ይግበረልና ብምባል ጽቡቅ ምንዮትና ንገልጽ።

አባላት ቦርድ ኖርዝ ስታር
ሜሪላንድ / ኣሜሪካ
December 28/2022