INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ንምንታይ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ትግራይ

ንምንታይ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ትግራይ

[ውልቃዊ ትዕዝብተይ]

ቅድሚ 4 ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ተርእዮታትን ዝተዋደደ ምንቅስቓሳትን ሕብራዊ ናዕቢ ከምዝኽሰት ምፅሓፈይ ይዝከር። ቅድሚ 2 ሰሙን ድማ ንቲ ፅሑፈይ ደጊመ Share ገይረልኩም ነይረ። ቅድሚ ሰሙን ኣብ #ፍኖት_ሚዲያ_ኔትዎርክ ምስ ጋዜጠኛ ሃይለ ሚካኤል ኣብዝነበረኒ ፃንሒት ዝተዛረብኩዎ መለልእኽቲ ብፕ/ት ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ 'ውን ቃል ብቃል ብዝበሃል መልክዑ ተደጊሙ ሰሚዕናዮ ኣለና። "ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ መቐለ ዝተንጠልጠለ'ዩ። ናይ መንግስቲ ቁመና ኣይሓዘን። ገለ ገለ ዞባታትን ወረዳታትን ኣካል ግዚያዊ መንግስቲ ኣይኮናን ይብላ እየን" ዝብል ናይ ፕ/ት ጌታቸው መብርሂ ናይ 'ዚ ሓደ መርኣያ እዩ። ኣነ "ሳወትን ውናትን ክሳብ ዕጡቓት ምውዳብ በፂሖም እዮም" ዝብል ሓሳብ ኣብናይ ቅድሚ ትማሊ ናይመጠንቀቕታ ፅሑፈይ ምፅረሐይ ይፍለጥ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዋላ ሽም ውድባት ኣይፅርሑ ኣብናይ ሎሚ መግለፂኦም "ዕጡቓት ዘሳተፈ ህዝባዊ ዓመፅ ተሃቂኑ ከምዘሎ ሓበረይታ ኣለና" ክብሉ ተዛሪቦም እዮም። ይገርም።

ሎሚ ቕነ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መቐለ ከምዝመፅእ ዝናፈስ ዘሎ ወረ ከምዋዛ ዝረአ ኣይኮነን ፤ ኣይግባእን 'ውን። ከዳዕን ሕሱምን ቀ/ኃ/ሥ ብምኽንያት ዓመፅ ፩ይ ኸያነ ንህዝቢ ትግራይ [ማይጨው/መቐለ] ብመርዛም ጋዝ ድሕሪ ምቕፃዑ ናብ ትግራይ ክመፅእ ብዙሕ ኣይደፈረን። ሰረት ቢንቶ መረብ [ራማ - ክሳድ ዒቃ] ንከንብር ብፀለምቲ ኣቢሉ ሽረ ደንኲኑ። ቀ/ኃ/ሥ ሃንደበት ካብቲ ድንኳን ርሒቑ ናብ ከተማ ምስተወሳወሰ ሽዑ ንሽዑ ንዝደንኮነሉ ቦታ መብረቕ የንጉዶ። ንሽልካ ዘምለጠ እቲ ሕሱም ገዛኢ ኣብ ኣኽሱም ንክሓድር ኣንቀደ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ከም ምስ ህዝቢ ትግራይ መተዓረቕን መለሳለስን ብምሕሳብ ንናይ ሽዑ ሽማግለ ዓዲ ንኣኽሱምን ዓድዋን ፀዊዑ ንህንፃ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን ኣሐደሶ። ንሰረት ቢንቶ ራማ ኣንቢሩ ድማ ብኣስመራ - ኣ/ኣበባ ተመለሰ። ድሕሪኡ ቀ/ኃ/ሥ ናብዝተቐየመቶ ትግራይ ኣይተቐልቀለን። እዚ ቑራፅ ንጉስ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ልሂቃን ኤርትራ ኮይኑ ኣብልዩዎን ኣሳቕዩዎን እዩ። ቅድሚኡ 'ውን እንተኾነ ሃፀይ ዘራያቆብ ምስ ግብፃውያን ብምዃን ፥ ምንሊኽ ምስ ድርቡሽ ፥ ምስ ጥልያንን እንግሊዝን ብምዃን ኣብልዕሊ ህዝቢ ቴግራይ ተመሳሳሊ ብሄራዊ በደል ይፍፅም ነይሩ። ኩሉ ግዘ ነገስታት ኣምሓራ ንህዝብና ምስባዕዳውያን ተሻሪኾም ምስኣሳቐዩዎ እዩ።

ኣብዪ ኣሕመድ 'ውን እንተኾነ ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ገበን ምፅናት ዘርኢ ናይ 4 ኣህጉራት ሓገዝቱ መንግስታ ገዬሩ እዩ ፈፂሙዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብመዋእል ታሪኹ ከም ኣብዪ ኣሕመድ ዝኣመሰለ ጠላምን ከዳዕን ገበነኛ መራሒ ገጢሙዎ ኣይፈልጥን። ኣብ ዘመነ ስልጣን 'ዚ ሰብ እዩ ህዝቢ ትግራይ ንክፀንት ዝተበየኖ። እሞ ደኣ ኣብዪ ኣሕመድ ንምንታይ እዩ ናብ ትግራይ ዝመፅእ ዘሎ ?

ቀፃሊ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ሓፈሻዊ ኣኼባ ጉዳያት ፀጥታ ክካየድ እዩ። እቲ ሓደ ኣጀንዳ ድማ ጉዳይ ኲናት ትግራይን ኣብ ገበን ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ተሓታታይነት ዝቐርቡሉ ኩነታት ምዝታይን እዩ። ኣብዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላት ክከምብፅሒቶም ካብ ተሓታታይነት ከምዘየምልጡ መግለፂ ምውፅኣ ይዝከር። ቅድሚ 'ዚ ኣኼባ ኣብዪ ኣሕመድ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ደገን ካብ ውሽጥን ብዝኣከቦም ደመኛ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣቢሉ ድሕሪ ምጭፍጫፍ ንመጀመርታ ግዘ ናብ ትግራይ ክመፅእ ዝደልየሉ ቀንዲ ምኽንያት "ምስ ህዝቢ ትግራይ ተዓሪቐ እየ ፤ ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ድማ ተገዛኢ ኮይነ ብዝበልኩምኒ ኣገባብ ኣፈፂመ እየ" ዝብል ምስልን መልእኽትን ንምሕላፍን እዩ [ደጋዊ ምስሉ ንምቕያር]። እዚ ንምግባር ዘኽእሉዎ ዝበዝሑ ሽርሓዊ ነጥብታት ድማ ዜተፈላለዩ ድራማታት ወጊኑን ፥ ገና ሓደሽቲ ድራማታት ኣብምውጋን 'ውን ይርከብ ፦

1] ወርሒ ሚያዝያ መወዳእታ ንመንግስቲ ትግራይ ወኪሎም ኣብ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ንዝተሳተፉ ላዕለዎት መሪሕነት ትግራይ ብናይ ውሽጥን ብናይ ደገን ሚዲያታት ተሰንዩ ብተበላፃይነት ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኣ/ኣበባ ዝተኻየደ ስነስርዓት "ሽልማት ሰላም" ንዚ ረብሓ ዝዓለመ እዩ።

2] ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ወፅዮም ሉኣላዊ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ ናብ ትግራይ ክምለስን ተመዛበልቲ ድማ ናብ መረበቶም ክምለሱን እናተገብኦም ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ከይወፁ እናሃለዉ ፤ ተመዛበልቲ ወገናትና ኣብ መረበቶም ከም መፃእተኛ ሰፈርቲን ከም ውሑዳት ማሕበረሰብን ብዝገብሮም ኣገባብን ናይ መራሕቶም ናይምምራፅ መሰል ብዘንፍጎም ኣገባብን ናብ ዞባ ደቡብን ናብ ፀለምትን ንክምለሱ ክሳብ ብፊርማ [ክታም] ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ብሕቡእ ስምምዕነት ዝበፅሑሉ ሓደገኛን ናይ ከዳዕን ኣከያይዳ ከምዘሎ ይዝረብ ከምዘሎ ንመብዛሕቲኤኹም ግልፂ ክገብረልኩም ይደሊ። እዚ ውዕሊ ጥልመት ኣብዝሓለፈ 3 መዓልትታት ብ2 ሰባት እዩ ምስ ኣብዪ ብምስምዕማዕ ተፈሪሙ። እንዳ ህወሓት በዚ ኣይሕመዩን። ንዚ ሓደገኛን ታሪኻውን ጌጋ ብትሪ ከምዝኮነኑን ከምዝተቓወሙዎን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ብመሰረታዊ ነገር ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘፍርስን ንሕገመንግስታዊ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ኣሕሊፉ ዝሸጥን ኣዝዩ ሓደገኛ ጉዳይ ኣብልዕሊ ምዃኑ ንዝተኸፈለ ረዚን ተጋድሎን መስዋእትነትን ህዝቢ ትግራይ ብመራሕቱ ከምዝተሓንሸሸ ሓባሪ ክሕደት ከምዝኾነ የመላኽት።

3] ኣብዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝተገበረ መገሻ ፕሬዚደንት ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ባ/ዳር ረብሓኡ ኣብ ባይታ ኣብዘይተርኣየሉ ኣብ ሚዲያታት ግና ዝተወዓወዐሉ ምኽንያት ናይዚ ምስሊ መጠናኸሪ እዩ።

4] ረብሓ ኣብዘይተርኣየሉ ንከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ናይ ኩለን ክልላት ፕሬዚደንታት ናብ መቐለ ምምፃኦም ብዓቐን ኣልቦ ሚዲያታት ክወዓዋዕ ምግባሩ ንዚ ምስሊ ንምህናፅ እዩ።

5] እኒ ኣብርሃም በላይ ዝጨወዩዎን ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ኣ/ኣበባ ፍልይ ብዝበለ ነፃነትን ተልእኾን ብኣዳኻሪነት ዓወት ዘርኣ ብሩኽ ዝተኸበረ ናይ ሎሚዘበን በዓል ኣሸንዳ ንእታወት 'ዚ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ፕሪቶሪያ ንዝኣተዎ ውዕሊ ጥር ትብል ባይታኣዊ ተግባር ከይፈፀመ ፤ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ከይወፁ ፥ ሉኣላዊ ግዝኣት መሬት ትግራይ ናብ ሰብ ዋናታቱ ከይተመለሰን ተመዛበልቲ ወገናትና ናብመረበቶም ከይተመለሱን ፥ ህዝቢ ትግራይ ከይተኽሓሰ ፥ ኩሎም መሰረተ ልምዓታትን ውሃብቲ ግልጋሎቴን ናብዝነበሩዎ ኩነታት ከይተመለሱ ፥ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ንሓይልታት ትምክሕትን ንወራሪ ሰራዊት ሻዕብያን ካብ መሬት ትግራይ ንክወፅኡ ብቐጥታን ብግልፅን ዝሃቦ ትእዛዝን መምርሒን ኣብዘየለሉ ኩነታት እዩ ቅድሚ ጉባኤ መራሕቲ ኣብ ኒውዮርክ ምክያዱ ናብ ትግራይ ንክመፅእ ዝሸባሸብ ዘሎ።

ብካልእ ወገን ድማ ኣብ ከይዲ ብመሰረቱ ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘፍርስ ዓብዪ ፕሮጄክት ሓንፂፁ ዝተፈላለዩ ናይ ዕግርግርን ህውከቴን ተልእኾ ኣስኒቑ ናብትግራይ ዝለኣኾም ኣካላት ፥ ዘጣየሾምን ዝጨወዮምን ፖለቲካዊ ውድባት ከምዘለዉን ብቐጥታ ብኣብርሃም በላይ Coatch ከምዝግበሩን ርዱእ እዩ። ኣብዪ ኣሕመድ በደልን ወፅዓን ህዝቢ ትግራይ ዓለምለኻዊ ፥ ኣህጉራውን ሃገራውን ትኹረት ረኺቡ ከቢድ ፀቕጢ በፂሑዎ እኳ እንተነበረ ብተለኣኣኽቱ ጉጅለታት ኣቢሉ መንግስቲ ትግራይ ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ረሲዑ ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ንክፅመድን ኢሉ 'ውን ንፖለቲካዊ ድልየት ኣብዪ ኣሕመድ ተገዛኢ ንክኸውንን ብዕውት ኣገባብን ናህርን ይውግን ኣሎ። ኣብዙ ኩነታት ውድባት ፖለቲኣ 'ዞም #ቆልዑ ንህዝቢ ትግራይ "በእንቅርት ላይ ጆሮ ደግፍ" ኮይኖሞ ኣለዉ።

ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ክሳብ ሐዚ እንትርፊ ኣምባሳደራትን ኣጋይሽን ምቕባልን ፍቖዶ መድረኻትን ምረቓ መፅሓፋትን እናተረኸብካ መደረ ምግባርን ንህዝቢ ትግራይ እዚኣ ትበሃል ጥር ትብል ረብሓ ከይገበረ ፤ ህዝብን መንእሰይን ትግራይ ግዝኣታዊ ሉኣላዊ መሬቱ ከይተረከበ ፤ ደምን ኣዕፅምትን ስውኣትና ከይነቐፀ ፤ ብሓፈሻ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ ባይታ ከይተሸረፈ ፤ እቲ ልዕሊ እግዚሄር ለባምን ሓዳግን ከምዝኾነ ንነብሱ ዝቖፅር ከምዝኾነ ዝሕመ ህዝብና ሐዚ 'ውን ከምልማዱ ንኣብዪ ኣሕመድ ብደርፍን ብጣቕዒትን "መፂኻለይ ዶ" እናበለ ክቕበሎ ድዩ ኣይቕበሎን ኣብዝቕፅሉ መዓልትታት ሓቢርና ንርእዮ ጉዳይ ይኸውን።

[ወዓካፃ ፥ 2 ቋቚመን 2015 ዓ/ም]