INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ትካል ንግዲ እኽሊ ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ስሩዕ ስርሑ ጀሚሩ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተኣወጀ ወራር ምኽንያት ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ዝነበረ “የኢትዮጵያ እህል ንግድ ድርጅት” ብናይ ቀደም ስሙ “ጅንኣድ” ኣብ ከተማ መቐለ ጣፍ፣ ሽኮርን ዘይትን ምቕራብ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

ብዛዕባ ምጅማር ስራሕ እቲ ትካል ኣመልኪተን መግለፂ ዝሃባ መተሓባበሪት መኸተ ክፍለ ከተማ ሰሜን ወ/ሮ ኤልሳ ተስፋይ፤ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ምስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዝነበረ ወራርን ዝተነበረ ዕፅዋን ክባን እኽሊ፣ ሸቐጣትን ካልኦት ሕብረተስብ ክግልገለሎም ዝኽእሉ ናውትታትን ናብ ትግራይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ከምዝፀንሑ ሓቢረን፡፡

ብምኽንያት እዚ ኣብ ዕዳጋ ዓብዪ ቅልውላው ፈጢሩ ፀኒሑ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዕፅዋን ክባን ስሱዓት ውልቀ ነጋዶ እውን ኣብ ዙርያ ዕዳጋ ንግዲ ንብረትን ሸቐጣትን እናዓሸጉ ዘየለ ዋጋ ብምውሳኽ ናብ ዘየድሊ ቁጠባዊ ቅልውላው ክኣቲ ተገዲዱ፡፡ ብዝተፈጠረ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ሕብረተሰብ ክቆፃፀሮ ናብ ዘይኽእል ብርኪ በፂሑ ብጣዕሚ ዘማረረሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ገሊፀን።

እዚ ፀገም ንምፍታሕ ከምመንግስቲ ትግራይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ፀኒሖም እዮም። ካብዚኣቶም ሓደ ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ካብ ማእኸል ሃገር ዝመፅእ ነጋዳይ ጣፍ ከም ከተማ መቐለ ኣብ ሰለስተ ማእኸላት መሸጢ ብምድላው ካብ ነጋዶን ደለልትን ነፃ ዝኾነ መምፅእን ዓዳግን ዝራኸበሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። ብመሰረት እዚ እውን ኣብ ውልቀ ነጋዶ ንሓደ ኩንታል ጣፍ ክሳብ 16 ሽሕ ብር በፂሑ ዝነበረ ኣብተን ዝተጣየሻ ማእኸላት ዕዳጋ ንሓደ ኩንታል ጣፍ ብማእኸላይ ናብ 6,500 ብር ከምዝወረደ ወ/ሮ ኤልሳ የረድኣ።

ሐዚ ድማ “የኢትዮጵያ እህል ንግድ ድርጅት” ጨንፈር መቐለ ጣፍ፣ ሽኮርን ዘይትን ብምምፃእ ብፍትሓዊ ዋጋ ብቐጥታ ናብ ሕብረተሰብ ምቕራብ ምጅማሩ ገሊፀን።

ኣብዚ ትካል ንሓደ ኩንታል ጣፍ ብብር 5,500 ዋጋ ኣብ ምሻጥ ከምዝርከብ ብምግላፅ ሕብረተሰብ እዚ ፈሊጡ ተጠቃሚ ንክኸውን ሓቢረን፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ሽኮርን ዘይትን ህዝቢ ኣብ ከባቢኡ ብቐረባ ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል ኣብ ከተማ መቐለ ናብ ዝርከባ ማሕበር ሸማቶ ኣብዚ ቐረባ እዋን ከምዝከፋፈል ኣፍሊጠን።
#ወይን

17 ለካቲት 2015 ዓ/ም
መቐለ