INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ናይ ኹናት መወዳእታ ሰላም እንተኾይኑ፤ ናይ ሰላም መወዳእታኸ?

አብሩኽ! ተበገስ! ዝብሉ ክልተ ቃላት ዝሰማዕኽወን ቅድሚ 35 ዓመት እዩ ነይሩ። እዋኑ ኮማንዶ ሰራዊት ህወሓት አብ ከርሸለ መቀለ ዝነበርና እሱራት ተጋሩ ሓራ ዘውፀአሉ እዋን አግአዚ ኦፕሬሽን እዩ ነይሩ። በቲ እዋኑ ዘይሓልፍ ዝመስል ዝነበረ መእሰርቲ፤ መግረፍቲ/torture/፤ መርሸንቲ ኮታስ አብ ልዕሊ ንፁሃት ተጋሩ ዝበፅሕ ዝነበረ ስቅያት ከብቅዕ ናብ ሓርነት ጉዕዞ ዝጀመርናሉ ውድቅቲ ለይቲ እዩ ነይሩ። እቶም ሓራ ከውፅኡና አባላት ሰራዊት ንፁር ዕላማ ሒዞም እሱራት ነፃ ንምውፃእ መስዋእቲ ክኸፍሉ ዝመፁ ምኻኖም ክሳዕ እታ ኦፕረሽን ተወዲአ አብ ሳምረ አቲና ብስዉእ ተጋዳላይ ሓየሎም አርአያ ስሩዕ መግለፂ ክሳዕ ዝወሃበና ካብቲ መቁሕ ምውፃእና እምበር እንታይ ከምዝሰዕብን እንታይ ከምዝገብሩን አይንፈለጥን ነይርና።

አብ መንጎ ሓራ ክንወፅእ ዝተሓተትና/ዝተአዘዝና እሱራት ብዙሕ ደንገርገር ተፈጢሩ፤ አብ መንጎ እሱራት ገሊኡ ንስርዓት ደርጊ ዘገልግል ዝነበረ ከምዝሎሚ ትግራዋይ ብምኻኑ ተጠርጢሩ ዝተአሰረ፤ ገሊኡ ውሽጣዊ ስርዒት ኮይኑ አብ ውሽጢ ዝቃለስ ዝነበረ፤ ዝበዝሕ ድማ ተለኻኺሙ ተሓፊሱ ዝተአሰረ ስለዝነበረ፤ እቲ ውድብ ንኹሉ ማዕረ ምሕረት ክህብ አይኽእልን ዝብል ግምት ዝነበሮ እዩ ነይሩ፡ ናብ ሳምረ አብዝነብረና ናይ ለይቲ ጉዕዞ ክሃድም ዝፍትን እውን ምንባሩ ዳሕራይ ንሰምዕ ነይርና፤ እቶም ዝጠራጠሩ ዝነበሩ ዝስማመዐላ ሓንቲ ነገር ነይራ ፤ደርጊ እንካዕ አይረሸነና እምበር “ዝብኢ ዓደይ ይብለዐኒ” ዝዓይነቱ ድላዮም ይግበሩና ዝብል እዩ ነይሩ።ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞን ትምህርቲን ውድብ ህወሓት ንኹልና ሓራ ዝወፃእና እሱራት አርባዕተ መማረፅታት ሂባትና፡ 1ይ/ዝደለየ ክጋደል 2ይ/አብ ሓራ መሬት ትግራይ ክነብር ዝደሊ ሰሪሑ ክነብር 3ይ/ እንተዘይፈሪሑ ናብ ደርጊ ክምለስ 4ይ/ናብ ሰዳን ሰጊሩ ናብድላዩ ወፃኢ ሀገራት ክኸይድ ተገይሩ።

በዘን ክልተ ቃላት አብሩኽ! ተበገስ ! ዝጀመረ ጉዕዞ እናብሮኽና/እናዕረፍና እናተበገስና ናብ እንደልዮም ባህግታት በፂሕና። ኹናትን መወዳእትኡ ሰላም እንተኮይኑ፤ ሰላም ዋግኡ አዕርዩ ክባር እዩ፡ኹናት በውግእ፤ ብፕሮፖጋንዳ፤ ብመስዋእቲ፤ ኮታስ ብዕንወት ሰብን ንብረትን ዝረጋገፅ ምኻኑ የሰክፈካ። ንምኻኑ ኹናት ትግራይ መወዳእትኡ እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ አልዓኢልና ምስ ናይ ሎሚ ቅነ ናይ ሰላም ሓዋህው ክንዘራረበሉ ንምባል እየ ኮለል ዝብል ዘለኹ። አብ ኹናት ዋላ ፍትሓዊ ኹናት ዘለው መማረፅታት ውሑዳት እዮም፦

1.በቲ ኹናት ሙሉእ ብምሉእ ስዒርካ ናፅነትካ ምእዋጅ፤ ሰዓራይ ዝዕብልሎ ስርዓት ምትካል፤

2.አብ መንጎ ኹናት ጀላነት ሒዝካ ምድርዳር፤ ዝተወሰነ ሂብካን ተቀቢልካን ንቀፃሊ ምስራሕ፤

3.ብጊዚያዊነትውን እንተኾነ ብፀላኢ ተደፊእካ ክሳዕ መወዳእታ ምውጋእ፤ ዕድመ ኹናት ምንዋሕ እየን።

አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ናይ ጆኖሳይድ ኹናት ካብቶም አብታሪኽ ዓለም ዘጋጠሙ ኹናታት እቲ ዝኸፍአ ምኻኑ ብዙሓት ዝስማምዕሉ እካ እንተመሰለ፤ ንህዝቢ፤ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ተሓሊቁ ዝተቃለሰን ዝሓገዘን መንግስቲ ወይ ሃገር አይነብረን ብዘይካ ሓንቲ አውሮፓዊት ሃገርን አብ ወፃኢ ዝነብሩ ውሑዳት ውልቀሰባትን ጉጅለታትን።

ናይ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት መኸተ ህዝቢን ሰራዊትን ትግራይ ዓለም ዘገረመ/ዘስደመመ ቅያ ዝተሰርሓሉ ናይ ጅግንነት መግለፂ ዝተስአነሉ ብመስተንክራዊ ስርሂቱ ፀላእቲን ወረርቲን ተገዲዶም ናብ ሰላም መአዲ ዝተቀረብሉ እዋን እዩ፤ ብፍላይ ድማ ካብ August 24, ጀሚሩ በኽልተ ሃገራትን መሻርኽተንን ብኹሉ ግንባራት ዝተፈነወ ናይ መወዳእታ ዝተብሃለሉ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ኹናት ብሓይልታት ትግራይ ንልዕሊ 70 መዓልታት ተመኪቱ፤ ወረርቲ አብ ዝሓሰብዎ ከይበፅሑ ሰራዊቶም አደዳ ሞትን መቁሰልትን ኮይኑ በአሻሓት ተማሪኾም።

ክንዲ ድላይካ በዝሒ ሰብን አፅዋርን፤ ድሮናትን ሓገዝቲ ሃገራትን ዕሱባትን ሒዝካውን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ምምብርካኽ ከምዘይከአል ዝትረጋገፀሉ መድረኽ ኢና ዘለና።

አብ መንጎ ልኡኻት መንግስት ትግራይን ኢትዮጵያን አብ ደቡብ-አፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ክሳለጥ ዝፀንሐ ናይ ተፃብኦታት ምቁራፅ ዘተ፤ ድሕሪ ናይ 10 መዓልታት ዘይተሓሰብ/ዘይተገመተ ናይ ሰላም ውዕል ተፈሪሙ።

አብቱ ናይ ሰላም ስምምዕ አድላይነት ብዙሕ ምዝርዛር አየድልን እቲ ሰነድ ንህዝቢ ተዘርጊሑ ስለዘሎ። ናይዚ ሰላም ሓፈሻዊ መንፈስ ኹሉ ዝተቀበሎ እካ እንተኾነ፤ አይታሕጋስ አይሓዘን ስንፈላል ዘብል ነገራት ግና አለዎ፤ ብፍላይ ድማ ንኽልተ ዓመታት አብ ትሕቲ ዕፅዋ ኾይኑ ኸቢድ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ንሰላም ዝኸፈሎ ዋጋ ክባር ምስምኻኑ፤ ናይዚ ሰላም ሓቅነትን ክውንነትን ክርዳእ ሕቶታት ከልዕል ናይግድን እዩ።ሕዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ብዝጎተትካዮ ዝኸይድ ተይኮነስ፤ ሓቲቱ ፤ ተረዲኡ ፤ ምስ አመነሉ ድማ ንተግባራዊነቱ ብዘይቃልዓለም ይቃለሰሉ። ናይ ሰላም ዋጋ ዝተረደአ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ኹናትውን ሕጊ ይከብር፤ ሕገመንግስታዊ ሰርዓት ይከበር ዝብል ዝነበረን ዘሎን ህዝቢ እዩ።

ናይዛ ውዕሊ ሰላም እመፃፅአ ንገሌና ቅልጡፍቲን ዘይተገመተትን ስለዝኾነት ከምዘላ ንምቅባል ክኸብደና ናይግድን ይኸውን ከከም ውግንናኻ ናይዚ ሰላም ስምምዕ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ብፀጋን ስግአትን ክፋፊልካ ክረአ ይግባእ፡

ከም ስግአት ዝተወሰዱ ነጥብታትን ዝወሃቦም ዘሎ ትርጉምን፤

ዕጥቂ ምውራድ ዳርጋ ኢድካ ምሃብን አብ ኢድ ፀላእቲ ምውዳቅን እዩ፤ ብዝቀትሉና ክንሕሎ አይንኽእልን፡

ነዚ ኹናት ምኽንያት ካብዝኾነ ዓርሰ-ምሕደራ ብ2.7 ሚሊዮን ህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ዘፍርስ ስለዝኾነ፤

አብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ተሓተቲ ክኾኑ ዝግበኦም ሓይልታት ብናይ ባዕሎም መጋባእያ ክሕተቱ ውፅኢታዊ ስለዘይኸውን፤

እዚ ዉዕል ካብዘለዎ ፀገም ንአብነት ሰብአዊ ሓገዝ ከም መደራደሪ/አካል ናይ ሰላም ምኻኑ ዓለም-ለኸ ሕጊ ዝጠሓሰ ምኽኑ፤መራሕቲ አፍሪካ ዓቅሚ፤ ክእለትን ቅንዕናን ዝጎድሎም ጥራሕ ተይኮነስ ባዕሉ እቲ ውድብ ሕቡራት አፍሪካ ካብቶም ዘራያት ሓደ ትካል ስለዝነበረ፤

ናይ ናፃ ሀገር ባህግና አብ ዝፈረሰ ሕገመንግስትን ሃገርን ክረጋገፅ ስለዘይኽእል መስዋእትና ዋጋ አይረኸበን፤

ሓይልታት ኢርትራን አምሓራን አብ ውሽጢ ትግራይ እናሃለው ዕጥቂ ምውራድ ሕዝቢ ንሓደጋ ምቅላዕ እዩ፤

ንአብይ አሕመድን ጉጅልኡን አብ ዓለም ከም ወንጀለኛታት ዝረአዩ ዝነበሩ በዚ ተግባራዊነቱ ዘይተፈለጠ ውዕል መሊሶም ሓገዝ ንክረኽቡ ዝዕድም እዩ፤

መራሕቲ ትግራይ አብ አዲስ አበባ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰለልቲ ግዳያት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፤

አብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዒ ደጊፎም ክቃልሱ ዝፀንሑ ዳያስፖራ ተጋሩን ወፃእተኛታትን፤ ከምኡውን ንስርዓት አብይ መቅፅዒ ዝኾኑ ዝነበሩ ረቂቅ ሕግታትን ከም (HR6600, S3199) ብሽምዚ ውዕል አይቅፅሉን፤ነቲ ናይ ዳይስፖራ ፓራ-ዲፕሎማሲ ፃዕሪ ዘህስስ ምኻኑ፤ ወዘተ ዝብሉ እንትኾኑ፤ ንሕድሕድ ነጥቢ ነናይባዕሉ ትንታነ እናሃበ ቁፅሩ ዘይነዓቅ አካል ሕብረተስብ ዝካተዐሉ ዘሎ ኩነታት ኮይኑ አሎ።

ከም ፅቡቅ/ቅቡል ገይርካ ክውሰድ አለዎ ዝብል ክፋል ሕብረሰትስብ ዘልዕሎም ነጥብታት፡

•ሰላም ናይ ቃልስና ውፅኢት እዩ፤ ፀላእቲና ከምበዝሖምን ዓቅሞምን ህዝቢ ትግራይ ከሰኩኑ አይከአሉን፤

•ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ 70 መዓልታት ሙውትን ቁሱልን እንተኾኑውን ብዝሒ ሰቦም ቀቲልካ አይውዳእን፤

•ናይ ኹናት መወዳእታ ሰላም እንተኾይኑ፤ ነዚ ዝኽፈል ዋጋውን አሎ፤ ናይ እንካሃባ ጉዳይ ስለዝኾነ ፤

•አብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ካብዚ ንላዕሊ እንተቀፂሉ ዓወት ዘይተርፍ እካ እንተኾነ፤ ህዝቢ ብደብዳብ አየርን ድሮንን፤ ብመርሽንተን ጅምላ ጭፍጭፋን፤ ብጥምየትን ሕማምን ክሓልቅን ዝያዳ ክጉዳእን ስለዝኽእል ብዝኾነይኹን ዋጋ ንዝተወሰነ እዋን እውን እንተኾነ ዕረፍቲ ምርካብ ነቲ ቃልሲ ንድሕሪት አይመልሶን፤

•ዕጥቂ ምውራድ ምስ ምርግጋፅ ውሕስና ፀጥታ ህዝቢ ትግራይ ክሳዕ ዝተአሳሰረ ብፍሉይ ሓይሊ፤ ፖሊሲን ሚሊሺያን ትግራይ ዝሕሎ እንተኾይኑ ፤ እቲ ብአተሓሳስባን ብወታደራዊ ስልጠናን ብቃዓቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ፤ እቲ ሰላም እንተዘይሰሪሑውን ካብ ፀላእቱ ተዓጢቁ ዓወት ንምምፃእ ዘፀግሞ አይኮነን፤

•በመሰረት ሕገመንግስቲ ተግባራዊ ይኸውን ማለት ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት አምሓራ ካብ ዝሓዝዎ ቦታታት ይወፁ ማለት እዩ፤ ሃገራዊ ዶብ ብመከላኸሊ ሃገር ይኽበር ማለት ሰራዊት ኤርትራ ወይ ይወፅእ ወይ ምስ ኢትዮጵያን ኮይንኻ ይውቃዕ ማለት እዩ፤

•እቲ ውዕል ናብ ዳግመ ውዳበ ዝመልስ እንተኾይኑ አባላትን መራሕትን ምክልኻል ሰራዊት ትግራይ አካል ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክላኻል ክኾኑን መሊሶም ዓቅሚ ክፈጥሩን ነቲ ኸባቢ መሊሶም ክመርሑን ይኸሉ እዮም፤

•እቲ ናይ ሰላም ዉዕል ተግባራዊ እንተኾይኑ፤ ካብ ሰለስተ ልፍንታዊያን ሓይልታት እንተነአሰ እቲ ሓደ መላፍትና ይኸውን አሎ ማለት ስለዝኾነ ፀላኢ ናይ ምንካይን ፈታዊ ናይምብዛሕን ዕላማና ዘዕውት እዩ፤

•ህዝቢ ትግራይ አብ ውሽጢ ሓፂር ዝበሃል ጊዜ ባንኪ፤ ስልኪ፤መብራህቲ፤ ሰብአዊ ሓገዝ እንተረኺቡ ካብ ሞት ይድሕን አሎ ማለት እዩ፤ በዚ ድማ ሰላማዊ ቃልሱ የጠናኽር እምበር አይምርከኽን፤

•እዚ ናይ ሰላም ዉዕል ግብራዊ እንተኾይኑ አብ ቤት ማእሰርቲታት ዝሳቀዩ ዘለው ተጋሩ ዝፍትሕሉ፤ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱን አብውሽጢ ትግራይ ዝተፈናቀሉን አብ ማእኸላይ ምብራቅ ዝሳቀ ዘለውን ተጋሩ ዝምለስሉን ዝጣየሽሉን ክኸውን እዩ፤ እዚ ናይቲ ቃልሲ ውፅኢት እዩ፤ ዓቅሚን ሞራልን ህዝቢ ትግራይ ዘጠናኽርን ዝያዳ ዘቃልስን እዩ፤

•ህወሓት ህዝቢ ካብ ህልቀት አድሒኑ ተይተመረፀ እንተተረፈውን ፅድቂ እምበር ሓጥያት የብሉን፤ ንስልጣኑ እንተዝስሰዕ እምበር ንህዝቢ ድሕነት ክብል ስልጣኑ አብ ሕቶ እንተዝአቱ ህዝባዊነቱ እምበር ናይ ስልጣን ህረፍ አይኮነን፤ አብ ስርዓት ኢትዮጵያ ፀኒሕካ ንነፃነትካ ምውሓስ ሓደ ዝላ ንድሕሪት ክልተ ዝላ ንቅድሚት እዩ፤

•ንኹሉ ዝሓወሰ/ዘካተት መረፃ ይገበር እንተዝበሃልውን እዞም አብትግራይ ዘለው ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ዕድል ይረኽቡ እንተኾይኖም እምበር ብልፅግናን ትዴፓን አብ ህዝቢ ትግራይ መረፃ ክስዕሩ አይኽእሉን፤ ስለዚ ኮይዲ ከይዱ ህዝቢ ትግራይ በዓል-ውዕለትኡ አይርስዕን፤ ስልጣኑ አሕሊፉ አይህብን::

ናይዚ ውዕል አፈፃፅማ ብዝርዝር ዝግለፅካ እንተኾነ ክሳዕ ሕዚ ብዘሎ ሰነድ ፓነል ሕብረት አፍሪካ ጥራሕ ተይኮነስ ብድሕሪት ገንዘብን ዓቅም ዘወፍዩ ዘለውን፤ ነዚ ሰላም ብፅዕንቶውን ግብራዊ ክኸውን ዝገበሩን ዘለው ምዕራባዊያን ብፍላይ አሜሪካ ሰብ ዋና ስለዝኾኑ፤ ካብ ፍቃዶም ዝወፅእ ሓይሊ ናይ ምቅፃዕ ተኽእሎ ከምዘለዎም እኹል መረዳእታታት አሎ፤ ዝብሉን ካልኦት ዝርዝር ትንታነታትን ዝወሃቦም ነጥብታትውን አለው።

ብናይ ባዕለይ ውልቀ ርእይቶ ንምጥቅላል፤

ቅድሚ ኹሉ እዚ ናይ ሰላም ዉዕል ብቅልፅም ሰራዊት ትግራይ ዝተረኸበ፤ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናይዚ በዓልዋና ምኻኑ ምእማን የድሊ፤ ዝደለኻዮ ኹሉ ምርካብ ተዝከአል ነይሩ ፅቡቅ ምኾነ፤ አብዛ ዓለም ፍትሒ እንተዝህሉውን ንኽልተ ዓመታት ምሉእ ዓገግ ዝበልናዮ ተአምር ምተፈጠረ፤ ሕብረተሰብ ዓለም ግና ኢትዮጵያ ካብ ክትፈርስ ህዝቢ ትግራይ ይጥፋእ ኢሉ ዝወሰነ ብዝመስል ኹነታት “ የሕስበና ” ካብዝብል ቃላት ዘይሓልፍ፤ እንተሓለፍውን ዝተወሰነ መፈራርሒ እምበር ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብቅሉዕ ዘይድግፍ ምኻኑ ተረዲእና አለና፤ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ሓይሎም አፍሊጦም አለው።

ሓድነትና አጠናኺርና በቲ ናይ ሰላም መስርሕ ናብ ዘላቂ ዓወት ክንምርሽ ይግበአና፤ ምስ ጉድለታቱውን እንተኾነ ነዚ ናይ ሰላም ውዕል ተቀቢልካ “ቆልዓስያ እናበልዐ ይበኪ” ከምዝበሃል ዘዝቀደመ ስንቂ እናሓዝካ በቲ ዝበሃል ዘሎ ሕገመንግስቲ መስርሕ መሰል ዓርሰ-ውሳነኻ ምርግጋፅን ፤ እቲ ሕጊ እንተፈሪሱ ድማ ካሊእ መማረፂ ምእላሽ እምበር፤ ኹሉ ብኹናት ጥራሕ ክትፈትሕ ምፍታን ነቲ ዝተበገስካሉ ዕላማ ብሕታዊ መማረፂ አይኮነን፤ እንተስ አብ ባይታ ብዘሎ ኹነታት ተመዚኑ፤ እንተስ በአሜሪካ ተገዲድና ፤እቲ አውራ ዓወት ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕዚ አፈራሪሕካ ይኹን አጥሚኻ ዘይምብርከኽ ምኻኑ ፤ እዚ ኹናት እንተቀፂሉ ኢትዮጵያ ትብሃል ሃገር ነበርያ ነብረ ክምትኽውን ህዝቢ ዓለም እናመረሮ እንተኾነውን ተረዲእዎ እዩ።

ታሪኽን ባንዴራን ህዝቢ ትግራይ ማዕረ ሃገራት ክትዝከር እያ፤ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ናይዚ ዞባ ሓይሊ ምኻኑ ተፈሊጡስ ንኢትዮጵያ አድሕንዋ እዩ ዝበሃል ዘሎ፤ ነዚ መቀይሮ መድረኽ ተጠቂምና ከም ናብ ረብሓና ንቅይሮ ዝብል እዩ ክሕተት ዘለዎ፤ እንተዘየለ በዚ ተስፋ ዝቆርፅ ትግራዋይ እንተበዚሑ ከምቶም በቢመዋእሉ ዘጋጥሙና ዝነበሩ ድኽመታት ከጋጥመና ይኽእል እዩ፡ አብ ኹናት ስዒርካ አብ ሰላም ሕድሕድካ ምፍልላይ ከይመፅእ ጥራሕ ኢና ክንጥንቀቅ ዘለና፡ አብ ውሽጥን አብ ዳያስፖታን ዘለና ተጋሩ ሰሚርና ተቃሊስና ዓወታት ሓፊስና፤ ነዚ ዓወታትና ዘራኽስ ስራሕቲን ስምዓኢትን እንትፀባረቅ ተሓላሊና ተረዳዲና እምበር ተኻሲስና መሐጎሲ ፀላእቲ ክንኾውን የብልናን። ጉዕዞ ሰላምውን ርእሱ ዝኸአለ ትሕቲ ህይወት ዘሎ መስዋእቲ ዝሓትት እዩ።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተዓፃፃፊ ባህሪ ከምዘለዎም ፈሊጥና ነቲ አብ አስመራ ዝተገበረ ናይውሽጢ ስምምዕ ከይረሳዕና፤ አብ ዝህብና ዝበፅሐ ጆኖሳይድ ተሓተቲ ናብ ፍትሒ ከየቅረብና ድቃስ ከምዘየለ ፈሊጥና፤ ህዝብና ካብ ናይ ዓለም ምፅዋት ወፂኡ ዓርሱ ክኽእል ገና ሰፍ ዘይብል ዕዳ ከምዘለና አስተባሂልና ፤ አፋፍኖት ሰላም እንተተረኺቡ ባህግና ዘሕድገና ምድራዊ ሓይሉ አይክህሉን ተአማሚና፤ ነዚ ሓደ ቅድመ ኹነት ግና ናይ ቃልሲ ሓድነትና ሓሊና ፀኒዕና ምስንቃልሰ ምኻኑ ክነአምን አለና ።

አብ ማእኸል ኹናት ከምዘለና ክንዝንግዕ የብልናን፤ ሎሚ ንሓደ ውድብ እነውግዘሉ ነቲ ካሊእ ንንእደሉ እዋን አይኮነን፤ ትማሊ ዝተሓበናሎም መራሕቲ መንግስቲን ሰራዊትን ብሓደ ሰሙን ዘይሽሞም ምሃብ ጥልመት ከይኸውን አብጎኖም ጠጠው ኢልና ዘይተመለአ ሕቶና ምቅራብን ዝመሓየሽ እንተልዩ ምሕጋዝን እምበር ብስምዒት ናብ ዘይኮነ ደንበ ክንፀድፍ የብልናን።

ከምቲ አብላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ከም ሃፍቲ/ፀጋ እምበር ከም አፈላላይ ክርአ የብሉን፡ ከምሓደ ሰብ ንሰምር ማለት ብሓደ ርእሲ ንሓስብ ማለት አይኮነን፤ ብሓደ ርእሲ እንተተመሪሕና ከምታ ሀገርናን ጎረቤትናን ናይ ውልቀመለኽቲ ድኹዒ ክንኸውን ኢና፡ ስለዚ ዘለውና ናይ ሓሳብ አፈላላያት ብዝሰልጠና መንገዲ ተዛቲና ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ናይ ውሽጥና/አብሕድሕድና ካሊእ ናይ ሰላም ወዕል የድልየና ማለት እዩ። እዛ ሰላም ሓቂ እንተኾይና እስየ፤ እንተበርዕያ ድማ አብሪኽና ንብገስ፤ አብ መንጎና ሰላምን ሓድነትን እንተልዩ ግዳማዊ ሓይሊ አየሰኩነናን። ናይ ኹናት መወዳእታ ሰላም እንተኾይኑ፤ ናይ ሰላም መወዳእታ የብሉን።
ሙሉእ ሰላም ንህዝብና!
ትግራይ ትስዕር አላ!
አባይ ግደይ/USA/