INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ናይ ቀደም ሰብ ክንደይ እሙን ከምዝነበረ፣ ሓቀኛ ከምዝነበረ፣

ሓደ ዓርከይ፣ ናይ ቀደም ሰብ ክንደይ እሙን ከምዝነበረ፣ ሓቀኛ ከምዝነበረ፣ ናይማቱ ዝጽየፍ ከምዝነበረ፣ ሕድሪ ምብላዕ ሕሩም ከምዝነበረ፣ ብኣብነታት እናገበረ ይነግረኒ። ንሕድርን ዝተልኣኽካዮን ነገር እሙን ኮይንካ ምፍፃም ዋላ እቲ ሕሱር ሰብ ክገብራ ዝፍትን ክብሪ ምንባራ ይገልፀለይ። ቐደም ቕርሺ ኣብፀሐለይ ኢልካ ንዘይትፈልጦ ሰብ ለሚንካ ከምትልእኽ፣ ክበፅሕ ምዃኑ ድማ ርግፀኛ ኾንካ ልብኻ ኣውዲቕካ ከምትህርስ፣ ይነግረኒ።

ሓንቲ ባዕለይ እውን ዘርከብኩላ ናይ ኣውቶብስ መናህርያ ዝውቱርቲ ትርኢት ይነግረኒ። 'ሪኢኻ ቐደም' ይብል ንሱ፣ ናብ ካልእ ከተማ ዝኸይድ ሰብ ክትረክብ ናብ መናሃርያ ትኸድሞ፣ ዝነቐለት እቶብስ ሪኢኻ ንዝረኸብካዮ ዘይትፈልጦ ኸያዳይ፣ 'ንእከለ ኢልካ ሃበለይ' ኢልካ በመሽኮት ጥቕሉል ቅርሺ ሸው ተብለሉ። እቲ ሰብ ከምኡታት ዝበለ 'መልእኽቲ ተማላእ' ዝብል ስለዝበዝሖ 'ኣይመላእን' ከይብለካ ምእንታን፣ እታ እቶብስ ምንቅስቓስ ምስጀመረት ኢኻ ናብ ሕቕፉኡ ድብሪ ተብለን ነተን ቅርሺ። ዳሓር ዓው ኢልካ 'ንዝረኽብካየ ሰብ ሃበለይ' ትብሎ። ወይ 'እከለ ኢልካ ንዝኾነ ሰብ ሓቦ እሞ ከብፅሕዋ እዮም፣ ክትበጽሕ እያ' ይብል ለኣኻይ። ድሕሪኡ ናይቲ መብጽሒ እያ።

ከምዚ እዩ ነይሩ እምነት ናይ ቀደም ሰብ። እቲ ሰብና፣ እቲ ዝበዝሕ፣ እሙን እዩ ነይሩ። ሎማ ግን ባዕሎም ሃበና ክነብፅሕ ኢሎም እውን ሕድሪ ይበልዑ፣ ሕማቕ ጊዜ! ኢሉኒ። 'ሕዚ እውን እኮ እቲ ዝበዝሕ ሰብና እሙን እዩ' ኢለዮ። ሎሚኳ ሕደጎ ኢሉኒ።

እዞም ኩሎም ብቕድስና፣ በተወፋነት ብተበጃውነት ህይወቶምን ናብርኦምን ኣረኪሶም ዝኳሻሑ ዘሎው ተጋደልትን ደገፍቲ ቓልስን እንታይ ድዮም?' 'ንሱ ኻልእ ጉዳይ እዩ' ኢሉኒ።
'ኣይፋል፣ ንሱ እዩ!'
ነንበይኑ እዩ እሱስዋ፣ ግን እታ ቐደም ዝነገርካኒ 'ሕዚ ሃርሲ ነብሲ' እትብል ወግዕኻ ንገረኒ' ኢሉኒ። ኣቤት ክንደይ ግዘ ክነግሮ፣ ምናልባት ን10ይ ጊዜ ነጊረዮ ይኸውን።

ንሱ፣ ነታ ወግዒ ፈፂሙ ኣይመንዋን። እንተዘኪርዋ 'ንገረኒ' እንተይበለ ኣይኸይድን። ምስ ሰምዐ ድማ፣ 'ኣታ እዚ ህዝብና፣ክብርታቱ ክበዝሕ፣ ሕልንኡ ክዓቢ' እናበለ ከምዛ ሓዳሽ ሽዓ ዝሰመዓ ኮይኑ የጠዓዕማ። ብዝኾነ፣ ናብታ ዓርከይ ሰሚዑ ዘይፀግባ ሕክያ ክወስደኩም።

ሕድሪ!
ሓደ ካሕሳይ ጸድፊ ዝበሃሉ ሓረስታይ ገረዓልታ ብዕራይ ክዕድጉ ይሓስቡ። ኣንቱም ናብራ ገጠር ዘይትፈልጡ ደቅ ኸተማ፡ ብዕራይ ዓቢይ ንብረት (big ticket item) ምዃኑ ተረድኡ።

ክባር መኪና ከምምዕዳግ ገይርኩም ሕሰብዎ። ስለዚ ንገባር ብዕራይ ምዕዳግ ብዙሕ ነገር ሽይጥካ፣ ኣውሪድካ ኣደይብካ ዝፍፀም ዓቢይ ፕሮጀክት እዩ። ሒዝኩምኒ ዶ?


ንቐፅል…
ኣያ ካሕሳይ ኣብ መዓልቲ ዕድጋ ናብ ከተማ ክወርዱ፣ ብዕራይ ክዕድጉ ምዃኖም ዳርጋ ኹሉ ወዲ ቑሸት ሰሚዑ’ሎ። ሓደ ጎረቤቶም ንሱ’ውን ከምኦም ብዕራይ ክዕድግ ደሊዩ፣ ግን ዘይመቸዎ ግዲ 'ዕድጋ ዝሃበኩም ተማሉኡለይ' ኢሉ ይልምኖም። ኣያ ካሕሳይ ናይ ባዕሎም ተረጋጊኦምን ተዋግዮምን ክዕድጉ ደልዮም ናይ ካልእ ሰብ 'የማላእን' ኢሎም ነይሮም። ዳሓር ግን 'እንተሞችይኩም ጥራሕ' ኢሉ ስለዝለመኖም እሺ ኢሎም ገንዘብ ተቐቢሎም።

ብንጎሁኡ ዕዳጋ ወሪዶም ካብቲ ሓደ ናብቲ ኻልእ እናኸዱ ዋጋ ዕዳጋ ክዋገዩ ሾኸርተት ክብሉ ውዒሎም መላእምትኡ ዓይኖም ኣብ ሓደ ብዕራይ ዓረፈ። ክንዲ ዝኸኣልዎ ተኸራኺሮም ዋጋ ተሰማሚዖም። መድሕን ተፅዊዑ ክፍሊት ይፍጸም። ፍንጥር ይበሃል። እንዳስዋ ይኽየድ። ክመሲ ኽብል ኣያ ካሕሳይ ናይቲ ሕድሪ ዘማለኦም ጎረቤቶም ጉዳይ ዘኪሮም ይድንግፁ። 'ዋይ ዋይ፣ ኣታ ህልም ኣቢለ ረሲዐዮ፤ ፈቲነ ነይረኳ ከይብል …'

ካብቲ እንዳስዋ በርደግ ኢሎም ይወፁ። ከም ዕድል ተስፋ ዝቖረፀ ሸያጣይ ከመይ ዝበለ ብዕራይ ሒዙ ክምለስ ክብል ኣግንዮም ይጥይቕዎ። ሰብኣይ ከይተጎባጎበ ብድብራይ ዋጋ ይሸጠሎም። እዚ ብዕራይ ብትርኢቱ ካብቲ ንባዕሎም ኢሎም ሙሉእ መዓልቲ ደኺሞም ዝዓደግዎ ይበለፅ፣ ዋጋ ድማ ይሓስር።

ሕዚ ኣያ ካሕሳይን ሕልንኦምን ባዕሎምን ምጉት (ውግእ ንበሎ) ገጠሙ።
'ኣነን እንድየ ዝኹሉ ዝደኸምኩ ግዲ፣ እቲ ዝሓሸ ንባዕለይ ገይረ፣ እቲ ሓደ ዘይህቦ?'
'ነውሪ፣ ንባዕልኻ ኢልካ ዝዓድካዮ እቲ በርሀዋይ ፀሊም እዩ። እናፈለጥካ?'
'እሞ መን ከይነግሮ እዩ? እዚ ብኽንዲዚ ዓዲገልካ ኢለ ነዚ ፀሊም ዘይህቦ?'
'ዘይግበር! ኣነ ሕልና ይርኢ ኣለኹ። ፈጣሪ’ውን ይርኢ ኣሎ።'
'እሞ ንሱ ብኹፉሉ ዕዳጋ ኣይመፀ፣ ፀሓይ ኣይተወቐዐ፣ ፍንጥር ኣይጋበዘ፣ ከመይ ገይሩ እቲ ዝበለፀ ይውስድ?'
'ዕድሉ እያ ሂባቶ…'
ኣያ ካሕሳይ ክሳብ ገዝኦም ዝኣትው ምስ ሕልንኦም ሙግት ገጢሞም ዘግ ተባሂሎም። ግና ጉዳይ ኣይዓለበትን። ኣይወሰኑን።
ኣብ ገዛ ምስበፅሑ ሰበይቶም ኣብ ኣፍደገ ተቐቢላቶም። “ኣይንኡ እዩ ናትና?” ኢላቶም ነይራ። ንሶም ግን ፈሊጦም ዝኾረዩ መሲሎም 'ኣቲ ሰበይቲ፣ ደኺሙኒ እናረኣኽስ ክንዲ እኽለማይ ምቕራብ ወግዒ ደሊኺ…' ኢሎም ነታ ሕቶ ኣባሪሮምዋ። ዳሓር’ውን ደቆም ተመሳሳሊ ሕቶ ኣልዒሎም ነይሮም። ዘረባ እናጋለሱ ነታ ጉዳይ ከይመለሱዋ ሃራርሶ ኮይኑ። እታ ሙግት ሒዘምዋ ናብ መደብ ደይቦም። ኣካሎም ግድም ኢሉ’ምበር ሕራስ ከመይ ኢላ ትምፃእ! ነይሮም ነይሮም ኣብ ውሽጢ ኮበርተኦም ኮይኖም “እሞ እንተኾነ ኸ!” ይብሉ ንበይኖም። ፅንሕ ኢሎም ድማ ብቐስታ “ኩነኔ!” ዝብል ቃል የስምዑ። ድቃስ ወይከ! ብውሽጣዊ ድኻም ድቕቕ ኢሎም። ምርሃፅ ድማ ጀሚሮም።

ፍርቂ ለይቲ ምስኮነ ሃንደበት ኮበርተኦም ቅልዕ ኣቢሎም ከምዚ በርቂ ዓው ኢሎም፡ “ስምዒ ብርነሽ፣ ኣቱም ቆልዑት’ውን ስምዑ፤ እቲ ቀይሕ ቀራን ብዕራይ ብ650 ዝዓደግኩሉ ናይ ተኽላይ ብዕራይ እዩ!!! ዋይ ህውከት፣ ደጊም ሃርሲ ነብሲ!

ኡ ፈ ይ!”

ሕድሪ ንዘሃቡን፣ ሕድሪ ንዝተቐበሉን፣ ሕድሮም ንዘየዕበሩን!

Read More