INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ናይ ግድን!!

ኣብ በቢመዋእሉ ዝነበረ ክብርታትናን ጅግንነት ወለዶታት ከምዘርእዮ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ህልውንኡ ተላዒሎም ክጭፍልቅዎ ንዝመፁ ሓይሊታት ከከም ኣመፃፅኦም ብቃልሱ እንዳመከተ ህልውንኡ እንዳውሐሰ መፂኡ እዩ፡፡አብ ሎሚ’ውን ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኣብይ፣ ገባቲ ተሰፋሕፋሒ መንግስቲ ኣምሓራን፣ ውልቀ መላኺ መንግስቲ ኢሰያስን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ብሄር ዝዓለመ ወራር ኣዊጆምልናን ፈፂሞምልናን እዮም፣፣ነዚ ወራር ብህዝባዊ ኵናት ምምካት ካብ እንጅምር እንሆ 18 ወርሒ ኣሕሊፍና ኣለና ኣብዘን ኣዋርሓት ከበድቲ ናይ ህልውና ፈተናታት መከራን : ፀበባታትን ዝነበሮን ዘሎን፣ ቃልስን ፅንዓትን ተኣመራዊን ተደራራቢ ዓወታት ዝተመዝገበሉ ግዜ ነይሩ።ኣብ ታሪኽናን ተሞክሮ ዓለም ከምዘርእዮ ዉሕሉል ዓቕምታት መናእሰይ ዝተጠቐመ ዓዲ ብምዕባለ ይሕምበብን ዘላቂ ሰላም ዘረጋገፀ ሃገር ይኸዉንን።ብኣንፃሩ ድማ ነዚ ዘባኸነ ዓዲ ድማ ማእኸል ዕግርግርን ህዉከትን ከም ዝኸዉን ዓለማዊ ተሞክሮታት የማላኽቱና፡፡ እቲ ናይ ሐዚ ወለዶ መናእሰይ ትግራይ’ውን ኣብ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ዘይደራደር፣ ኣብ ጉዳይ መሰል ዓርሰ ዉሳነን ምሕደርኡን ከምዘይደራደርን ዘድሊ መስዋእቲ ዝኸፍል ከምዝኾነን ዘኹርዕን ዘሕብንን ወለዶ ምዃኑ ኣመስኪሩ እናመስከረን ይርከብ። ሐዚ’ውን ገና ኣብ ቃልሲ ኢና ዘለና፣ ሕዚ እውን ገና መሬት ትግራይ ሓራ ኣይወፀን፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓፀቦን መከራን ይርከብ :: ጉዳይ ህልውናን ድሕንነትን ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ምርግጋፅ ናይ ግድን እዩ። ናይ ግድን ኢልካ ምብጋስን ናይ ግድን እዩ ኢልካ ምፍፃም የሓተና፡፡

ህዝቢ ትግራይ አብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ዓበይቲ ስልጣነታት ዝወነነ ህዝቢ እዩ፡፡ አቦታትናን እኖታትናና ናይ ባዕሎም ጥበብ፤ ፈጠራን ተጠቒሞም ዓለም ዘደመመ ቅርስታት ገዲፎምልና ሓሊፎም እዮም፡፡ ብጅግንነትን ብፖለቲካን እውን አብ ዓለም ታሪኽ ዝተመዝገበ ፍፃመታት ተመዝጊቦም እዮም፡፡ትግራይ ናይ ባዕላ ፊደል፤ቑፅርታት ፤ስልጣነ ፤ዜማን ቅኔን ዝወነነት ክትከውን ገይሮም : እዚ ናይ ወለድና ዝፈፅምዎ ታሪኽ እዩ፡፡ ናይዚ ሐዚ ወሎዶ ታሪኽ አይኮነን፡፡ ናይዚ ወለዶ ሕዚ መንእሰይ ትግራይ አብ ምስራሕ ይርከብ፡፡ ብፍላይ አብ ተጋድሎ አንፃር ወረርቲ ዝምዝገበ ዘሎ ታሪኽ ብጣዕሚ ተኣምራዊ ዝኾነ እዩ፡፡ እዚ ታሪኽ ብፅቡቕ ተወዲኡ ደመኛታት ፀላእትና ብምቕባር ሓድሽ ታሪኽ መንእሰይ ትግራይ ክሰርሕ ተፅቢት ይግበረሉ፡ ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን በቢምዕራፉ ፀላእትና ካብ መቃብሮም እንዳተለዓሉ ዝወርዋ ትግራይ ክትህልውና ኣይግባእን ናይ ቡዝሕ ምዕራፋት ዕንክሊል ሎሚ ክስበር ግድን እዩ ኢልና ክንሰርሕ ኣለና፡፡

ብቡዝሕ መንገዲ ንትግራይ ኣብነት ትኾና ዓዲ ኢስራኤል እያ፡፡ እስራኤላውያን ኣብዚ ሕዚ በፂሐሞ ዘለዉ ብርኪ ክትበፅሕ ቡዝሓት ዕማማት ናይ ግድን ኢሎም ስለዝዓመሙ እዮም ግድነት ኢልካ እንተተበጊስካ ዓብይ ሓይሊ እዩ ዝህበካ ኢሎም ይኣምኑ፡፡ እስራኤልውያን ናይ ግድን ዓድና ክንኣቱ ኣለና ኢሎም ብናይ ሮማ ኢምፓየር ዝትበታተኑ /ብሃይማኖት ቃል እግዝኣብሄር ክፍፀም ተበቲኖም እዩ ዝብል/ ን2000 ዓመት ኣብ ስደት ድሕሪ ምፅናሕ ተመሊሶም ዓዲ ፈጢሮም ቡዝሕ ተኣምር ሰሪሖም፡፡ ናይ ግድን ስለዝበሉ ካብ ስደት ተመሊሶም ኣብ መሬት ኢስራኤል ሰፊሮም ናይ ግድን እስራኤል ቴክኖሎጂ ክህልዋ ኣለዋ ኢሎም ቡዝሕ ፈጠራን ቴክኖሎጂን ምሂዞም፣ ናይ ግድን ኢሎም ጨዋማ ሓመድ ናብ ልሙዕ ሓመድ ክቅይርዎ ኪኢሎም፣ ምድረበዳን በረኻን መሬት ናብ ፍረታት ከምርቱ ኪኢሎም፣ ጠንካራ ሓይሊ ምክልኻል ኢስራኤል ክሃንፁ ዝኸኣሉ፡፡ ካብ ኢስራኤል ንመሃሮ ሓሳብ ምፍልፋል ጥራሕ እኹል ኣይኮነን መሪሕነት’ውን ወሳኒ እዩ፡፡ መራሕቲ ኢስራኤል ቤን ግርዮን ሽሞን ፐረስን ግድነት/necessity/ ኢልካ ኣብ ምስራሕ ዓብይ ተራ ተፃዊቶም፡፡ ብፍላይ ተኣምር ዝበሃል ንእሽተይ ዓዲ ኣፅዋር ኑክለር ክተማዕብል ዲሞና ዝበሃል ፕሮጀክት ሓንፂፆምን ሃኒፆምን ሓያል ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ዝፈጥር ንፀላኢ ኣደብ ዘትሕዝን ዘዐግስን ፈጢሮም፣ ካሊእ ዝሰርሕዎ ኣንፀባራቂ ስራሕ ነፋሪት ፈረንሳይ ዝኾነት ካብ ኤሰራኤል ተበጊሳ ናብ ፖሪስ ትበርር ዝነበረት ኣሸበርቲ ጨውዮም ናብ ዩጋንዳ ኣብ ኤንቴብ መዕርፎ ነፈርቲ ዘዕለቡዋ 250 ተሳፈረቲ ዝሓዘት እቶም 100 ዝኾኑ ቤተኤሰረኣላውያን ወይ ዜጋታት ኢስራኤል ነይሮም እቶም ኣሸበርቲውን ንካልኦት ዜጋ ሰዲዶም ኮነ ኢሎም ንዜጋታት ኤስራኤል ዓጊቶሞም ኣብ ከምዚ ግዜ ነይሮም እስረኤላውያን ኢንቴበን ኦፐሬሽን ኢሎም ሰይሞም ካብ ግበረ ራዕዲ ዜጋታቶም ዘድሕኑ እሞ ድማ ኣብ መሬቶም ከይኮነስ ኣብ ዘይዓዶም ኣብ ዩጋንዳ ከይዶም እቲ ስርሒት ብዓወት ፈፂመሞ፡፡

እቲ ካሊእ ንሕና ንመሃሮ ሃገረ ኤስራኤል ብጣዕሚ ንእሽተይ ዓድን ብባሕሪ ፀላእቲ ዝተኸበበት ዓዲ እያ፡፡ ዋላ ጠንካራ ዝበሃል ናይ ምክልኻል ዓቅምን ናይ ኢኮኖሚ ዓቅሚ ዝሃነፀት እንተኾነት ኣፍቲ መጀመረያ ከባቢ ንዓኣ ንምጥፋእ ኩሎም ኣብ ኣፈ’ቲ ዞባ ዝረከባ ሃገራት ዝሕነዩላን ዝፅዕሩን ግን ድማ ኢስራኤል ካብ ብሰላምን ምትእምማንን ወፃኢ ብካሊእ ኣይፍታሕን ዘንተእለት ኣብ ኩናትን ጎንፂን ኣይዋፅን ኢሎም ብምሕሳብ ተኣምር ዝተበሃለሉ ምስ ፊሊስጤም ዘተገበረ ናይ ሰላም ስምምዕነት ጀሚሩ ምስ ኩለን ጎረባብታ ናይ ሰላም ስምምዕነት ተፈራሪማ እያ፡፡

ብተመሳሳሊ ንሕና ተጋሩ ናይ ግድን ኢልና ግዜ ከይሃብና ለይትን ቀትርን ከይደቀስና ክንፍፅሞም ዝግበአና ቡዝሓት ዕማማት ኣለዉና፡፡ ወለድና ናይ ግድን ክኾን ኣለዎ ኢሎም ዝፈፀምዎ ስራሕቲ ቡዝሓት እዮም ጀነራል ኣሉላ ኣባ ነጋ /ወዲ ቁቢ/ ናይ ግድን ኢሎም ዝፈፀምዎ ጅግንነት ብጣዕሚ ቡዝሓት እዮም ካፍቶም ቡዝሓት ሓንቲ ወረርቲ ብቀይሕ ባሕሪ እንዳተቀልቀሉ መሬት ከስፋሕፍሑ ወደብ ክቆፃፀሩ ዝፈታትንዎም ዝነበሩ ፀላእቲ ብፍላይ ግብፂ፣ ጣልያንን ደረቡሽን ናይ ግድን ፀላእተይ ከይደምሰሰኩ መሬተይ ሓራ ከይኣውፃእኩ ኣይዓርፍን ንምባል ዝተጠቀምሉ ኣባህላን ብተግባር ዝፈፀምውን ብፈላይ ዶብና ቀይሕ ባሕሪ እዩ ኣፈቲ ዶብ ሰፊርኩም ዘለኹም ከይፀራረግኹም ኣይዓርፍን ንምባል ፈረሰይ እማ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ከይሰተየት ኣይትምለስን ይብሉ ነይሮም ፡፡ ኣፍቲ ናይ 17 ዓመት ሕሉፍ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ’ውን ቃልሰና ነዊሕን መሪርን እዩ ዓወትና ናይ ግድን እዩ ኢሎም ተቃሊሶም ከምቲ ናይ ግድን ዝበልዎ ተዓዊቶም፡፡ ሎሚ እውን ትግራይ ብልፍንቲ ዝወረርዋ ፀላእቲ ንምንጋፍ ሃለዋትናን ድሕንነትና ብቅልፅመና ኢላ ተላዒላ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ዝበዝሕ መሬት ትግራይ ሓራ ኣውፂኣ እያ፡፡ ግን ድማ ሐዚ ውን ናይ ግድነት ተባሂሎም ዝዕመሙ ቡዝሕ ነገር ይትርፈና፡-

ሓደ ዘይተዛዘመ ቃልሲ ኣለና ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅ፤ ትግራይ ዓርሰ ምሕደራ ብድምፂ ህዝቢ (ሪፈረንደም) ብመክያድ ምርግጋፅ፡፡ ትግራይ ናይ ባዕላ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝወነነት፤ናይ ባዕላ ኢኮኖምያዊ ምሕደራ ዘለዋ ምግባር ግድን እዩ፡፡ ፀላእትና ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ፍርዶም ክርኽቡ ምስራሕን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ተሰኒዱ ከይድገም ወለዶታት ከመሃርሉ ምግባር ናይ ግድን እዩ፡፡ ትግራይ ኣብ ባዕልና ዝተመረከሰን ብኢኮኖሚ ዝተወንጨፈት ትግራይ ምህናፅ ናይ ግድን እዩ፡፡ሕድ ሕድ ትግራዋይ እዚአን ካልኦት ኣብዚ ዘይተዘርዘሩ ኣዕቢኻ ምሕሳብን ምፍፃምን ክረባረብ ኣለዎ፡፡ ትግራይ ትስዕር ኢልና ክንጭርሕ እንተለና ናይ ግድን እዩ ኢልና ብተግባር ብምፍፃም ክድገፍን ክሽረፍን ኣለዎ፡፡እዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ትግራይ ብድለይትን ብባህግን ጥራይ ዝምፅእ ዘይኮነስ ብስራሕ፤ ብምርምር፤ብትምህርቲ፤ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝርከብ ምኻኑ፣ አብዚ ቑርፂ ምዕራፍ ዘድሊ መስዋእቲ ብምኽፋል ል ወለዶታት ትግራይ እናተዘከረ ዝሓልፍ ፋፃመ ክኾውን ምስራሕ የድሊ፡፡ ናይ ሕዚ ዘለና ወለዶ ናይ ፅባሕ ወለዶ ይመልእዎ ኢልና ንገድፎ ክህሉ የብሉን እቲ ዕንክሊል ክስበር ኣለዎ፡፡ መንእሰይ ትግራይ ዝተፈረሐት፣ ብፀላእታ ዘይትድፍር፣ በኢኮኖሚ ዝማዕበለት፣ ብወተሃደራዊ ድልዉነት ዝዓበየት፤ስልጡንን ዝተወደበ ህዝቢ ፤ብትምህርትን ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝዓበየት ትግራይ ጋህዲ ምግባር ዓብይ ታሪኻዊ ሓላፍነት አለና :: ክፍፅም እውን ግድን እዩ፡፡