INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ትግራይ ናህሪ ዋጋ እኽልን ጥረምረን

ፋሽሽታውያን ኣብዪ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ልዕሊ ዓውዲ ሕርሻ ትግራይ ዒላማ ብምግባር ብሰንኪ ዘብፅሕዎ ዕንወት፡ ኣብ ትግራይ ናህሪ ዋጋ እኽልን ጥረምረን ሰማይ እንትዓርግ፡

ብኣንፃሩ ዋጋ እንስሳትን ውፅኢት እንስሳትን ካብቲ ቅድሚ ኩናት ምውልዑ ዝነበሮ ዋጋ ምንካዩ እዋናዊ ዋጋዕዳጋ ሸቐጣት ትግራይ መሰረት ገይሩ ዝተኻየደ ዳህሳስ ኣመላኺቱ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 02 መጋቢት 2014 ዓ/ም (TMH)

እቶም ፋሽሽታውያን ስርዓታት ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ካብ ዘለዎም ባህጊ ብምብጋስ፣ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ትግራይ ዒላማ ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ብጥይትን ብጥሜትን ናይ ምምብርካኽ ወፍሮም ኣብ ምትግባር ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።

እዞም ታሪኻውያንን ጨካናትን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ፣ ገና እቲ ኲናት ካብ ምጅማሩ ሓረስታይ ትግራይ ፍርያቱ ከይሓፍስ ኣብ ዋና ቀውዒ ኲናት ካብ ምጅማር ብተወሳኺ፣ ዝኣከቦ ምህርቱ ብምቅፃልን ብምውራርን ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ግፍዒ ዘብፅሑ ኮይኖም፡ ብቐፃልነት ሓሪሱ ምህርቲ ከይሓፍስ እውን ናውቲ ማሕረሱ ካብ ምስባር ንሞስኖ ዝጥቀመሎም ቴክኖሎጅታት ብምዕናውን ድርብ ግፍዒ ከም ዘብፅሑሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2013 ዓ.ም ብሰንኪ ኲናት ዓውዲ ሕርሻ ምጉስቓሉ ስዒቡ፡ ኣብ 2014 ዓ.ም ካብቲ ክሕረስ ዝግብኦ ካብ 25-50% ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉን ብኡ መጠን ፍርያት ሕርሻ ትግራይ ኣዝዩ ዝተሓተ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ብመንፅር ዋጋ ዕዳጋ ናብ ዘይልከፈሉ ብርኪ ምድያቡ ተሓቢሩ።

ንኣብነት፡
ዋጋ ቅድሚ ኲናት ድሕሪ ኲናት
ጣፍ ንኲንታል 3500- 6500
ስርናይ 2000 - 3500
ቡን ኪሎ 100 - 750
ሽኮር ንኪሎ 30 - 150
በርበረ 200 - 800
ዘይቲ ብሊትሮ 400 - 1500
ስጋ ንኪሎ 300 200-220
ፀባ ንሊትሮ 40 - 30
ቤንዚን ሊትሮ 30 - 600
ናፍጣ 20 - 320 ከም ዝደየበ ተሓቢሩ።

ዓውዲ ሕርሻ ትግራይ ብምድኻምን ዕፅዋ ብምምባርን ኣብ ዋጋ ምግብን ካብ ደገ ዝኣትዉ ሸቐጣሸቐጥን ብብዙሕ ዕፅፍታት ዝንሃረ ኮይኑ፣ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሕፅረት ጥረ ቅርሽን ትሑት ምግዛእ ዓቕምን፡ ጥረ ቅርሺ ንምርካብ እቲ ህዝቢ እንስሳስቱ ብበዝሒ ናብ ዕዳጋ ስለ ዘውርደን፡ እንስሳትን ውፅኢት እንስሳትን ከንቆልቁል ከም ዝኸኣለ እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ነፂሩ።

እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናሕሪ ዋጋ ንማሕበረሰብ ዓለም ምቅላሕ ዝመረፀሉ ምኽንያት፡ እቲ ኲናትን ከባባን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ሕሰም ንምግዋሕን ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ተግባራዊ ስጉምቲ ንኽኣቱ ንምድፍፋእን ምዃኑ ተሓቢሩ።

Read More