INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ናብ መናእሰይ ትግራይ!

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014 ዓ/ም ብዙሕ መንእሰይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምውሓዝ ጀሚሩ።

ካብ ጫፋት ቆቦ ክሻብ ሓይቅ ኣብዘሎ ቦታ ፣ ብልፅግና ኣምሓራን ህግደፍን [ደሓር ባንዳታት ብልፅግና ትግራይ ዝተሓወሱሉ] ኔትወርክ ተዘርጊሑ ፣ መንእሰይ ትግራይ ዓዱ እናገደፈ ክወፅእ ብትልሚ ክሰርሑ ጀሚሮም።

ነቲ መንእሰይ ክወፅእ ዝደፋፍኡለን ምኽንያታት ብዙሓት እየን።

ናብ ወፃኢ ክትሸግሩ ትደልዩ እንተሃሊኹም ሰባት ክነራኽበኩም ንኽእል ኢና። ኣብ ትግራይ ስራሕ ዝነበረኩም ሰራሕተኛታት ፌደራል ኣብያተ ዕዮ ብቐሊሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስራሕኩም ክትቅፅሉ ትኽእሉ ኢኹም። ፣ ካብ : ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ዕፅዋ ስራሕ ኣልሽካ ትነብረሉ ዝተኸፈተ ከተማ ይሓይሽ። እንተውሓደ ዋላ ናብ ዓዲ ዓረብ ትሸግሩ። ወዘተ ወዘተ እናበሉ የእምንዎም።

እቲ ኔትዎርክ ካብ ኣላማጣ ክሻብ ኣዲስ ኣበባ ፣ ካብ ኣስመራ ክሻብ ወልድያን ሓይቅን ዝተዘርግሐ እዩ። ሰብዋናታቱ ድማ ህግደፍን ዓዲ ሰለስተን እዮም።

ሓደ ልቢ ክንብለሉ ዝግባእ እቶም ብብረት ክቐትሉና መፂኦም ምውዳእ ዝኣበናዮም ፣ ድሓር ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ምስረኸቡና መቑሎ ኣዳልዮም ስጋና ዝጠበስዎ ሰባት እዮም እዚ ዝሰርሑ ዘለው።

እቶም ካብ ትግራይ ናብ ሓይቅ [ክልል ኣምሓራ] ዝሸግሩ ተጋሩ ክልተ ኬላታት እዮም ዝሓልፉ። ናትና ብTDF ዝሕሎን ፣ ካልአዋይ ብመከላከያ ፒፒ ዝሕሎን።

ነቶም ናትና ሓለዋ ዝተፈላለየ መሕዘኒ ምኽንያት ብምቕራብ እናገርሁ እዮም ክሓልፉ ዝልምንዎም። “ንስድራ መድሓኒት ክገዝእ እየ ዝኸይድ ዘለኹ ፣ ሓሚመ ሪፈር ተባሂለ ፣ ቅርሺ ኣውፂአ ክምለስ …ወዘተ እናበሉ የልምንዎም ፣ ውሱናት ሕጊ ዝጥሕሱ ሓለውቲ ድማ ቅርሺ እናተቐበሉ” የሕልፍዎም።

ኣብቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘለዎ ቦታ ምስ በፅሑ ብዝገርም ኩነታት 30 ሽሕን ልዕሊኡን እናኸፈሉ እዮም ዝሓልፉ።

ብድሕሪ እዚ ቀጥታ ፖሊስ ይሕዞም ፣ ወይ ናብቶም ቀዲሞም ዝረኸብዎም ሰብ ኔትዎርክ ይድውሉ ፣ ዝፍለጥ ሰብ ዓይነት እንተኾይኑ ናብ ሚድያ ኣምፂኦም ይጥቀሙሉ፣ ደሓር ኣብ ሚድያ ቀሪቡ ‘ትግራይ ትፈርስ ኣላ ፣ ሰራዊት ሰልችይዎ ኣሎ፣ ህዝቢ ተስፋ ቆሪፁ’ ዝብሉ ወግዕታት ከውግዕ ይገብሩዎ። ለብለብ ፕሮፖጋንዳ ሰሪሖም ይድርብይዎ። [ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ሓደ መምህር ፣ ሓደ ዶክተር ዓይደር ሆስፒታል ፣ ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ኢቲቪ ቀሪቦም ነይሮም እዮም] ፣ ካብዚ ወፃኢ ዘይፍለጥ ፣ ፕሮፖጋንዳ ዘይብሉ ተራ ሰብ መሲሉ እንተተሰሚዕዎም ናብ ቤት ማእሰርቱ ይልእኽዎ። ንሱ እውን ዕድለኛ እንተኾይኑ እዩ።

ሐዚ ኣብ መዳጎኒ ስፍራ ሐይቅ ብውሑዱ 3ሽሕ መንእሰይ ትግራይ ኣሎ። ሕሰብዎ ፣ ኣብ 6ወርሒ 3ሽሕ መንእሰይ ፣ ቅርሺ እናኸፈለ ፣ ክልተ ኬላ ሓሊፉ እዩ ከይዱ… መንገዲ እንተተኸፊቱ ፣ ቅርሺ ከይከፈለ ክሸግር እንተኽኢሉ ፣ ወይ ካሊእ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ቁፅሪ ክንደይ ይኸውን?

ካብቶም ኣብ መዳጎኒ ዘለው 3ሽሕ ወፃኢ ፣ ዝተሰወሩን ናብ ውትድርና ዝኣተውን ሰባት ግን ቁፅሮም ኣይተፈለጠን። እቶም 3ሽሕ ንውትድርና ይኹን ንፕሮፖጋንዳ ኣይትረብሑን ተባሂሎም ዝተደርበዩ እዮም። ዝፈረሰ ደምሒት ዳግም ብህግደፍ እናተሓገዘ መናእሰይ የሰልጥን ኣሎ። ካብዚ ወፃኢ ንዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝተቃልዑ ፣ ኩላሊቶም ዝተመንጠሉ ፣ ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ዝተቐተሉ ፣ ብዙሓት እዮም።

እሞ ከመይ ኣቢልና ኢና ዓይንና እናርኣየ ናብዞም በላዕቲ ሰብ ንኸይድ ዘለና? ብዝወፀ ዘይተመልሰ ብዙሕ ሰብ ኣብ ቅድሚትና እናርኣና ከመይ ኣቢልና ኣብ ባዕለይ ክሻብ ዝበፅሕ ኣይኣምንን ንብል። ምስትውዓል ዘድልዮ መንገዲ ንምረፅ።

ኣብ መቐለ + ኣላማጣ ዘለኹም ኢንተርኔት ናይ ምጥቃም ዕድል ዘለኩም ወገናት ፣ እዛ ሓበሬታ ናብ መናእሰይ ትግራይ ከምትበፅሕ ግበሩለይ! ካልኦትና ድማ ሼር ብምባል ንተሓጋገዝ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ዝፀሓፍኩዋ ተመሳሳሊት መልእኽቲ!