INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሞራልካ ዝሰብር ቀብጠርጠር!

ሞራልካ ዝሰብር ቀብጠርጠር!
ናይ ዝፀንሐ ሽርሒ መቐፀልታ

ካብ ትግራይ ተወኪሎም ዝተብሃሉ 200 ሰባት ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝነበሮም ፃንሒት ንህልው ኹነታት ህዝቢ ትግራይ ዝገልፅ ኣይነበረን።

መበገስየ ንዚ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ንምንኣስ ወይ ነገር ንምፅሕታር ኣይኮነን።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሖ ዓፃባ ብግቡእ ተዘይተገሊፁ ብፍላይ ድማ  ኣብ ቅድሚ ዓለም ዳሕራይ መጠዓሲ እዩ ዝኸውን።

ናይ ኣፀዋውዑን ነቶም ዝኸዱ ሰባት ኣብ ምሕራይን ዘሎ ፀገም ገዲፍና ፥ እንተነእሰ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ፀገማት ኣብ መድረኽ ምግላፅ እንታይ ዘፍርሕ ነገር ኣለዎ?
ነቶም ከቢድ ሕቶ ሓቲቶም ናብ ዓለም ከቃልዑኒ እዮም ዝበሎም ተወከልቲ ዕድል ኣይሃበምን።

 ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብሓድነትና እምበር ብትሕትናና ወይ ብቕንዕናና ዝምሕሩና ኣይኮኑን፥ እንተነኣሰ ኣብይ ኣሕመድን ኣብርሃም በላይን ሎሚ ዝቀባጠሩ/ዝናኣዱ ሰባት ኣይኮኑን።

1- ኣብ ሚኒሊክ ሓውልትን ፖርክን ኣርቲፍሻል ስራሕቲ ርኢኻ ካብ እግዚኣብሄር ዝተመረፀ ንጉስ ኣምሲልካ ናእዳ ምቕራቡ "እንተነኣድካዮ እዩ ዝፈቱ " ስለተብሃለ እዩ ይመስለኒ ፥ ኣብ ገለ እቲ ዑደት ተሓቲቱ እኳ እንተብሃለ ፥ ኣብ ከምዚ ዝበለ መድረኽ ክቐርብ ዝነበሮ፥ ሓደ ሚሊዮን ንዝሰዋእና ሰባት ብዝሃነፅናዮ ስርዓት ተካሒድና ነዚ ብልጭልጭ ምርኣይ ስምዒት ኣይሃበናን፣

2- ውዕል ፕሪቶርያ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ገይሩስ ብሻዕብያ ዝተትሓዘ ቦታታት ይፀናዕ ማለት ክሕደት እዩ፥ መንግስቲ ከመይ ወሰኑ/ዶብ ህገሩ ዘይፈልጥ?

3- "ተፈናቐልቲ ይመለሱ ዳሕራይ ሪፈረንደም ክንገብር ከም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ጉንደርን ዘሎ ትግራዋይ ከይድኹም ንበሩ" ማለት መዓዝ ዝወፀ ሕጊ እዩ? ንሕና መከላከያ ወሰን ይሓሉ እምበር ባዕልና ኢና ንሕሉ፥ ኣብርሃም በላይ ዝበሎ እዩ ተደጊሙ፥ ስለዚ ዝምለስ ሉኣላዊ ግዝኣት የብልኩምን እያ። ውዕል ፕሪቶርያ ቅድሚ ኹናት ናብዝነበሮ ይመለስ እያ ትብል።

4- ኣብ ቅድሚ ጌታቸው 45 ቢልዮን ጥረገንዘብ ሂብና ማለት ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳርኩም ተፀባፀቡ ዝብል ሕድሕድን ክንጠራጠር ዝገብር ሽርሒ እዩ። ነዚኣ ጌታቸው መልሲ ክበላ ተስፋ ገብር፥ እቲ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፌዴራል ይፅናሕ ዝብል ውዕል እንተልዩውን  እቲ ፀገም ናይ ኣብይ ኣይኮነን። 4- ንህወሓት ግደፍ በሉልና ዝመስል ኣዘራርባ ምስቲ "ህወሓት ኹናት ይሓስቡ ኣለው " ዝብል ናይ ብልፅግናን ናይባዕና።   እንብሎም ዝነበርና ሰባትን ሓሶትን ፀለመን ውፅኢት እዩ። ነቲ ውዕል ዝፈረመ ውድብ ክፈርስ ዝድለ ዘሎ ንምንታይ ? ዝብል ሕቶ ክንድንምልስ ኣብ ናይባዕልና ሕማም ቲፎዞ ተፀሚድና ዕድመ ስቓይ ህዝብና ነናውሕ ኣለና።

5- ኩነታት ፆታዊ ጥቕዓት ክለዓል ኣይሰማዕኹን ፥ ኮታስ ናይ ሎሚ ውዕሎ ህዝብና ንምኽፍፋል ፥ ከምቲ ቅድሚ ኹናት "ዳሕራይ ከይጥዓሱ ናይ ሎሚ ዝበኣሰ ክኸውንዩ " ዝብል ዘሎ እንታይ ስለዝሓሰበ እዩ?

እስኪ ልኡኻት ኣብመቐለ ምስመፁ ዝብልዎ ሰሚና ክንምል ኦ!