INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ምስረታ ፋብሪካ ስሚንቶ ኣብ ትግራይ

ምስረታ ፋብሪካ ስሚንቶ ኣብ ትግራይ 1

ካብ ከተማ መቐለ 20ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ኣብ እትርከብ ቶጎጋ ኣብ 900 ሄክታር ዝዓርፍ ብ 17 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ ተጣይሹ።

ኣካቢ ቦርድ ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ እቲ ፋብሪካ ከም ሃገር ዘሎ ሕፅረት ቀረብ ስሚንቶ ኣብ ምፍታሕ ግደ ከም ዝህልዎ ገሊፆም።

ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተጀመረ ኮይኑ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኲናትን ዛጊድ ናብ ህንፀት ከም ዘይተኣተወ ተገሊፁ።

ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ 52ሚልዮን ሼር ዝህልውዎ ኮይኑ ካብ ዝነኣሰ 100 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ብር ዝበፅሕ እዩ ዝበሉ ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ እቲ ፋብሪካ ብ 17 ነጥቢ 5ቢልዮን ብር ከም ዝምስረትን ናብ ስራሕ ምስ ኣተወ ማዓልታዊ 4000 ሽሕ ቶን ስሚንቶ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከም ዝህልዎ ገሊፆም ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ 900 ሄክታር ከምዝዓርፍ ድማ ተገሊፁ። ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ ትግራይ ካብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝነበራ ብርኪ ልምዓትን ዕቤትን ብዝበለፀ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዕቤት ኣብ ምስጋር ዓብዪ ዕድል ከም ዝፈጥርን ሃገራዊ ጠለብ ዕዳጋ ስሚንቶ ኣብ ምምላእ ግደኡ ከም ዝፍፅምን ተሓቢሩ። ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ሼር ምዕዳግ ከም ዝኽእሉ ዝገለፀት እታ ማሕበር ኣክስዮን ባንክታት፣ ትካላት ፋይናንስ፣ሰራሕተኛታት ስቪል ሰርቪስ ኣክስዮን ምዕዳግ ከም ዝኽእሉ ኣረዲኣ።

ካብ ዝቕፅል ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ኩለን ባንኪታት ኣክስዮን ምሻጥ ከም ዝጅመር እውን ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

ብሕሉፍ ካሕሳይ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ !!! ምስረታ ፋብሪካ ስሚንቶ ኣብ ትግራይ 2

ትግራይ ናብ ዝነበረቶ ንምብፃሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ ዝነበረቶ ብዝተዓፃፀፈ ምብራኽ እዮ።

ሎሚ ዕለት 14/06/2015ዓ/ም ኣብ ፅባሕ በዓል ለካቲት 11መስራቲ ጉባኤ ማሕበር ኣክስዮን ፍብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ ንመጀመርያ ግዜ ኣክስዮን ኮይኑ ብኢንቨስትመንት ደረጃ ዘካይዶ ዘሎ መድረኽ እዩ።

ኣብ ሃገርና ካብ ዘለዋ 7+ ዝኾና ፍብሪካ ስሚንቶ እታ ሓንቲ ኣብ ትግራይ ትርከብ መሰቦ ስሚንቶ ፍብሪካ እያ ። ሐዚ ድማ ካልኣይ ፍብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ ናብ ስራሕ ክኣትው ዝለዓለ ርብርብ የድሊ።

በዚ መሰረት ብዛዕባ እዚ ኣክስዮን ፍብሪካ:-

1. ኣብ ተጎጋ ካብ መቀለ ንምዕራብ ገፅ 20 km ርሒቁ ዝርከብ እዩ።

2. ኣብ 900 ሄ/ር ዝዓርፍ ይኸውን።

3. እዚ ፍብሪካ ብዙሕ ነበርቲ ኣብ ዘይርከበሉ ከባቢ ዝትከል ስለ ዝኾነ ንብኽለት ዝተቃለዐ ኣይኮነን፣ ጥረ ኣቅሓ ኣብ ቀረባ ዝርከብ እዩ። ናይ ማይ ሕፅረት ዘየጋጥሞ ምኻኑ ( ሩባ ግባ ኣብ ቀረባ ብምህላዉ) ወዘተ ዕድላት ዘለዎ ምኻኑ።

3. ጥረ ኣቅሓ ካብ ተጎጋን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ዝጥቀም ይኸውን።

4. መዓልታዊ 4000 ቶን፣ 2.3 ሚልዮን ሜትሪክ ቶን ብዓመት ከምርት ተሓሳቢ ዝገበረ እዩ።

5. 17.5 ቢልዩን ካፒታል ዘድልዮ ኮይኑ ካብዚ 30% ማለት 5.2 ቢልዩን ብር ብሸር ክእክብ እዩ። ዝተረፈ 70% ድማ ካብ ባንኪ ብልቃሕ ዝርከብ ይኸውን።

6. ንሓደ ሼር ዝተሓተ 100 ሽሕ ኮይኑ ዝለዓለ ድማ 520 ሚልዮን ይኸውን። ወዘተ ሓሲቡ ዝጣየሽ ትካል ስለዝኾነ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ደገ ዘሎ ይኹን ኣብ ውሽጢ በቢዓቅሙ ብምስታፍ እዚ ትካል ቀልጢፍ ናብ ስራሕ ክኣትውን ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምብፃሕን ተራና ክንፃወት ይግባእ ንብል።

ኣብዚ ዝተለዓሉ ጠቀምቲ ሓሳባት:-

1. ትግራዋይ ኮይንካ ብሓባር ብኣክስዮን ምስራሕ ኣይተለመደን እሞ ብከምዚ እናተወደብና ትግራይና ነልምዕ። ስለዚ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ብምዕባይ ውሑስ ኢንቨስትመንት ከነዐቢ ይግባእ። ብተወሳኺ ቁጠባ ትግራይና ምዕባይ እዩ።

2. እዚ ፍብሪካ ንትግራይ ንምልማዕ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ኢንዳስትሪ እዩ።

3. ኣብ ዓለም ወዲ ሰብ ካብ ማይ ቀፂሉ ዝጥቀሞ ስሚንቶ እዩ ። ኮይኑ ግን ነዚ ከማልኣ ተባሂለን ዝተጣየሻ ፍብሪካታት ትሕቲ 50% ጥራሕ እየን ዘምርታ ስለዚ እዚ ፍብሪካ ብሙሉእ ዓቅሚ ከምርት ሙሉእ ድጋፍ ክንገብረሉ ይግባእ። ከም ቢሮ ኢንዳስትሪ እውን ኣብ ጎኖም ኮይና ከምንድግፍ በዚ ኣጋጣሚ ክንገልፅ ንፈቱ።

ስለዚ ናይ ኣክስዮን መሸጣ ኣብ ኩለን ባንክታት ካብ ፅባሕ ክጅመር እዩ።

ትግራይና ተወዲብናን ሓድነትና ኣስጢምናን ነልምዓያ!!!

ፎቶ

# ናይ መስረቲ ጉባኤ # ናይ ኣክስዮን መሸጣ ወዘተ