INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ምሁርትን ፅንዕትን ትግራዋይቲ

"ሰሪሕኻ ምብላዕ ክብረት እምበር ብዝኾነ መዕቀኒ ውርደት ኣይኮነን" ቃል ብዓል ታሪክ

"ምርምር" ብዝብል ርእሲ ቅድሚ 8 ዓመት ኣብ ራድዮ ድምፂ ወያነ ትግራይ ዝተመሓላለፈት ልዕሊ ሰላሳ ክፋል ዝነበራ ድራማ ትዝክሩ ዶ? ኣብዚ ሕዚ እዋን ማሕበራዊ ሚድያ እትጥቀሙ ናይ ፌስቡክ መሓዙተይ ኣብ ዓዲ ወፃኢ እትነብሩ ስለ ዝኾንኩም ዘይሰማዕኹማ ትህልዉ ኢኹም። "እወ ንፈልጣ" እትብሉ እውን ብዙሓት ትኾኑ።እዛ ኣብ ስእሊ ትሪእዋ ዘለኹም ንእስቲ ካብ ተዋሳእቲ እታ ተደዋስኦ ካብቶም ቀዳሞት ገፀ ባህሪ ሓንትን ንፍዕትን ዝነበረት እያ። መምህርን ጋዜጠኛን ብርሃን ወልደገብርኤል /ምንችኮ/ ትበሃል።

ብርሃን ኣብ ራድዮ ድምፂ ወያነ ትግራይ ካብቶም ዝፍለጡ ጋዜጠኛታት እውን ነይራ። ፅቡቕ ውፅኢትን ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፍልጠትን ዕድልን ስለ ዝነበራ ድማ ቅድሚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት ይመስለኒ ተወዳዲራ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣትያ።ክሳብ ፀላእትና ኣብ ልዕሌና ወራር ዝጅምሩን ኩሎም ትካላትና ኣዕንዮም ሰራሕተኛታተ ካብ ስራሕ ወፃኢ ዝገብርዎን መምህር ኮይና ተገልግል ነይራ። ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድን ካሕዳም ዓዲ ኢትዮጲያን በጀት ዩኒቨርስቲታት ትግራይን ባንክታት ጨንፈር ትግራይን ምስ ዓፀዉ ከም ሃገራ ኣብ ፀገም ወዲቓ። ግን ንፀገም ኢዳ ክትህብ ውሽጣ ኣይፈቐደላን። ኣብ መዋፈሪ መኻይን መቐለ/ብተለምዶ ነባር መነሃርያ/ ሎሚን እናሸጠት ክትናበር ምስ መሳርሕታ ብዓል ገዝኣ ተረዳዲኣ ስራሕ ጀሚራ። ኣነ ቅድሚ ወርሒ ኣቢለ ሪአያ ደንጊፀን ገሪሙንን። 18 ሓምለ 2014 ዓ·ም ኣብ ዓባይ ኣውቶብስ ተሳፊረ ናብ ኣሃዶይ ክኸይድ ምብጋስ እታ መኪና እናተፀበኹ እናሃለኹ "ሎሚን ሎሚን ፣ ሎሚን ንመንገዲ ፅቡቕ እዩ፣ ሎሚን ናይ ሓሙሽተ ቅርሺ ክልተ ወዘተ" እናበለት ናብቲ ዝነበርኩሉ ወንበር ገፅ መፂኣ። ክልቴና ደንጊፅና ስምና ተፀዋዊዕና ብናፍቖት ተሰዓዒምና። "ናብዚ ወሪድኪ?" ኢለያ እናተገረምኩ። "እሞ ክጠሚ ዶ ደኣ?" ኢላትኒ። "ካልእ ስራሕ ዘይትፍትኒ" ኢለያ። "ካብዚ ንላዕሊ ስራሕ ዘጅምር ዕድልን ገንዘብን ኣይረኸብኩን። ነዚ ሰሪሐ ተመስገን መሕደሪ ነብሲ እናገበርኩ ይነብር ኣለኹ።" ኢላትኒ። ሓቡኣ ፣ ፅንዓታ ፣ ንሂወት እትህባ ትርጉም ብጣዕሚ ዘገርም እዩ። ምምሃር ማለት ስራሕ ዘይምንዓቕ ማለት ምኻኑ ብተግባር ዘምሃረት ትግራወይቲ። ብዙሓት ከምኣ ይህልዋን ይህልዉን ይኾና/ይኾኑ። ኣብ መወዳእታ "የድንቐኪ እየ" ካብ ምባል ወፃኢ ዝብላ ኣይነበረንን። "የቐንየለይ" ኢላትኒ ምስቶም "ውፅኡ እተዉ" ዝብልዎም መኽበርቲ ፀጥታ እቲ መዋፈሪ መኻይን እናተጨቓጨቐት ናብ ስርሓ ከይዳ። ብርሃን ኣዶ ወዲ ዓመትን ገለ ኣዋርሕን ዕሸል እያ። ኣብ ትግራይ እትርከባ ሚድያታት ካብዚኣ ንላዕሊ ተመኩሮ ዝህብ የለን እሞ ኣምህሩላ።

"ምምሃር ማለት ስራሕ ዘይምንዓቕን በሊዕኻ ምሕዳርን ማለት ምኻኑ ብተግባር ዘምሃረት ምሁርቲ" ምምህር ዩኒቨርሲቲ ብርሃን ወልደገብርኤል/ምንችኮ/።

18 ሓምለ 2014 ዓ·ም መቐለ