INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሙሁር ተወላዋላይ እዩ

ሕፅር ብዝበለ።

ሙሁር ተወላዋላይ እዩ፤ እወ ሓቂ እዩ። ከምህዝቡ ወይ ብንእሽተይ (infinitesimally) ብዝበለፀ መልክዑ ንነገራት ስለ ዝምርምርን ስለ ዘስተንትንን። ሽኻል ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ትግራይ ኾይኑ ማዕኸሉ ገባር ትግራይ እዩ ክኾውን ዘለዎ፤ ብለይሱ ሙሁር ወይ ህይወት ክህሊ ስለዘይኽእል።

ኣብ ቀረባ ካብ ትግራይ፣ መሁር ተወላዋላይ እዩ፣ ሙሁር ሸለልትነት ዝዓይነቱ የርእይ ኣሎ፣ ትግራይ ናይቶም ምእንተ ህዝቦም ዝቖሰሉን ዝተሰዉኡን እያ፣ ወዘተረፈ ዝባሃላ ወግዕታት ኣለዋ። ቕንዕና እንተልዩ፣ እዚአን ብሙለአን ሓቂ እየን።

ኣፍተን ወግዒታት ሙሁር ዝተብሃለ፣ ነቶም ካብ ናይ እምነታት ቤት-ትምህረቲ ጀሚሮም ዲቁና፣ ቅስስና ወይ 'ውን ናቁርኣን ትምህርቲ ጀሚሮም ቐዳማይ፣

ኻልኣይ ክፍሊ... እናበሉ መራሕቲ ኣብያተ-እምነት፣ መምሃራን፣ ሓካይም፣ ኢንጂነራት፣ ተመራመርቲ፣ ሓለውቲ ዓዶም ወየንቲ፣ መራሕቲ ሰራዊትን ጀነራላት ትግራይን፣ ወዘተረፈ እናኾኑ ዝመፁ ሙሁራት ትግራይ ኣይመስለንን።

ወይ 'ውን ንሞት ፈሪሑ፣ ኣካላቱ ከይጎድልዎ ፈሪሑ ናብራይ፣ ደቀይ፣ ገዛይ ይበልፁኒ ኢሉ ዓይኑ ዓሚቱ 'ዋይ በረኻ እኳ ኣይኸድይ' ኢሉ ግን ብዝኻኣልኩዎ ካሊእ መዳይ ክሕግዝ እየ ንዝበለ 'ውን ኣይኮነን፣ አረ ኣነ ኣብ ፖለቲካ ኾነ ኣብ ትግራይ ዘእትወኒ ነገር የለን ኢሉ ‘ዉን (ንትግራይን ህዝባን ንመድህኔ-ኣለም ወይ ንኣላህ ኢቡ) ኣብ ድላዩ ኸይዱስ ይኹን ኣብ ትግራይ ኮፍ ኢሉ ሱቕታ ንዝመረፀ 'ውን ኣይኮነን ተወላዋላይ ዝተብሃለ።

ተወላዋላይ ሙሁር ዝተብሃለ፣ ተምሂሩ ተመራሚሩ ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ ዋላ በፂሑ እናሃለወ፣ ትምህርቱን ፍልጠቱን ኣብ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ወይ ኣብ ናይ ግሉ ልምዓት ካብ ዘውዕሎ ብኣንፃሩ ብናይ ባዕሉ ናይ ድሌታት ምቅራን (conflict of interests)፣ ወይ 'ውን ንትግራይ ይጠቕማ ኣለኹ ኢሉ ኣርሒቑ ብዘይ ምሕሳብ እናተጋገየ መሳሪሒ ፀላእቲ ንዝኾን፣ ወይ 'ውን ብየመና ስሰዐን ፅልኢትን ንውሑዳት ግለ-ሰባት ኾነ ንዝኾነ ውድብ ኣግነና ብምባልን ብኻሊእ ምኽንያታትን ብዓይነ-ዑሙተይ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝብድሉን ናይ ግዜ-መከራኡ ዘናውሑሉን ሙሁራት እዮም "ሙሁር ተወላዋላይ ዝተብሃሉ" ወይ "ትግራይ ናይ ‘ቶም ዝተጋደሉ እያ' ኣብ ዝብል ዘይተጠቓለሉ።

ካብኡ ወፃኢ፣ መን እሞ ኣብ ኹሉ ዘይተጋደለ ኣብ በረኻስ ይኹን ኣብ ወፃኢ፣ ኣብ ከተማስ ይኹን ኣብ ገጠራት ትግራይ ኹሉ ተጋዲሉ እዩ ብዝኽእሎ በብዓቐሙ። እሞ እወ ትግራይ ናይ ዝተጋደሉ እያ፣ ናይ ኹለና።

ናይ ኹለና፣ ስለ ትግራይ ፎቖዶ መንገዲ፣ ፎቖዶ ኢምባሲታትን ከተማታትን ደም ናይ ዝነባዕና፣ ስለትግራይ ኡይይይይ ናይ ዝበልና፣ ፎቖዶ በረኻታት ናይ ዝቐረናን ዝቐረዩ ኣሕዋትናን፣ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ከተማናን ዓድናን ኣይነድፍርን ኢሎም ናይ ዝተረሸኑ ሙሁራት ኣሕዋትና፣ ኣብ ገገዝአን ብኩፍለን ናይ ዝተደፈራን ዝተረሸናን እነታትናን ኣሕዋትናን፣ ብጭንቅን ሕራሮትን ናይ ዝሓመምናን ንባዕሎም ናይ ዘጥፉኡ ተጋሩን እያ ትግራይ።

ካብ 5ሳንቲም እስካብ ሂወትና ናይ ዘዋፃእና፣ ለይትን ቀትርን ስለ ትግራይ ናይ ዝሰርሑ ኣባላትን መራሕትን ኹለን ውድባት ትግራይ እያ ትግራይ ማለት።

ኩሉ ትግራዋይ ወያናይ እዩ ኩሉ ሙሁር እዩ፤ ብትግራይ ዝወላወሉ ዉሑዳት እዮም፣ ንባዕሎም ‘ውን ይፈልጡ እዮም። -- ተወላዋልነቶም ‘ውን የሕምሞ እዩ፤ የቕልለሎ